እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ቀጥታ, ሻብዓይ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ

ብዘይካ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ መላእ ሃገር ዝካየድ ሻብዓይ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ካብ ወጋሕታ ሰዓት 12 ድምፂ ምሃብ ጀሚሩ ኣሎ። ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ኣብ መላእ ክልል ትግራይን ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን ሎሚ መዓልቲ ምርጫ ከምዘይካየድ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ኢትዮጵያ ንሻብዓይ ግዜ ሃገራዊ ምርጫ ተካይድ ኣላ
  • ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ዜጋታት ድምፂ ይህቡ ኣለዉ
  • ኣብ ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ኣብዚ ዕለት ምርጫ ኣይካየድን
  • ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ብሰንኪ ግጭት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ድምፂ ምሃብ ኣይካየድን
  • 54 ሚልዮን መረጽቲ ተመዝጊቦም
  • ኣብዚ መረፃ 42 ፖለቲካዊ ውድባት ዝሳተፋ ኮይነን፡ እተን ውድባት ልዕሊ 10 ሽሕ ሕጹያት ኣመዝጊበን
  • ካብዚኦም እቶም 2080 ንባይቶ፤ 8,352 ሕጹያት ንቤት ምኽሪ ዞባታት፤ 80 ሕጹያት ድማ ብውልቂ ይወዳደሩ
  • 55 ሲቪላዊ ማሕበራት ውሽጢ ሃገር ነቲ መረፃ ይዕዘባኦ ኣለዋ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኢትዮጵያ፡ ልዕሊ 50 ሚልዮን ሰባት ድምፆ ክህቡ ተመዝጊቦም

    ኢትዮጵያውያን መራጽቲ ሎሚ 24 ግንቦት 2018 ዓ.ም [ግ] ንሻብዓይ ዙርያ ሓፈሻዊ መረፃ፡ ድምፆም ይህቡ ኣለዉ።

    ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ናይታ ሃገር፡ ካብ ክልል ትግራይን ገለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን ወፃኢ ኣብ መላእ ሃገር ከም ዝካየድ ኣፍሊጡ።

    ኣብዚ መረፃ’ዚ፡ 50.5 ሚልዮን ሰባት ድምፂ ክህቡ ተመዝጊቦም ኣለዉ፤ እዚ ድማ ልዕሊ ክልተ ሲሶ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር’ዩ።

    ብመሰረት ጸብጻብ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ፡ ካብቶም ንምምራጽ ዝተመዝገቡ ልዕሊ 50 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን፡ 46 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ፡ 54 ሚእታዊት ድማ ደቂ ተባዕትዮ እዮም።

    ናይ ሎሚ ዓመት ብዝሒ መረጽቲ ካብቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝነበረ ብ32 ሚእታዊት ዝዛይድ ኰይኑ፡ ካብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ መረፃታት ድማ ዝበዝሐ’ዩ።

  2. “ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ሰላማዊ መረፃ ከይካየድ ሓይልታት ኣዋፊሮም”- ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ እቶም "ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ እዮም’ ዝበሎም፡ ሰላማዊ መረፃ ከይካየድ “ተፃባእቲ ሓይልታት” ከም ዘዋፈሩ ገሊፁ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣብ ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣብ ትውልድ ዓዱ ዝዀነት ኣብ በሻሻ ድምፂ ድሕሪ ምሃቡ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ “ታሪኻዊ ፀላእቲ” ዝበሎም ሓይልታት፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ደሞክራስያዊ መረፃ ምክያድ ከ ምዘይከኣል ከእምኑና ፈቲኖም፡” ኢሉ።

    እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ህዝቢ “ኣብ ኢትዮጵያ ክሃንፆ ብዛዕባ ዝደሊ ደሞክራስያዊ ስርዓት፡ እንታይ ከም ዝገብር ንምውሳን መኸርቲ ኰነ ገሰፅቲ ኣየድልዮን፡” ብምባል፡ ሎሚ ንግሆ ድምፂ ክህብ ገስጊሱ ከም ዝወፅአ ተዛሪቡ።

    እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ መንነት እቶም 'ታሪኻዊ ፀላእቲ' ዝበሎም ሓይልታት ኣይጠቐሰን።

    ካብ ሎሚ ንግሆ ጀሚሩ ድምፂ ምሃብ ተጀሚሩ ኣሎ፣ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ እውን ኣብ ዞባ ጅማ ወረዳ በሻሻ ድምፁ ሂቡ።

    እቲ ሃገራዊ ቦርድ ኣብዚ ሃገራዊ መረፃ ልዕሊ 54 ሚልዮን መራፅቲ ከም ዝተመዝገቡን፡ 42 ፖለቲካዊ ውድባት ድማ ኣብቲ መረፃ ከም ዝሳተፉን ኣፍሊጡ።

    ኣብ ርእሲ እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ተዓዘብቲ፡ እቲ መረፃ ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ክዕዘቡ ምዃኖም ተፈሊጡ።

  3. ኢትዮጵያ ትመርጽ ኣላ፡ ኵሉ ሰብ ግና ዝመርጸሉ ኣይኰነን

    ኣብ ገለ ክፋላት እታ ሃገር ግጭት ተባሪዑ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሓፈሻዊ መረጻ ኢትዮጵያ ሎሚ ሰኑይ 1 ሰነ ይካየድ ኣሎ፤ እዚ ማለት ድማ ሓያሎ ሰባት ክመርጹ ኣይክእሉን እዮም።

    እታ ክልተ ዓመት ደማዊ ኲናት ዘሕለፈት ቍስላ ከተሕዊ እትቃለስ ዘላ ትግራይ ካብዚ መረጻ ፈጺማ ተገሊላ ኣላ።

    እዚ መረጻ'ዚ፡ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ብ1991 ድሕሪ ምውዳቑ ንመበል ሻውዓይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ እዩ።

    እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ መረጻ፡ ምስታ ብ1994 ብረፈረንዱም ሃገር ክትከውን ዝበቕዐት ብሰሜን ዘላ ጐረቤታ ኤርትራ፡ ውጥሪ ኣብ ዝዓበየሉ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ።

    ማዕከናት ዜና ጽኑዕ ቍጽጽር ይካየደሎም ኣሎ፤ ከም ቢቢሲ ዝኣመሰላ ሓያሎ ትካላት ድማ ኣብታ ሃገር ክሰርሓ ፍቓድ ጋዜጠኝነት ተነፊጉዎን ይርከብ።

  4. ሰልፊ ብልጽና ብሰፊሑ ክዕወት ትጽቢት ይግበር

    ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ሰኑይ ሻብዓይ ሃገራውን ክልላውን መረጻ ተካይድ ኣላ።

    ተንተንቲ ፖለቲካ፡ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል እታ ሃገር ኣዕናዊ ግጭት እኳ እንተሃለወ፡ ሰልፊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብሰፍሕ ከም ዝዕወት ይግምቱ።

    ልዕሊ 50 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብቲ ሃገራዊ መረፃ ድምፁ ክህብ ተመዝጊቡ ኣሎ።

    ኣብ ክልል ትግራይ፡ ብሰንኪ"ዘይምቹው ኩነታት" መረጻ ከምዘይካየድ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኣፍሊጡ ኢሎ።

    እታ ክልል፡ ብሰንኪ እቲ ካብ 2020 ክሳብ 2022 ዝተኻየደ ደማዊ ኩናት ሓድሕድ፡ ኣብ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ዕግርግርን ወጥርን ተሸሚማ ትርከብ።

    ወዲ 49 ዓመት ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ 2018 ኣንጻር እቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ግንባር ኢህወዴግ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ ስዒቡ፡ ስልጣን ምቍፅፃሩ ይዝከር።

    ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን መዳያት ሰፋሕቲ ዕርያታት ክገብር ድማ ተስፋ ተገይሩሉ ነይሩ።

    ሰልፊ ብልጽግና፡ ኣንጻር እቲ ብውሽጣዊ ንሕንሕ ዝደኸመን ዝተበታተነን ተቓውሞ፡ ነቲ ሃገራዊ መረፃ ክዕብልሎ ትጽቢት ይግበር።

    ተቓወምቲ ውድባት፡ መንግስቲ ፌደራል ንመራሕቶም ብምእሳርን ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታቶም ሕጋውን ምምሕዳራውን ዕንቅፋት ብምፍጣርን ከምዘዳኽሞም ይኸሱ፣ መንግስቲ ነዚ ክስታት ይነፅጐ።

    ንሮይተርስ ሓዊሱ ብዙሓት ዓለም ለኻዊ ሚድያታት፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ካብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ክፅብፅቡ ኣይተፈቐደሎምን።

    ሰልፊ ብልጽግና ኣብ 2021 ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ካብ 484 መናብር ሃገራዊ ባይቶ 410 መናብር ምርካቡ ዝዝከር እዩ።

    ኣብዚ ከርና ንሕንሕ ዘይብሉ ሻብዓይ ሃገራዊ መረጻ’ውን፡ ብሰፊሑ ክዕወት ትጽቢት ይግበር።

  5. ኣብ ሻብዓይ ሃገራዊ መረፃ ድምጺ ምሃብ ብስእሊ

  6. ኢትዮጵያ፡ ሻብዓይ ሃገራዊ መረፃ ይካየድ ኣሎ

    ኣብቲ ብደረጃ ሃገር ዝካየድ ሻብዓይ ሃገራዊ መረጻ፡ ብዘይካ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ካልኦት ከባብታት እታ ሃገር ካብ ወጋሕታ ሰዓት 12 (6) ድምጺ ምሃብ ተጀሚሩ።

    ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ኣብ መላእ ክልል ትግራይን ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን መረፃ ከምዘይካየድ ኣፍሊጡ ነይሩ።

    ኣብ ክልል ኣምሓራ ደቡብን ምዕራብን ጎንደር፣ ደጋ ዳሞትን ኣምባሰልን ሓዊሱ ሎሚ ኣብ 8 ክልላት መረፃ፡ ድምፂ ከምዘይወሃብ እውን እቲ ቦርድ ገሊፁ።

    ንሻብዓይ ሃገራዊ ሓፈሻዊ መረፃ ልዕሊ 54 ሚልዮን መራጽቲ ከምዝተመዝገቡ እቲ ቦርድ ኣመልኪቱ።

    ኣብዚ መረፃ 42 ፖለቲካዊ ውድባት ዝሳተፋ ኮይነን፡ እተን ውድባት ልዕሊ 10 ሽሕ ሕጹያት ኣመዝጊበን ኣለዋ።

    ካብዚኦም እቶም 2080 ንባይቶ፤ 8,352 ሕጹያት ንቤት ምኽሪ ዞባታት፤ 80 ሕጹያት ድማ ብውልቂ ክወዳደሩ እዮም።

    55 ሲቪላዊ ማሕበራት ውሽጢ ሃገር ነቲ መረፃ ይዕዘባኦ ከምዘለዋ ይግለፅ።

    ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ብፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ዝምራሕ ተዓዛቢ ልኡኽ ኣዋፊሩ ኣሎ።