እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ዜናታት
ቀጥታ, ዋይት ሃውስ፡ ምስ ኢራን ዘይቀጥታዊ ዝርርብ 'ይካየድ ከም ዘሎ' ገሊጹ
ትራምፕ መራሕቲ ሊባኖስን እስራኤልን ሎሚ ሓሙስ ዝርርብ ክገብሩ ምዃኖም ብምግላጽ ኣመሪካ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት "ንእሽቶ መስተርሆ ክርከብ ትጽዕር ኣላ" ክብል ሓቢሩ። ዋይት ሃውስ ብወገኑ፡ ኣመሪካ ነቲ ምስ ኢራን ዝጸንሐ ናይ ክልተ ሰሙን ምቁራጽ ተኹሲ - ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዝውዳእ - ክናዋሕ ሓቲታ ዝብል ጸብበባት "ሓቂ ኣይኰነነን" ኢሉ።
ኣይኤምኤፍ፡ ዓለማዊ ቍጠባ ብሰንኪ ኲናት ኢራን ኣብ ሓደጋ ኣሎ
እቲ ምስ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣመሪካን እስራኤል ከምኡ'ውን ምንሃር ዋጋታት ጸዓት እንተ ቀጺሉ፡ ዓለማዊ ቍጠባ ኣብ ዝሕጠት ወይ ቅልውላው ክወድቅ ከም ዝኽእል ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ ኣጠንቂቑ።
ኣብ ግጭት ኣመሪካን ኢራንን እንታይ'ዩ ክስዕብ? ኣርባዕተ ክህልዉ ዝኽእሉ ተኽእሎታት
ኣመሪካን ኢራንንን ኣብ ፈለማ ናብ ስምምዕ ኣይበጽሓን። ከም ዲፕሎማስያዊ ክሳራ ዝርአ ግን ኣይኰነን። እዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ተወሳኺ ዝርርብ ናይ ምክያድ ተስፋ ብኸመይ ይርአ፣ ናብ ምጡን ግጭት ድየን ወይስ ናብ ዝሰፍሐን ዘይተርፍን ኲናት እየን ከምርሓ?
ኣብ መንጎ ስግኣት ኲናትን ተስፋ ዲፕሎማስን ዝተቐርቀሩ ኢራናውያን
ድሕሪ እቲ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዝተቐተልሉ ተቓውሞን ገና ዘይተዛዘመ ዘሎ ግዳማዊ ኲናትን፡ ሓያሎ ኢራናውያን፡ "እዚ ስምምዕ'ዚ መወዳእታ እቲ ሕማቕ እገዳን ናይ ለውጢ መጀመርታንዶ ይኸውን?" እናበሉ ብሃረርታን ስግኣትን ይሓቱ ኣለዉ።
ክቡራት ጻጸ ካብ ኬንያ ከውጽእ ዝተትሓዘ ቻይናዊ ፍርዲ ተቐቢሉ
እቲ ውልቀሰብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቀንዲ መዓርፎ ነፈርቲ ናይሮቢ፡ ልዕሊ 2,000 ጻጸታት ኣብ ቦርሳኡ ሓቢኡ ናብ ቻይና ክጓዓዝ ከሎ ድሕሪ ምትሓዙ፡ ብገበን ዘይሕጋዊ ንግዲ እንስሳ ዘገዳም ክኽሰስ ጸኒሑ እዩ።
"ዘሊልካን ፈኪርካን ዝኸውን ነገር የለን" - ጀነራል ታደሰ
ኣብቲ ትማሊ ዝሃቡ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ መራሕቲ ህወሓት፡ "ስልጣን ከይትቕበል" ኢሎምዎ ከምዝነበሩን ከምዘይተቐበሎምን ተዛሪቡ ኣሎ። እቲ ዝተናወሐ ስልጣን ፕረዚደንትነት ብገለ ምኽንያት ከካትዕ ዝቐነየ ዀይኑ፡ ህወሓት ኣብቲ መስርሕ ከምዘይተሳተፈን [ከምዝተገለለ] ከምኡ'ውን መንግስቲ ፌዴራል ንብሕቱ ከምዝወሰነን ብምንቃፍ ነቲ ውሳነ ከምዘይቅበሉ ምግላፁ ዝዝከር እዩ።
ትራምፕን ቫቲካንን፡ እቲ ንደገፍቱ ዝኸፋፈለ ምስሕሓብ
እቲ ኣብ ዝሓለፉ 48 ሰዓታት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ዝሰነዘሮ መጥቃዕትን ንርእሱ ከም ክርስቶስ ኣምሲሉ ብኺነታዊ-ብልሒ (AI) ዝተሰርሐ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምዝርጋሑን ዝፈጠሮ ተቓውሞ ፍሉይ እዩ።
ግብጺ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ንግዳዊ ርክብ እንታይ ይመስል? ምስ ኢትዮጵያኸ?
ኣብ ግብጺ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ብሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጎስ ገብረሂወት ዝምራሕ ጕጅለ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ እታ ሃገር ብምርኻብ ይዘራረብ ኣሎ። ሰበስልጣን ኤርትራን ግብጽን ብዛዕባ ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ኵነታት ሱዳንን ኣልዒሎም ከም ዝተዘራረቡ'ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት።
'ዝተሓድገት ሱዳን' - ሕቡራት ሃገራት ዘመሓላለፎ ሓድሽ መጠንቀቕታ
ኲናት ሱዳን ሳልሳይ ዓመቱ ዛዚሙ ናብ ራብዓይ ዓመቱ ኣብ ዝሰጋገረሉ ዘሎ እዋን፡ እታ ሃገር ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ "ዘስካሕክሕ ግፍዕታት" ኣብ ኣፍደገ ምሉእ ምፍራስ ከም እትርከብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ። ላዕለዎት ልኡኻት መርመራ ጭብጢታት ናይ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ብ13 ምያዝያ 2026 ብሓባር ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ፡ እቲ ኲናት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ሰብኣዊ ጥሕሰትን ዓሌታዊ ጽንተትን ዓሪጉ ምህላዉ ገሊጾም።
ስጳኛ፡ ንኣስታት 500,000 ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንምሃብ ኣጽዲቓ
ቀዳማይ ምኒስተር ፔድሮ ሳንቸዝ፡ ነዚ ናይ መንግስቱ ውሳነ፡ "ተግባር ፍትሒ" ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንስጳኛ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።
እስራኤልን ሊባኖስን ድሕሪ 1993 ንፈለማ እዋን ቀጥታዊ ዘተ ኣካይደን
ሊባኖስን እስራኤልን ድሕሪ 30 ዓመታት ንፈለማ እዋን ዝለዓለ ደረጃ ዲፕሎማስያዊ ዘተ ኣካይደን። እዚ ሳሕቲ ዝርአ ፍጻመ'ዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ሕዝቦላህን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ግጭት ንምዕራፍ ዝዓለመ ታሪኻዊ ስጕምቲ እዩ።
ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን ትራምፕን ዘየሳነያ ሰለስተ ጕዳያት
ኣዋርሕ ዘቝጸረ ኣብ መንጐ መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓለምን ፕረዚደንት ኣመሪካን ዝተጀመረ ዳርባ ቃላት ይቕጽል ኣሎ።
ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።
ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።
ከይሓልፈኩም
ንሕንሕ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ንቐርኒ-ኣፍሪቃ ናብ ዓውደ-ውግእ ይቕይሮዶ?
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ጂኦፖለቲካዊ መናሕንሕቲ ዝርኣኣዩ ሓይልታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ለውጢ ኣሰላልፋታት ኣስዒቦም ኣለዉ። ሃገራት እዚ ዞባ፡ ነቲ ግጭትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ለውጢታትን ንምግጣም ብኸመይ ከም ዝሕዝኦ ከሰላስላ ደሪኹወን ይርከብ።
ዝጐሃሃር ዘሎ ዳርባ ቃላት ኢትዮጵያን ኤርትራ ናበይ ከምርሕ'ዩ?
ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ንኣስታት ክልተ ዓመታት ክባላሕ ዝጸንሐ ናይ ቃላት ኲናትን ምትኹታኽን እናገደደ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ እዋናዊ ኵነታት ዝደረኸ ምዕባለታት እንታይ እዩ? ናበይ ከ ክመርሕ ይኽእል ንዝብል ዛዕባታት ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ምሁራትን ተንተንትን ኣዘራሪቡ'ሎ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ጐረባብቲን እንታይ ይመስል?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ዓ.ም. [ግ] ናብ ሓምሻይ ወለዶ ክሰጋገር መደብ ከምዘሎ ተዛሪቡ።እዚ ንኤርትራ ዘመላኽት ከምዝዀነ ብዙሓት ይግምቱ፣ ትሕዝቶአን ክነጻጸር እንከሎ ኸኣ...፤
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ክትስሕቦ ትኽእል ድያ፣ ሳዕቤኑኸ?
ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ መዓስን ብኸመይን'ዩ ተፈጺሙ? ኣዲስ ኣበባ መዓስን ብኸመይን እያ ንሃገርነት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣፍልጦ ሂባ? ክትስርዞ ወይ ክትስሕቦኸ ትኽእል ድያ? ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዓለምለኻዊ ሕጊታትን ውዕላትን፡ ከምኡ'ውን ክኢላታት ዓለማዊ ዝምድናታትከ እንታይ ይብሉ?
ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ካበይ ናበይ፡ ሃለዋቱኸ ኣብ ምንታይ ይርከብ?
ሃለዋት ህግደፍ ግን ኣብዚ እዋን'ዚ እንታይ ይመስል? ነቲ 'ደሞክራስን ፍትሕን' ዘጠቓልል ስሙ በቒዕዎዶ? መፈጠርን ዛንታን ናይቲ ኣብ ውሽጡ ዝዓበየ ምስጢራዊ 'ሰልፊ' እንታይ'ዩ? ነዚኦምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታት ናይቲ ውድብ ንምምላስ ንሓፈሻዊ ጕዕዞኡ ዳህሲስናዮ ኣለና።
ኤርትራ፡ ምስ ኵሉ ጸጋታታ ስለምንታይ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ዘይገሹዋ?
ኤርትራ፡ ካብ ድቃሳ ምስተበራበረት ንጸጋታት ክትሰርሓሉ እንተጀሚራ መስሕብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትከውን ዓቢይ ተኽእሎን ዕቝር ጸጋታትን ከምዘለዋን ዘጠራጥር ኣይኰነን፤ ሕጂ ግን ብድኽመት ምሕደራ ዝተዳህከት፡ ኣዝያ ዕጽውቲ ሃገር እያ።
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘይቅዋምን ምርጫን ንልዕሊ 34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ መራሒ
ኣብ 1993፡ ኤርትራውያን መሰል ርእሰ-ውሳነኦም ብረፈረንዱም ምስ ኣረጋጋጹ፡ ኢሳይያስ ንፈለማ እዋን ከም መራሒ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ተራእየ። ኣብ ዋዕለ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተሳተፈሉ፡ ነቶም ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ወለዶ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ "ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክዅየጡ ዝደልዩ፡" ክብል ዘሊፉዎም።
ኤርትራ ብኸመይ ካብዚ ዘይብተኽ ዓንኬል ኲናትን 'መዋእል ክሳራን' ክትገላገል ትኽእል?
እቲ ዝበዝሕ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር፡ ካልኣይ ደረጃ ይዅን ዩኒቨርሲቲ ዝወድአ ከይተረፈ፡ ኣብ ሰራዊት ከቲቱ ብዘይኣድማዕነት ዝጸንሐ'ዩ። በዚ ድማ እቲ እንኮ መዋጽኦ መንእሰያት ኤርትራ፡ ስደት ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ብሰንኪ ብሕታዊ ወፍሪ ዘየተባብዕ ፖሊሲ መንግስቲ ድማ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክኣትዉስ ይትረፍ እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንኣሽቱን ማእከሎትን ንግዳዊ ትካላት ብምምስራት ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ዝነበሩ ብዙሓት ሰብ ጸጋ ዜጋታት'ውን ግዳይ ናይቲ ኵነታት ኰይኖም ምስ ገንዘቦም ናብ ስደት ውሒዞም'ዮም።
ኤርትራ፡ ጽምዶ ጽቡቕ እዩ - ግን መን ምስ መን፡ ንምንታይ ዕላማኸ?
እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ክግበር ዝዕደም ዘሎ ጽምዶ ግን ብምንታይ ዝተደረኸ እዩ? እቶም ኣብ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ 2020 – 2022 ሓድሕድ ዝተዳመዩ፡ ሕዱር ቅርሕንቲ ዝነበሮም ሓይልታት ስለምንታይ ኣብዚ ግዜ'ዚ ክላፈኑን ክጻመዱን ደልዮም?
ትግራይ፡ ክሳብ መዓስ እያ ዓውደ-ኲናት ኰይና ክትነብር?
ብሰንኪ'ቶም ካብ ቅድሚ 100 ዓመታት ኣትሒዞም ዝተኻየዱ ተኸታተልቲ ውግኣት ኣእላፍ ሰባት ሃሊቘም፡ ንብረትን ጥሪትን በሪሱ፡ ኣግራብን ዘራእትን ጣሕሲሱ፡ እንስሳ ዘ-ገዳም እውን ፈሊሰን። እንተዀነ፡ ሎሚ እውን ካልእ ህልቂት ከስዕብ ዝኽእል ደበና ኲናት የንጸላሉ ኣሎ።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዩቱብ
ጠፈርተኛታት ኣርተሚስ ምስ መሬት ዘለዎም ርክብ ኣብ ዝቋረጸን 40 ደቓይቕ እንታይ'ዮም ክገብሩ?
እዞም ኣርባዕተ ጠፈርተኛታት፡ ኣብ ዙርያ ወርሒ ብምኹላል ድሮ ንዓለምና ፍሉይ ተምሳጥ ዝፈጠሩ ኣሳእል ኣካፊሎምዋ እዮም። ቅድሚ ልዕሊ 50 ዓመታት፡ ጠፈርተኛታት ኣፖሎ፡ ናብ ወርሒ ኣብ ዝገበርዎ ተልእኾ ብዝተፈጥረ ምቁራጽ ርክባት ስዒቡ ብሕታውነት ገጢሙዎም ነይሩ።
ቪድዮ, ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ እቲ ዝኸበረ ኲናት ኣመሪካ ድዩ?
ኣመሪካ ኣብ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ብዙሕ ወፍሪ እያ ትገብር፣ እዚ ኣብ ዓመት ሓደ ትሪልዮን ዶላር ይበጽሕ። ከምኡ’ውን ሓፈሻዊ ወተሃደራዊ ባጀት ምምሕዳር ትራምፕ ብዓቢኡ ምስ ዝሓለፉ ምምሕዳራት ዝሰማማዕ እዩ።
ቪድዮ, ኢራን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ራዕዲ ንምፍጣር ብኸመይ'ያ ሕሱራት ድሮናት ትቀጥም ዘላ?
ዶናልድ ትራምፕ፡ ብ28 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ክፍጸም ምስ ጀመረ፡ ሚሳይልን ኢንዳስትሪ ሚሳይልን ኢራን፡ "ምሉእ ብምሉእ" ክጠፍእ'ዩ፡" ኢሉ። ድሮናት ዝምልከት ግን ኣይተዛረበን። እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ትሑት ዋጋ ዘለወን ድሮናት ተጠቒማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ጸኒሓ።
ቪድዮ, "ቅድሚ ጕያ ኵዕሶ እየ ጀሚረ" - ኣትሌት ኣማን ጴጥሮስ
ካብ 2012 ጀሚሩ ኣብ ዓውዲ ስፖርት ጉያ ዝነጥፍ ዘሎ ኣትሌት ኣማን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ውድድራት ብምስታፍ ብዘምዘገቦም ዓወታት ካብቶም ጽቡቕ ሽም ዘለዎምን ዝያዳ ትጽቢት ዝግበረሎምን መንእሰይ ኣትሌታት ሓደ እዩ፡፡
ትንታነ
'ሓደገኛ ጠላዕ' ትራምፕ
ሰራዊት ኣመሪካ ካብን ናብን ወሽመጥ ፋርስ ዝኣትዋን ዝወጻን መራኽብ ክዓግት ከም ዝኽእል ዓቕሚ ከምዘለዎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ሕቶ ዝኸን ግን፡ "ንምንታይ ዕላማ?" ዝብል እዩ።
ድሕሪ ምቍራጽ ዘተ ኢራን-ኣመሪካ መልሲ ዘድልዮ ሕቶ፡ 'ዝስዕብ እንታይ እዩ?'
ኣብ ስምምዕ ምእንቲ ክበጽሑ፡ ነቲ ዝጸንሖም ዓሚቝ ናይ ዘይምትእምማን ጋግ ምስጋር የድልዮም ነይሩ። ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ርክቦም፡ ክልተኦም ወገናት ክራኸቡ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ሓደ ክፍሊ ተኣኪቦም ክዛተዩ ይኽእሉ እንተዀይኖም ርግጸኛ ንምዃን ይከኣል ኣይነበረን።
ፓኪስታን፡ ብኸመይ ኣመሪካን ኢራንን ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ክገብራ ክትሽምግል ክኢላ?
ብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሐ ምቍራጽ ተዅሲ ቅድሚ ምእዋጁ ኣብ ዝነበራ ሒደት ሰዓታት፡ ኣብ ፓኪስታን ባና ተስፋ ተራእዩ። ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ፓኪስታናዊ ምንጪ፡ ሃገሩ ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን እትገብሮ ዝነበረት ናይ ሽምግልና ዕማም "ብቕልጡፍ ናህሪ" ትቕጽሎ ከም ዘላ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ትራምፕ ንጀይዲ ቫንስ ስለምንታይ እቲ ዝኸበደ ተልእኾ ኣረኪብዎ?
ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ቫንስ ናብ ኢስላማባድ ፖለቲካዊ ዓውደ-ነተጕቲ እዩ። ኣብዚ ንምዕዋት ወይ ምዕባለ ንምምዝጋብ ድማ ድሕሪ'ቲ ንማእከላይ ምብራቕ ዘቈራቘሰን ንዓለማዊ ቍጠባ ዘናወጸን ንሽዱሽተ ሰሙን ዝቐጸለ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ኣብ ንሓድሕዶም ኣብ ፍጹም ዘይተኣማመኑ ሓያሎ መዳርግቲ ኣካላት ከዕግብ ክግደድ እዩ።
ኣድማስ ዘልኣለማዊ ድዩ፡ ብኸመይከ ክጠፍእ ይኽእል?
ተመራመርቲ ብዛዕባ ኣድማስ ወይ ዩኒቨርስ ኣብ ዝካትዕሉ ወይ ትንታነታት ኣብ ዝህብሉ ኵሎም ዝሰማማዑላ ሓንቲ ነጥቢ ኣላ፤ ልዕሊ እቲ ብዛዕባ ኣድማስ ዘለዎም መልሲ እቲ ዘለዎም ሕቶታት ከም ዝዛይድ።
ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ኢራን ከመይ ይርአ፡ ዝስዕብከ እንታይ ክኸውን እዩ?
እቶም ተሪር መርገጺ ዘለዎም ወገናት፡ በዚ ሓድሽ ስምምዕ ሕጕሳት ኣይኰኑን። ካብ ቴህራን ዝወጽኡ ጸብጻባት ከም ዝሕብሩዎ፡ ድሕሪ ኣዋጅ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ሰልፈኛታት ባንዴራታት ኣመሪካን እስራኤልን ብሓዊ ከም ዘቃጸሉ ይሕብሩ።
ኲናት ኢራን: ብኸቢድ ዋጋ ዝተረኽበ ስምምዕ ሰላም
እቲ ናብዚ ናይ ክልተ ሰሙን ዝቕጽል ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንምብጻሕ ዝተሓልፈ መንገዲ፡ ንኣረኣእያ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ምሉእ ብምሉእ ቀይርዎ እዩ።
ምኒስተር ዜና ኤርትራ ብቐጻሊ ዝጠቕሳ 'ቍሸት ፖተምኪን' እንታይ'ያ?
እቲ ምኒስተር ኣብቲ ብእንግሊዝኛ ዘውጽኦ ጽሑፋት ዘይዝውተሩ 'ዓበይቲ ቃላት' ወይ ሓረጋት ዝጥቀም ኰይኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ዳርጋ ዝበዝሕ ሰብ ሰሚዕዎ ዘይፈልጥ ፍሉይ ሓረግ ኣታኣታትዩ ኣሎ - 'ቍሸት ፖተምኪን'። እዛ ቍሸት ግን እንታይ እያ?
ኢማራት ኣብ ኲናት ምጽማዳን ሑቲ ናብቲ ኲናት ምጽንባሩን ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኸመይ ይጸልዎ?
እዚ ኣብቲ 15 ሚእታዊት መራኽብ ንግዲ ዝሓልፋሉ ወሳኒ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ መራኽብ መጥቃዕቲ ፈንዩን ምስ ዞባዊ ሓይሊ ምትእስሳር ፈጢሩን እዩ። በዚ ድማ ኣብቲ ኣገዳሲ ንግዳዊ መስመር ዓለም ወጥሪ ክውስኽ ይገብር ኣሎ።
ናብ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ነምርሕ ዲና ዘለና?
ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ዘካይድኦ ዘለዋ ኲናት ልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘቝጸረሉ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ናብ ዝበኣሰ ከይዓርግ ስክፍታታት ኣሕዲሩ ኣሎ።
ድሕሪ 50 ዓመት ናብ ወርሒ ዝተወንጨፈት ዳግማዊት ኣርተሚስ
ቀንዲ ዕላማ ናይዚ በረራ ንምንቅስቓስ ናይታ 'ኦርዮን' ተባሂላ ትፍለጥ ተሽከርካሪት-ጠፈር ንምፍታን፡ ከምኡ'ውን ንመጻኢ ብኸመይ ናብ ገጽ ምድሪ ምዕላብ ከምዝክኣልን ንምፍላጥ ዝሕግዝ ፈተነታት ምክያድ እዩ።
ብሚሳይላት ዒላማ ዝዀና ምዕሩጋት ዓድታት - ኲናት ኢራን መጻኢ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብኸመይ'ዩ ክቐርጾ?
ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣገዳስነተን ኣይክጎድልን፤እንተዀነ ኲናት ኢራን ኣቃውማአን ክቕየርን ወተሃደራዊ ሓይሊ ከጠናኽራን ከም ዝገብረን ክኢላታት ይዛረቡ።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
እቶም 7 ኤርትራውያን ኣብ ኢስዋቲኒ ዕቝባ ከም ዝሓተቱ ተፈሊጡ
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ፡ ካብ ሃገራዊት ጋንታኦም ኣብ ኢስዋቲኒ ተሪፎም ዝሃደሙ 7 ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብታ ሃገር ከም ዘለዉን ዕቝባ ከም ዝሓተቱን ኣገልግሎት ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ንሰበስልጣን እታ ሃገር ጠቒሱ ሓቢሩ።
ሆርሙዝ፡ ሚሳይል ንመርከቦም ድሕሪ ምህራሙ ብኸመይ ሓደ ባሕረኛ ሞይቱ፡ ሓደ ን24 ሰዓታት ብህይወት ጸኒሑ?
ሓደ ባሕረኛ ን24 ሰዓታት ኣብ ባሕሪ ክድሕን እንከሎ፡ ካልእ ድማ ዝሰርሑለን ናይ ንግዲ መራኽብ ብሚሳይላት ድሕሪ ምውቃዐን ጥሒሉ።
ንሓንቲ ጻጸ 220 ዶላር? ንጸሊም ዕዳጋ ዝህደኑ ዘለዉ ዓሌታት ጻጸ
እተን ዓበይትን ቀይሕ ሕብሪ ዘለወንን ዓበይቲ ናይ ኣፍሪቃ ንግስቲ ጻጸ፡ ብደረጃ ዓለም ዝርከቡ ኣከብቲ ብክቡር ዋጋ ይገዝኡወን ኣለዉ - ሓደ ሰብ ብጸሊም ዕዳጋ ክሳብ 220 ዶላር ክሸጠን ይኽእል።
ብምስጢር ተቐዲሐን ኣብ ኦንላይን ግዳያት ላግጽን በደላትን ዝዀና ደቀንስትዮ
እቲ ቪድዮ፡ ኣብ ሓደ ካብቶም ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሑ ሓያሎ ቪድዮታት፡ ሓደ ውልቀሰብ ናብተን ኣብ ኬንያን ጋናን ዝርከባ ደቀንስትዮ ክቐርብ ከሎ ዘርኢ ኰይኑ፡ እተን ደቀንስትዮ ይቕረጻ ከም ዘለዋ ዝፈልጣ ኣይመስላን።
ካብ ኵናት ኢራን፡ ኣየኖት ሃገራት'የን ክኸስባ፡ በዓል መንከ ዝያዳ ይህሰያ?
ብደረጃ ዓለም ዋጋ ነዳድን ጽዓት ወሰኽ ኣብ ዘርኣየሉ፡ ብዙሓት ሃገራት ብቁጠባ ክህሰያ'የን። እንተኰነ ገለ ሃገራት ነዚ ዘሎ ዕግርግር ናብ ረብሐአን ብምቕያር ክኸስባ ክኽእላ'የን። ግን ካብ ኵናት ኢራን መን'የን ክኸስባ፡ መንከ ክህሰያ'የን?
ዕጡቓት ኩርድ፡ ብደቀንስትዮ ጥራይ ዝቘመ ሕቡእ ወተሃደራዊ ቦጦሎኒ
ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፍጽምኦ መጥቃዕቲ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ዒራቕ ዝመደበሮም ዕጡቓት ጉጅለታት ኩርዳውያን ኢራን ኣብ ቀረባ እዋን ዶብ ሰጊሮም ኣንጻር እስላማዊት ሪፓብሊክ ናብ ኲናት ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምታት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። ቢቢሲ ንሓደ ጉጅለ ደቀንስትዮ ዝሓቖፈ ቦጦሎኒ ሳሕቲ ዝርከብ ኣጋጣሚ ብምርካብ ዘዳለዎ ጸብጻብ እነሆ።
ኣብ ዝሓለፈ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፋ ደቀንስትዮ ብዛዕባ ዝስጋእ ዘሎ ሓድሽ ኲናት እንታይ ይብላ?
እዘን ደቀንስትዮ፡ ኣብ ሕሉፍ ውግእ ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ትግራይ ከቢድን በዳህን ግዜ ኣሕሊፈን እየን። ዳግም ኲናት ከይለዓል ዘስግአን በሰላታት ምህላው ድማ ይዛረባ።
ናብ ሕጫጨን ምሳሌታትን ዝሰገረ ዳርባ ቃላት ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን
ጠንቂ ምትፍናን ክልቲአን ሃገራት ንምግላጽ ሓያሎ ረቛሒታት ክጥቀስ ዝኽእል'ኳ እንተኾነ፡ ብቐንዱ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምርካብን ምውናንን 'ልኡላዊ' መሰል ከምዘለዋ ምግላጻ ዘጓሃሃሮ'ዩ ዝመስል። ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብቐጻሊ ተሪር ዳርባ ቃላት ክለዋወጡ ጸኒሖም'ዮም።
ብምስላታት ትግርኛ ዝተሰነየ መጠንቀቕታ ኣብይ ኣሕመድ
ቀዳማይ ሚኒስትሪ ኣብይ ኣሕመድ፡ ምስላታት ትግርኛ ብምጥቃም ንትግራይን ኤርትራን ተሪር መጠንቀቕታታት ኣሕሊፉ። "ጥሩፍ ጸረ-ለውጢ፡" ብምባል ዝወረፎም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መራሕቲ ህወሓት፡ "ምስ ጨና ልምዓት ዘይፈልጡ ግዳማዊ ሓይልታት ወዘልዘል ይብሉ ኣለው፡" ብምባል'ዉን ነቒፉዎም።
እስራኤልን ኣመሪካን ስለምንታይ ንኢራን ኣጥቂዐን፡ እቲ ኲናትከ ክሳዕ መዓስ ክጸንሕ ይኽእል?
ክሳብ ሰኑይ 2 ለካቲት 2026፡ ቀይሕ ወርሒ ኢራን ኣብታ ሃገር፡ ኣብ 130 ቦታታት 555 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ ሰበስልጣን ኢራን፡ ኣብ ደቡባዊ ኢራን ኣብ ጥቓ መደበር ዘብዒ ሰውራ ኢራን ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 150 ሰባት ተቐቲሎም።
ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ኢራን- ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ- መን'ዩ?
ንሱ፡ ኣብ ዓንኬል እቲ ኣዝዩ ሕልኽልኽ ዝበለ ሕምብርቲ ስልጣን ኮፍ ኢሉ ይርከብ፤ ዝዀነ ህዝባዊ ፖሊሲ ከጽድቕን ክነጽግን ዝኽእል ገባርን ሓዳግን ጥራይ ኣይኰነን። ንሕጹያት መራሕቲ ብኢደ ወነኑ ከቐምጥን ከልዕልን ዝኽእል ስልጣን ኣለዎ።
ኮሚቴ ወልቃይት፡ ኣብ ጉዳይ ቤትፍርዲ ቦርድ መረጻን ስምረትን ኣትዩ ክማጎት ሓቲቱ
ኮሚቴ ወልቃይት፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣመልካቲ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ስምረት ትግራይን ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያን ኣብ ቤትፍርዲ ዝርአ ዘሎ ጉዳይ መሰሉን ረብሓኡን ዝትንኪ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ጉዳይ ኣትዩ ክማጐት ብጠበቓኡ ኣቢሉ ንላዕለዋይ ቤትፍርዲ ፈደራል ከም ዝሓተተ ኣፍሊጡ።