እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ትግራይን ኤርትራን እንታይ ኣልዒሉ?
ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ሎሚ 7 ሓምለ 2026 ኣብ ዓመታዊ መዕጸዊ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝቐረብሉ ሕቶታት መብርሂ ዝሃበ ኰይኑ፡ "ህወሓት ቀልቢ እንተገዚኡ . . . ንምዝርራብ ጻዕሪ ከድሊ'ዩ፡" ኢሉ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ብቦርድ መረጻ ኣፍልጦ ዝተነፍገ ፖለቲካዊ ሰልፊ ህወሓት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ ምስ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ምስሕሓብ ኣትዩ ኣብ ዘለወሉ ግዜ'ዩ ነዚ ርእይቶ ሂቡ።
ኣቢይ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ህወሓት ቀልቢ እንተገዚኡ ንምዝርራብ፡ ሰላም ንምምጻእ ጻዕሪ ምግባር ኣገዳሲ'ዩ፡" ብምባል፡ "ካብ ሰላም ወጻእ ዘሎ ኵነታት ኣይጠቕመናን፡" ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ወጥሪ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብቲ ክልል "ኲናት ንኽለዓል ሰፊሕ ድልየት ኣሎ፡ መኽሰብ ስለ ዘይብሉ ኢና እምቢ ኢልና፡" ክብል ተሰሚዑ።
መንግስቲ እታ ሃገር፡ ህወሓት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምዃን ንኲናት ይዳሎ ኣሎ'ዩ ዝብል ክሲ ከቕርብ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ህወሓት ብወገኑ እቲ መንግስቲ ምድላዋት ኲናት ይገብርን ሰራዊቱ ናብቲ ክልል የንቀሳቕስን ኣሎ ክብል ይኸስስ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ኣብቲ ሎሚ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቦ ሰፊሕ መብርሂ፡ ንህወሓት፡ኤርትራ፡ ሱዳንን ግብጺን ኣልዒሉ ዝነቐፈ ኰይኑ፡ "ኣይኰነን ዶ ሻዕብያ፡ ወያነን ሱዳንን፡ ካልእ እውን እንተ ተወሰኸ፡ ልዑላውነት ኢትዮጵያ ቅንጣብ'ውን ትዅን ስግኣት የብሉን፡" ክብል ተዛሪቡ።
ንሱ፡ ሓይልታት ትግራይ ንመንእሰያት ናብቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት የሰጋግሩን "ከም ባሮት ይሸጡን" ኣለዉ ክብል ከሲሱ ኣሎ።
ሓያሎ መንእሰያት ትግራይ ብግዴታ ናብቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ተወሲዶም ህይወቶም ይስእኑ ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ "መንእሰያት ትግራይ ብዘይፈልጥዎ ምኽንያት ህይወቶም ይስእኑ ኣለዉ፣ ብዛዕባ ዘይፈልጥዎ ዕላማ ድማ ህይወቶም ይኸፍሉ ኣለዉ፡" ኢሉ።
ካብ ቀረባ ሰሙናት ጀሚሩ፡ ኣብ ትግራይ ብብዝሒ ትሕቲ-18 ዝዕድመኦም ህጻናት ዝርከቡዎ ሰባት ብኣስገዳድ "ግዱድ ወተሃደራዊ ምልመላን" ን "ናብ ኲናት ኣገዲድካ ምስላፍን" ይፍጸሞም ከም ዘሎ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ክገልጹ ቀንዮም ኣለዉ።
መራሕቲ ህወሓት፡ ኣብዚ እዋን "ስግኣት ብሄራዊ ህልውና" ከም ዘለዎም ብምግላጽ መንእሰያት "ብሰናይ ፍቓዶም" ንብሄራዊ ኣገልግሎት ይምልምሉ ከም ዘለው ይምጕቱ።
ብማእከላይ መንግስቲ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ብመራሕቲ ህወሓት ካብ ዝእለ ንድሓር፡ ኣብቲ ክልል ሓድሽ ኲናት ከይውላዕ ዝብል ስግኣት ከም ዘሎ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ክወጽኡ ጸኒሖም'ዮም።
ንህወሓት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተሓባቢሩ ንኢትዮጵያ ክወርር ይዳሎ ኣሎ ክብል ድሕሪ ምኽሳስ፡ መንግስቱ እዞም ሓይልታት እዚኦም "ንምምካል ዘኽእል ዓቕሚ ምክልኻል" እናሃነጸ ምዃኑ ዝገለጸ ኣብይ፡ "በቲ ቀደም ዝሰርሐ ዝኣረገ ስልቲ ሕጂ ክጥቀሙ ምፍታኖም ረብሓ የብሉን" ኢሉ።
"ህወሓትን ዓወትን 'ኣራንባ እና ቈቦ' – [ኣይራኸቡን እዮም]" ክብል እውን ኣባጭይሉ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ፡ "ኢትዮጵያ ምንጪ ምፍራስ ሰላማ ኣበይ ምዃኑ ትፈልጥ እያ" ድሕሪ ምባል፡ ካብቲ ምንጪ ዝለዓል ዝዀነ ይዅን ምትንዃይ ንምክልኻል ዘኽእል ቍመና ትፈጥር ከም ዘላ ይዛረብ። ንሓይልታት ትግራይ ድማ ናይ ወጻኢ ተልእኾ ዘፈጽሙ "ምሳር" ክብል ወቒሱ።
ክሲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ዝቐርብ ዘሎ፡ ኢትዮጵያ ንባዕላ ኣብቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኢዳ ኣእትያ ኣላ ዝብል ክሲ ካብ መንግስቲ ሱዳን ይዅን ካልኦት ወገናት ይቐርበላ ኣብ ዘለወሉ እዋን እዩ።
መንግስቲ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ብሓባር ኰይነን ኣብ ኲናት ሱዳን ሕማስምስ ይፈጥራ ኣለዋ ክብል ብተደጋጋሚ ክኸስስ ጸኒሑ እዩ።
ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ነቲ ኣብ 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ሓደጋ ከውድቖ እዩ ዝብል ስግኣቶም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብ26 ሰነ 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ "ምሉእ ብምሉእ ክትግበር" ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ።
እቲ ኤምባሲ፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ፖለቲካን ማሕበረሰብ ዓለምን ሰፊሕ ፖለቲካዊ ዘተ ከም ዘድሊ ብምጥቃስ፡ ሰላም ዝዘርጉ ኣካላት ምስቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ተበግሶታት ክተሓባበሩ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ግን፡ እቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ "ሰዓርን ተሰዓርን ብማዕረ ኰፍ ኢሎም ዝተደራደሩሉ እዩ" ክብል ገሊጽዎ። ይዅን እምበር፡ ሓይልታት ትግራይ መዓልታዊ ንመንግስቲ ፈደራል ዝተናዀሉ ስጕምቲታት ይወስዱ ከም ዘለዉ ወቒሱ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ መቐለ እውን ልክዕ ከም ኣዲስ ኣበባ "ኮሪደር ልምዓት" ክረአ ባህጊ ከም ዘለዎ፡ ካብኡ ወጻኢ ዘሎ ንኲናት ዝድርኽ ምንቅስቓሳት ግን ከም ዘይደሊ ገሊጹ።
ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝረኣዩ ግጭታት "ብሃይማኖትን ብህዝብን" ዘይኰኑስ "ብብሄራት" ዝግበሩ ምዃኖም ጠቒሱ፡ እዚ ድማ ብሰንኪ ማሕበራዊ ሚድያን "ተዓፊኖም ዝጸንሑ ሽግራት" ምዃኖም ተዛሪቡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተኻየደ መበል ሻውዓይ ሃገራዊ መረጻ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ ሰልፊ ብልጽግና፡ ኣብዝሓ ድምጺ ባይቶ ዓቂቡ ኣብቲ መረጻ ከም ዝተዓወተ ብወግዒ ተገሊጹ'ዩ።
እቲ ብ1 ሰነ 2026 ዝተኻየደ መረጻ፡ ብግጭት፡ ክስታት ዓፈናን ውሱን ተሳትፎ ተቓወምቲ ሓይልታትን ዝተዓብለለ እዩ ነይሩ ዝብል ነቐፌታ ከም ዝቐረበሉ ይፍለጥ።
እቲ ካብ 501 ዝተወዳደሮ ን438 መናብር ዝተዓወተ ሰልፊ ብልጽግና፡ ሓድሽ መንግስቲ ክምስርት እዩ። ኣቢይ ድማ ኣብ መጀመርታ ጥቅምቲ ንኻልኣይ እብረ ዘመነ-ስልጣኑ ቃለ-ማሕላ ክፍጽም ትጽቢት ይግበር።