እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ቀጥታ, ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ምስ ወከልቲ ኢራን ንምዝርራብ ናብ ፓኪስታን ተበጊሱ

ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ነቲ "ሓቀኛ" ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ምሉእ ብምሉእ ክሳብ እትኽተል፡ ሓይልታት ኣመሪካ "ኣብ ቦትኦም" ክጸንሑ እዮም ኢሉ። ኣብዚ እዋን ዋሽንግተንን ቴህራንን ግን ብዛዕባ እቲ ኢራን ካብቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ዘለዋ ጠለባት ዘይሰማምዓ ይመስላ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ኢራንን ኣመሪካን ብ'ክፉት ልቢ' ክዛተያ ጸዊዑ

    ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ነቲ ተወጢኑ ዘሎ ዝርርብ ሰላም ኣመሪካን ኢራንን ብሓጎስ ብምቕባል ክልቲኦም ወገናት "ብክፉት ልቢ " ክላዘቡ ጸዊዑ።

    ወሃቢት ቃል እቲ ዋና ጸሓፊ ስቴፋን ዱጃሪክ ብዓርቢ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ጉተረዝ "እቶም ወገናት ነዚ ዲፕሎማስያዊ ዕድል ተጠቒሞም ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ዝምህዳእን ናብ ዝነበሮ ንምምላስን ብምዕላም፡ ናብ ነባሪን ኩuለመዳያውን ስምምዕ ብጽቡቕ ድሌት ክብገሱ ይጽውዕ።

    "ዋና ጸሓፊ፡ ንኣህጉራዊ ዘይምርድዳእ ካብ ንዓለምለኻዊ ሕጊን ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ተማእዚዝካ ብሰላማዊ ካb ዘተ ምፍታሕ ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ከምዘየልቦ ደጊሙ ይገልጽ፡" ክትብል ዱጃሪክ ኣስሚራትሉ።

    ውልቃዊ ልኡኽ ጉተረዝ እውን ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ንምድጋፍ ኣብቲ ዞባ ከምዘሎ ወሲኻ ገሊጻ።

  2. ኢራን-ኣመሪካ ቀዳም፡ እስራኤል-ሊባኖስ ሰሉስ

    ኣብዚ እዋን ተዛተይቲ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ኢስላማባድ ፓኪስታን ተረኺቦም ነቲ ሎሚ ድሒሩ ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝርርብ ሰላም ይዳለዉ ኣለዉ። ሰሉስ ድማ እስራኤልን ሊባኖስን ዘተ ከካይዳ ትጽቢት ይግበር።

    ኣብ መንጎ እቲ ብዙሕ ዝርርባትን ተበጺሑ ዘሎ ተኹሲ ደው ምባልን ዘሎ ፍልልይ ንምግላጽ ሓደ ሓደ ነጥቢታት ንርአ፤

    ዘተ

    ኣመሪካ-ኢራን፡ ኣብ መንጎ ልኡኻት ኣመሪካን ኢራንን ሎሚ ኣብ ፓኪስታን ዝርርብ ሰላም ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ። ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይዲ ቫንስን ጕጅልኡን፡ ኢራናውያን መዛኑኦም ኣብታ ሃገር ድሕሪ ምእታዎም፡ ሰዓታት ጸኒሖም ኣብ ሓይሊ ኣየር ክልተ ዓሊቦም።

    ሊባኖስ-እስራኤል፡ ሰበስልጣን እስራኤልን ሊባኖስን ሰሉስ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተራኺቦም ዝርርብ ክጅምሩ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ። እስራኤል፡ ሕዝቦላህ ምስ ሊባኖስ ኣብ ዝግበር ዘተ ተዅሲ ደው ምባል ከምዘይሳተፍ ገሊጻ።

    ተዅሲ ደው ምባል

    ሰሉስ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ቅድመ ኵነት ዘለዎ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ተበጺሑ፤ እዚ ድማ ንኽልተ ሰሙን ክጸንሕ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ እዩ።

    እዚ ስምምዕ ፈለማ ብትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተገልጸ ኰይኑ፡ ቴህራን ድሒራ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሓ ኣረጋጊጻ፤ እዚ ድማ ኣብ ምኽፋት መጻብቦ ሆርሙዝን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝግበር መጥቃዕቲታት ደው ኣብ ምባልን ዝተመርኮሰ እዩ።

    ይዅን እምበር ኣብቲ እዋን ዝተሰማምዑሉ ነገራት ምሉእ ዝርዝር ኣይተዘርግሐን። ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ተዅሲ ደው ምባል ብልክዕ ብኸመይ ከም ዝብጻሕ ዛጊት ንጹር ኣይኮነን።

    ሊባኖስ ኣብ መንቀራቕሮ እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ኣትያ ዘላ እያ፣ እቲ ውግእ ቀጺሉ ኣሎ። ኣመሪካን እስራኤልን ሊባኖስ ኣካል ናይቲ ስምምዕ ከም ዘይትኸውን ከመልክታ እንከለዋ፡ እታ ቀንዲ መንጐና ዝዀነት ፓኪስታን ግን እቲ ውዕል ንሊባኖስ’ውን ከምዘጠቓልል ገሊጻ።

  3. ፓኪስታን፡ ክልቲኦም ወገናት እወታዊ ሃናጺ ልዝብ ከካይዱ ተስፋኣ ገሊጻ

    እቲ ንመኣዲ ዘተ ኣመሪካን ኢራንን ዘዋድድ ዘሎ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፓኪስታን መሓመድ ኢሻቕ ዳር፡ ኣብ ኢስላማባድ ንጀይዲ ቫንስ ኣብ ዝተቐበለሉ ኣጋጣሚ፡ ኣመሪካ ነባሪ ዞባውን ዓለማውን ሰላም ንምምዝጋብ ዝገበረቶ ተወፋይነት መጕሱ።

    እቲ ካብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዝተዋህበ መግለጺ፡ ከም ዘመልክቶ፡ ኢራንን ኣመሪካን "ብሃናጺ መንገዲ ክሳተfኣ ተስፋ ከምዘሎዎ፣ ፓኪስታን ድማ ንኽልቲኦም ወገናት ናብ ነባሪን ፍታሕ ናይቲ ግጭት ንምብጻሕ ዘድሊ ምምችቻእ ኣብ ምግባር ክትቅጽል ዘለዋ ድሌት ደጊሙ የረጋግጽ" ክብል ኣፍሊጡ።

  4. ትራምፕ ንጀይዲ ቫንስ ስለምንታይ እቲ ዝኸበደ ተልእኾ ኣረኪብዎ?

    ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ቫንስ ናብ ኢስላማባድ ፖለቲካዊ ዓውደ-ነተጕቲ እዩ። ኣብዚ ንምዕዋት ወይ ምዕባለ ንምምዝጋብ ድማ ድሕሪ'ቲ ንማእከላይ ምብራቕ ዘቈራቘሰን ንዓለማዊ ቍጠባ ዘናወጸን ንሽዱሽተ ሰሙን ዝቐጸለ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ኣብ ንሓድሕዶም ኣብ ፍጹም ዘይተኣማመኑ ሓያሎ መዳርግቲ ኣካላት ከዕግብ ክግደድ እዩ።

    ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ቫንስ ነቲ ኢራን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንኸይተማዕብል ንምግታእ ኲናት ከምዘድሊ ዝገልጽ ስነ-ሞጎት ትራምፕ ብግልጺ ከቃልሕ ጸኒሑ እዩ፤ እዚ ግን ከም ካልኦት ሰበስልጣን ብፍላይ ድማ ከምቲ ጸሓፊ ምክልኻል ሄግሰት ክገብሮ ዝጸንሐ ዓይነት ኣይኰነን። ዘረባኡ’ውን ሓሓሊፉ ካብ ናይ ትራምፕ ተፈልዩ'ዩ፤ ነቲ ግዝያዊ ተኹሲ ደው ምባል ተሃዋሲ ዕርቂ ክብል እዩ ገሊጽዎ።

    እዚ እናተፈልጠ ግን ትራምፕ ንቫንስ ነቲ ልኡኽ ክመርሖ ከቢድ ሓለፍነት ኣሰኪምዎ። ሓደ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ፡ እቲ ዝተገብረ ምርጫ ንቫንስ፡ ንኢራናውያን ምትእምማን ንምፍጣርን ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ዕቱብነት ከምዘለዎን ንምርኣይ ዝተሰደደ ኣገዳሲ ምልክት ምዃኑ ይገልጽ።

  5. ፓኪስታን ዝኣተዉ ልኡኻት ዘተ ኣመሪካን ኢራንን ብዓል መን'ዮም?

    ብኣፈ-ጉባኤ ፓርላማ ኢራን መሓመድ ባገር ጋሊባፍ ዝምራሕ ጕጅለ ቴህራን ምስ ኣመሪካ ንምዝርራብ ናብ ፓኪስታን ከምዝኣተወ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

    ብምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይዲ ቫንስ ዝምራሕ ልኡኽ ዋሽንግተን እውን ናብ ርእሰ ከተማ እስላማባድ በጺሑ ኣሎ።

    ኣመሪካን ኢራንን ድሕሪ ናይ 40 መዓልታት ኲናት ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ድሕሪ ምብጽሑ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንፈለማ እዋን እየን ሎሚ ኣብ ፓኪስታን ክራኸባ ።

    ብመሰረት መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ እቲ ጕጅለ ንምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባስ ኣራግቺ፡ ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ምክልኻል ዓሊ ኣኽባር ኣሕመዲነጃድ፡ ኣመሓዳሪ ማእከላይ ኤስያ ዓብደልናሰር ሐማቲን ሓያሎ ኣባላት ባይቶን ዝሓቘፈ እዩ።

    እቲ ልኡኽ በቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንግስቲ ኢራን ፍሉጥ ሰብ ኰይኑ ተቐልቂሉ ዘሎ፡ ኣፈ ጉባኤ ጋሊባፍ ዝምራሕ እዩ።

    እቲ ኣፈኛ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ናይ ኤክስ ጽሑፋቱ፡ ኣመሪካ ኣብ ዝርርብ ክትሳተፍ ድልውቲ ብዛዕባ ምዃና ኢራን ብዓይኒ ጥርጣረ ከምእትረእዮ ገሊጹ ነይሩ።

    ካልእ ኣባል ናይቲ ጕጅለ ድማ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣባስ ኣራግቺ እዩ። ኣራግቺ ኣብ 2015 ኣብ ውዕል ኒኩለር ኢራን ኣብ ዝርርብ ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ እዩ።

    ብምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ ዝምራሕ ልኡኽ እውን ድሮ ናብ ፓኪስታን ኣትዩ ኣሎ። ፍሉይ ልኡኽ ስቲቭ ዊትኮፍን ኣብ ቀዳማይ ዕድመ ስልጣን ትራምፕ ኣማኻሪኡ ዝነበረን ሰብኣይ ጓሉ ጃረድ ኩሽነርን ኣካል ናይቲ ጕጅለ ዘተ እዮም።

    ኩሽነርን ዊትኮፍን እውን ኣብቲ ቅድሚ ኲናት ኢራን ዝተኻየደ ዝርርብ ዝነበሩ እዮም። ኣብቲ ንኲናት ቓዛ ዘብቅዐ ተዅሲ ደው ምባልን ምስ ሩስያን ዩክረይንን ኣብ ዝተገብረ ዘተ እውን ተሳቲፎም እዮም።

    ምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ ቅድሚ ምብጋሶም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ኢራናውያን ብጽቡቕ ድሌት ክዘራረቡ ፍቓደኛታት እንተዀይኖም ብርግጽ ሓንጎይፋ ኢልና ክንቅበሎም ኢና” ኢሉ።

  6. ደርበይቲ ቦምባታት 'ደቂ መዛምርቲ ክርስቶስ ኣይኮኑን'- ኣቡነ ሊዮ

    ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤትክርስትያን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝሰፍሕ ዘሎ ኲናት "ዘይስነመጐታዊን ኢሰብኣዊን ጎነጽ" ብምባል ኮኒኖሞ።

    ኣቡነ ሊዮ መበል 14፡ ህይወት ሰባት ግዳይ ውልቃዊ ረብሓታት ይኸውን ኣሎ ክብሉ'ውን ዝተሰምዖም ጓሂ ገሊጾም።

    "ብህይወት ድኹማት፡ ቆልዑን ስድራቤታትን ዝርከብ ረብሓ ዋጋ ክህልዎ ኣይክእልን እዩ" ብምባል ኣብ ኤክስ ጽሒፎም።

    "ቦምባታት ዝድርብዩ" ደቂ-መዛምርቲ ክርስቶስ ኣይኮኑን ብምባል ንኲናት ዘለዎም ተቓውሞ ዘነጸሩ እቶም መንፈሳዊ መራሒ፡ "ወተሃደራዊ ስጉምቲ፡ ቦታ ናጽነት ወይ እዋን ሰላም እዋን ኣይክፈጥርን እዩ" ኢሎም።

    ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መንበረ ቫቲካን ድሕሪ ምርካቦም ኣብ ፈላሚ ዓለምለኻዊ መገሻኦም ዝበጽሑዋ ሊባኖስ ብዘየቋርጽ ደብዳባት እስራኤል ትናወጽ ምህላዋ ይፍለጥ።

    ዛጊት 1,953 ሰባት ብመጥቃዕቲ ሓይልታት እስራኤል ተቐቲሎም ከምዘለዉ ሰብመዚ ጥዕና ሊባኖስ ሓቢሮም ኣለዉ።

  7. ጀይ-ዲ ቫንስ ንዘተ ናብ ፓኪስታን ተበጊሱ

    ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ምስ ወከልቲ ኢራን ብዛዕባ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንምዝርራብ ናብ ፓኪስታን ኣምሪሑ'ሎ።

    ጀይዲ ቫንስ ቅድሚ ምብጋሱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ክንዘራረብ ኢና ንደሊ" ብምባል ኢራናውያን "ብቕንዕና" ንዘተ እንተመጺኦም ኣመሪካ "ኣእዳዋ ክትዝርግሕ" ቅርብቲ ምዃና ተዛሪቡ።

    እቲ ምክትል ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝኾነ ቫንስ፡ ምስ ምልሶት ሓለቓኡ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንድሓር እዚ ተዋሂብዎ ዘሎ ዕማም እቲ ኣዝዩ በዳሂ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ፠

    ትራምፕ፡ ኢራን፡ እስራኤልን መሻርኽቲ ኣመሪካ ዝኾና ሃገራት ወሽመጥን ዝዓግባሉ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት ምርግጋጽ ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ።

    እንታይ ምዃኖም'ኳ ብንጹር እንተ ዘይጠቐሰ፡ ካብቲ ፕረዚደንት "ንጹራት መምርሒታት" ከምዝተዋህቦ'ዩ ናብታ "ኣየርፎርስ ክልተ' ዝተባህለት ነፋሪቱ ቅድሚ ምስቃሉ ኣሚቱ ዘሎ።

    ኢስላማባድ ንክልቲኦም ወገናት ንምትዕራቕ ሞገስ ዝረኸበት ሃገር ኮይና ብምህላዋ፡ ኣቓልቦ ዓለም ስሒባ ትርከብ።

    ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ዝተኣወጀ ተነቃፊ ምቁራጽ ተዂሲ ዛጊት ጸኒዑ'ኳ እንተሎ፡ እቲ ንግዳዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ዘሎ መጻብቦ ሆርሙዝ ብሰንኪ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ተካይዶ ዘላ መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕትታት መሊኡ ክኽፈት ኣይክኣለን።

    ቴህራን፡ እስራኤል ነቲ ኣብ ሊባኖስ ተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ደው እንተ ኣቢላ ጥራይ ከምእትኸፍቶ'ያ ኣፍሊጣ ዘላ።

  8. መጻብቦ ሆርሙዝ ብኸመይ'ዩ ሓያል 'ኣጽዋር' ኢራን ኰይኑ?

    ድሕሪ'ቲ ን40 መዓልታት ዝተኻየደ ግጭት ኢራንን ኣመሪካ-እስራኤልን፡ ሓደ ዘገርም መደምደምታ እዩ ተቐልቂሉ ወጺኡ፤ ኢራን ዝያዳ ብመንገዲ ኒዩክለሳዊ ዓቕሚ ዘይኮነስ፡ ነቲ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ምቍጽጻር ዘለዋ ዓቕሚ ብዘግሃደ መልክዕ።

    ኣብ ምጅማር እቲ ኲናት፡ ንቐንዲ ቦታታትን መራሕትን ኢራን ዒላማ ዝገበረ ከቢድ ደብዳባት ብምግባር ለውጢ ስርዓት ንምስግዳድ ዝግበር ፈተነ ምዃኑ ብሰፊሑ ክትረኽ ጸኒሑ እዩ።

    እቲ ተጻብኦታት እናገደደ ድሕሪ ምኻዱ፡ ኢራን ኣተኵሮኣ ናብቲ ንወሽመጥ ፋርስ ምስ ዓለማዊ ዕዳጋታት ዘራኽብ ጸቢብ መስመር ማይ ብምዛር፡ ምንቅስቓስ መራኽብ ክትዘርግን ክትዓግትን ክኢላ።

    ዝርዝሩ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሊንክ ጠዊቕኩም ክተንብቡ ትኽእሉ፡

  9. ስታርመር፡ ኣብ ዑደት ማእከላይ ምብራቕ ብዛዕባ መጻብቦ ሆርሙዝ ተዘራሪቡ

    ቀዳማይ ምኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ኪር ስታርመር፡ ብሰሉስ ናብ ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ ምዃዱ ንጽባሒቱ ናብ ኢማራት ዓረብ፡ ባሕሬንን ቀጠርን ተጓዒዙ ምስ መዘናታቱ ዘትዩ።

    ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር (ዳውኒንግ ስትሪት) ከም ዝገለጾ፡ እቲ ምስ ኵሎም መራሕቲ ዝተገብረ ዘተ፡ ኣብ ምዅናን ናይቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ክትፍጽሞ ዝጸንሐት መጥቃዕቲ፡ ኣብ ኣገዳስነት ምጽናዕ ምቍራጽ ተኸሲ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዳግማይ ምኽፋት መጻብቦ ሆርሙዝ ዘተኰረ ነይሩ።

    ስታርመር ምስ መራሕቲ እቲ ዞባ ድሕሪ ምርኻቡ፡ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ትራምፕ ብተለፎን ተዘራሪቡ።

    ስታርመር፡ መጻብ ቦሆርሙዝ ንምኽፋት ኣብ ዝግበር ስምምዕ፡ "ዓዲ እንግሊዝ ንመሻርኽቲ ሃገራት ንምእካብ እትገብሮ ጻዕሪ፡" ንትራምፕ ገሊጽሉ።

    ብተወሳኺ፡ "ምንቅስቓስ መራኽብ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ንምጅማር ብዛዕባ ዘኽእል ግብራዊ ትልሚ" ምስ ትራምፕ ተመያዪጡ።

  10. ሕዝቦላህ፡ ኣብ ልዕሊ ከተማ እስራኤል መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ገሊጹ

    ሕዝቦላህ፡ እስራኤል ነቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝተገብረ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ከም ዝጠሓሰቶ ብምግላጽ፡ ከም ግብረመልሲ ኣብ ሰሜን እስራኤል ኣብ እትርከብ ከተማ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ይገልጽ ኣሎ።

    እዚ ኣብ ሊባኖስ ዝመደሩ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ጕጅለ ተኸታሊ ሺዓ ሙስሊም እዩ።

    ሕዝቦላህ፡ ሎሚ ንግሆ ኣብ ጥቓ ዶብ እስራኤልን ሊባኖስን ናብ እትርከብ ኪርያት ሽሞናን ኣብ ሰሜን እስራኤል ዞባ ላዕለዋይ ጋሊለ ናብ እትርከብ ምስጋቭ ዓምን ሮኬታት ከም ዝተኰሰ ገሊጹ።

    እቲ ጕጅለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "እዚ ግብረ-መልሲ እዚ፡ ወራር እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ክሳዕ ዘብቅዕ ክቕጽል እዩ፡" ኢሉ።

    ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከካይድኦ ዝወርሓ ኲናት ንኽልተ ሰሙን ደው ከብልኦ እኳ እንተ ተሰማምዓ፡ እስራኤልን ሕዝቦላህን ኣብ ሊባኖስ ዘካይድዎ ዘለዉ መጥቃዕቲታት ግን ቀጺሉ ኣሎ።

    ኣመሪካን እስራኤልን ሊባኖስ ናይቲ ስምምዕ ኣካል ኣይኰነትን ክብላ እንከለዋ፡ እታ ኣብቲ ዘተ ቀንዲ ኣሸምጋሊት ዝዀነት ፓኪስታን ግን ሊባኖስ ኣካል እቲ ስምምዕ ምዃና ትገልጽ።

  11. ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ምስ ሊባኖስ ቀጥታዊ ዝርርብ ክጅመር ንካቢነ ሚኒስተራቱ ከምዝሓበሮም ኣፍሊጡ

    ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ንካቢነ ሚኒስተራቱ ብቅልጡፍ ምስ ሊባኖስ ብቀጥታ ዝርርብ ክጅምሩ ከምዝሓበሮም ገሊጹ።

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ኤክስ ብቋንቋ ሂብሩ ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ፡ ካብ ሊባኖስ ብተደጋጋሚ ንዛተ ዝብል ጻውዒት ምስ ቀረበሉ፡ ትማሊ ንካቢነ ሚኒስተራቱ ቀጥታዊ ዘተ ክጅምሩ ከምዝሓበሮም ኣፍሊጡ።

    ብተወሳኺ እቲ ምስ ሊባኖስ ዝግበር ዘተ “ንሕዝቦላህ ዕጥቑ ኣፍቲሕካ፡ ኣብ ሞንጎ ሊባኖስን እስራኤልን ሰለማዊ ርክባት ንምምስራት” ዝዓለመ ከምዝዀነ ኣብሪሁ።

    ፕረዚደንት ሊባኖስ ጆሴፍ ኣውን’ውን ቅድሚ ቤንጃሚን ነታንያሁ ከምዚ ምባሉ፡ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እቲ እንኮ ፍታሕ፡ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ቀጥታዊ ዘተ ብምክያድ “ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ” ምግባር’ዩ ኢሉ።

  12. “ሊባኖስ ኣብቲ ዝግበር ዘሎ ዘተ ቦታ ክግልዋ ኣለዎ” ሊባኖሳዊት ምኒስተር

    ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሊባኖስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ሊባኖስ ብዛዕባ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ንክትዛተ “ኣብቲ መኣዲ ዘተ” ቦታ ክህልዋ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጻ።

    ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሊባኖስ ሓኒን ሰይድ፡ "ሊባኖስ ብመንጽር ቶኵሲ ደው ምባል እትውቲ” ምዃና ብምግላጽ፡ መንግስቲ ሊባኖስ "እንታይ ዓይነት ስምምዕ ሰላምን ቶኵሲ ደው ምባልን ከምዘድሊ ክትዘራረብ" ኣገዳሲ ምዃኑን ንቢቢሲ ገሊጻ።

    ንሳ፡ ነቲ ትማሊ ረቡዕ እስራኤል ኣብ ቤይሩት ዘካየደቶ "ከቢድ ጥሕሰት" ኢላ ዝገለጸቶ መጥቃዕቲ ዝምለከት ጥርዓን ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክለኣኽ ምዃኑ ሓቢራ።

  13. ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ኢራን ከመይ ይርአ፡ ዝስዕብከ እንታይ ክኸውን እዩ?

    ቅድሚ ሓደ መዓልቲ፡ እቶም ንቴህራን ዝመርሑ ኣኽረርቲ ኣባላት እላማዊ ሪፖብሊክ ኣብቲ ጻዕቂ ህዝቢ ዘለዎ መስቀላዊ መንገዲ ዓቢይ ጽሑፍ ሰቒሎም ነይሮም።

    እቲ ጽሑፍ፡ "መጻብቦ ሆርሙዝ ዕጽው ኰይኑ ክቕጽል እዩ፡" ይብል።

    እዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መራሒ ኰይኑ ዝተመዘዘ ግና ክሳዕ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ካብ ዘይተራእየ ዘሎ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ሞጅታባ ኻመኒ ዝወጽአ ኣዋጅ ምዃኑ ንምምልካት ዝዓለመ እዩ።

    እዚ ጽሑፍ፡ ኢራን ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሕ ምቍራስ ተዅስ ድሕሪ ምስምማዓን መንጎኛ ኰይና ክትሽምግል ዝጸንሐት ፓኪስታን መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ክኽፈት ብዝሓተተቶ መሰረትን ክወርድ ይኽእል እዩ።

    ኢራን ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ከም ዘይትሰማማዕን ብኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊኣ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብቐዋምነት ከብቅዕ ከም እትደልን ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።

    እቶም ተሪር መርገጺ ዘለዎም ወገናት፡ በዚ ሓድሽ ስምምዕ ሕጕሳት ኣይኰኑን። ካብ ቴህራን ዝወጽኡ ጸብጻባት ከም ዝሕብሩዎ፡ ድሕሪ ኣዋጅ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ሰልፈኛታት ባንዴራታት ኣመሪካን እስራኤልን ብሓዊ ከም ዘቃጸሉ ይሕብሩ።

    ጕጅለ ወለንተኛታት ምልሻታት ባሲጅ ነቲ ውሳነ ንምቅዋም ፍርቂ ለይቲ ናብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብምኻድ ሰልፊ ኣካይዶም።

    ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ካይሃን፡ ንምቝራጽ ተዅሲ ምስምማዕ "ንጸላኢ ህያብ" ምዃኑ ጽሒፉ። እዚ ድማ ንኣመሪካን እስራኤልን ዳግማይ ክወዳደባን ኲናት ከቐጽላን ከም ዘኽእለን ገሊጹ።

  14. ኢራን፡ እስራኤል ንነብርቲ ሊባኖስ ክወጽኡ ምዝዛዛ ንስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ትጥሕሶ ኣላ ኢላ

    • ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፐዘሽክያ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ደብዳብ ብምፍጻማ ንስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ትጥሕሶ ኣላ ብምባል ከሲሱ
    • እስራኤል ትማሊ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ከቢድ ደብዳብ ድሕሪ ምፍጻም ሎሚ’ውን ንነበርቲ ደቡብ በይሩት ካብ ገዛኦም ክወጽኡ ድሕሪ ምሕባራ’ዩ ፕረዚደንት ኢራን ነዚ መግለጺ ሂቡ።
    • ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ እስራኤል ትማሊ ብዝፈጸመቶ መጥቓዕቲ 203 ከምዝሞቱን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ከምዝቖሰሉን ኣፍሊጡ።
    • ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ፡ ነቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሕዝቦላህ ኣብ ዝዀነ እዋን ከጥቕዖም ምዃኑ ፈኪሩ
    • ኣዲ እንግሊዝ ትርከበን ሃገራት ኣውሮጳ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ትፍጽሞ ዘላ መጥቓዕቲ ደው ከተብሎ ጸዊዐን፡ እዘን ሃገራት እቲ ምቁራጽ ቶኵሲ እንከላይ ኣብ ሊባኖስ ተግባራዊ ክኸውን ኣለዎ’የን ዝብላ ዘለዋ።
    • ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ቀዳማይ ምኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ኬር ስታርመር፡ ኢራን ንወሽመጥ ሆርሙዝ ከም በጃ ክትሕዞ የብላን ኢሉ
  15. እስራኤል ነበርቲ ንገለ ክፋል ቤሩት ክወጽእ ትእዛዝ ሂባ

    እስራኤል ኣብ ልዕሊ "ወተሃደራዊ ትሕተ ቅርጺ" ሂዝቦላሕ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ክትገብር መደብ ከምዘለዋ ኣብ ዝገለጸትሉ እዋን፡ ነበርቲ ሓያሎ ደቡባዊ ከባቢታት ርእሰ ከተማ ሊባኖስ፡ ቤሩት ካብቲ ቦታ ክወጹ ኣዚዛ።

    ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣቪቻይ ኣድራይ፡ እስራኤል ንነበርቲ "ክትጎድኣኩም ኣይትሓስብን እያ... ስለዚ ንድሕነትኩም ካብ ዘለና ስክፍታ ብቕልጡፍ ካብቲ ቦታ ክትወጹ ኣለኩም" ክብል ሓቢሩ።

    እስረኤል ክትውጽኡ ኣለኩም ኢላ ሓቢራቶም ዘላ ከባቢታ ሓረት ሕራይክ፡ ጎበይሪ፡ ኣልሊላኪ፡ ሓዳት፡ ቦርጅ ኤል-ባራጅነህ፡ ታህዊታል-ጋዲር፡ ሽያህን ኣል-ጀናሕን ዝብሃሉ ክፋላት በይሩት’ዮም።

  16. ድሕሪ ምቍራጽ ተዅሲ፡ እስራኤል ኣብ መላእ ሊባኖስ መጥቃዕታት ተካይድ

    ምስ ኢራን ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ እኳ እንተ ተተገብረ፡ ኣንጻር ዕጡቕ ጕጅለ ሕዝቦላህ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ግን ይቕጽል ከም ዘሎ ሰበስልጣን ገሊጾም።

    እስራኤል ኣብ ውሽጢ 10 ደቓይቕ ልዕሊ 100 እዚታትን ወተሃደራዊ ቦታታትን ሕዝቦላህ ብምውቃዕ፡ ድሕሪ'ቲ ኣጋር ሰራዊት ናብ ሊባኖስ ዘዋፈረትሉ ግዜ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ኣየር ምዃኑ ገሊጻ።

    ደቡባዊ ከባቢታት በይሩት፡ ደቡባዊ ሊባኖስን ምብራቓዊ ጐልጐል በካኣን ዕላማ መጥቃዕቲ ካብ ዝዀኑ ከባቢታት እዮም።

    ምኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ብውሕዱ 182 ሰባት ከም ዝሞቱን እቲ ቍጽሪ ክውስኽ ከም ዝኽእልን ገሊጹ።

    እቲ ምኒስትሪ ወሲኹ፡ በቲ መጥቃዕቲ 890 ሰባት ቈሲሎም።

    ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ኣብ በይሩት ድሕሪ ዝተፈጸመ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ኣብ ፍርስራስ ህንጻታት ዝተደብኑ ሰባት ንምድሓን ንሰዓታት ድልያ ኣካይዶም።

    ካብቶም ፍርስራስ ዝደሓኑ፡ ዝተጐድኡ፡ ዝሞቱ፡ ብፍሽኽታ ዝተሳእሉ ስእልታት ስድራቤታት፡ ቍራጽ ክዳውንቲ፡ ዘይተወድአ ዕዮ-ገዛ ናይ ቤት ትምህርቲ ይርከቡዎም።

    ዓብደልቃደር ማሕፉዝ ውጉእ ሓዉ ክበጽሕ መጺኡ ነይሩ።

  17. ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ካብ ዝግበር ብውሕዱ ትሽዓት መራኽብ ብመጻብብ ሆርሙዝ ሓሊፈን

    ዋላ ድኣ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ይገበር’ምበር፡ ኢራን መራኽብ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፋ ክትፈቕድ’ያ ዝብል ዓቢ ምጥርጣራት’ዩ ዘሎ።

    ቢቢሲ 'ቨሪፋይ' ብመጻብቦ ሆርሙዝ ውሑዳት መራኽብ ክሓልፋ ምኽኣለን ክዕዘብ ክኢሉ’ዩ።

    ንምንቅስቓስ መራኽብ ዝከታተል ማረይን ትራፊክ፡ ብሰሉስ ለይቲ ክልተ ነዳዲን ከሚካልን ዝጽዓን ዝርከብአን ብውሕዱ ትሽዓተ መራኽብ በዚ መጻብቦ ከምዝሰጋራ የርኢ።

    ቅድሚ ምውላዕ እዚ ኵናት ኣብ መዓልቲ ብማእከላይ ገምጋም 138 መራኽብ’የን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝሓልፋ ነይረን።

    እዚ ኵናት ምስ ተወለዐ ግን ኢራን ነቲ መጻበብ ስለዝዓጸወቶ ኣስታት 800 መራኽብ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ተዓጊተን ምህላወን ጸብጻባት ይሕብሩ።

  18. ተላዘብቲ ኢራን ናብ ፓኪስታን ኣምሪሖም

    ኢራን፡ እቲ ምስ ኣመሪካ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ፡ ብ'ተደጋጋሚ ይጥሓስ' ከም ዘሎ እኳ እንተገለጸት፡ ጉጅለ ልኡኽ እታ ሃገር ናብ ፓኪስታን ኣምሪሑ።

    እዚ ልኡኽ፡ እቲ ኲናት ኣብ ምዝዛም ምስ ኣመሪካ ከም ዝዘራረብ ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ፓኪስታን ኣረጋጊጹ።

    ብቐዳም፡ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጄዲ ቫንስ ኣብ ኢስላማባድ ክራኸቡ ምዃኖም ገሊጹ ነይሩ።

    ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ፓኪስታን ረዛ ኣሚሪ ሞጋዳም፡ እቲ ዝርርብ "ኢራን ኣብ ዘቕረበቶ 10 ነጥብታት ዝተመርኰሰ፡" ክኸውን'ዩ ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

    እቶም ነጥብታት ብልክዕ እንታይ እዮም ኣብ ዝብል ገለ ምድንጋር ኣሎ እዩ።

    ሞጋዳም፡ ዋላ'ኳ "ስርዓት እስራኤል ነቲ ዲፕሎማስያዊ ተበግሶ ንምዝራግ ብተደጋጋሚ ምጥሓስ ተኹሲ ደው ምባል ይገብር እንተሃለወ፡" እቲ ዝርርብ ክካየድ ምዃኑ ሓቢሩ።

  19. ብሪጣኒያ፡ ሊባኖስ 'ብህጹጽ' ኣብቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ክትካተት ኣተሓሳሲባ

    ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሊባኖስ ኣካል እቲ ኣብ መንጐ ኣመሪካንኢራንን ዝተገብረ ቅድመ ኩነት ዘለዎ ናይ ክልተ ሰሙን ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ "ብህጹጽ ክትካተት" ከም ዘለዋ ትዛረብ።

    ኩፐር፡ ካብ ትማሊ ረቡዕ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዝተራእየ ሃገር "ምግዳድ መጥቃዕቲታት እስራኤል" "ኣዝዩ ከም ዘሻቐላ" ትዛረብ።

    ምቁራጽ ተጻብኦ ንጸጥታ እስራኤል ከምኡ'ውን "ሰፊሕ ድሕነት እቲ ዞባ" "ቅኑዕ ነገር" ምዃኑ ከም እትኣምን ትዛረብ።

    ኣብዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ቤይሩትን ካልኦት ከባቢታትን ሊባኖስ መጥቃዕቲ ይፍጸም ከም ዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ።

    ፕረዚደንት ጆሴፍ ኣውን ነቲ መጥቃዕቲ “ጨፍጨፋ” ክብል ገሊጽዎ፤ መንግስቲ ድማ ሎሚ ነቶም ዝተቐትሉ ንምዝካር ህዝባዊ በዓል ኰይኑ ከም ዝሓልፍ ኣፍሊጡ።

    ን10 ደቓይቕ፡ ኣብ መላእ ሊባኖስ መጥቃዕቲ ይፍጸም ነይሩ።

    ሰራዊት እስራኤል ልዕሊ 100 ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ዒላማታት ሕዝቦላህ ኢሉ ዝገለጾ መጥቃዕቲ ኣየር ከም ዝተፈጸመ ሓቢሩ።

    በዚ መጥቃዕቲ ጽዑቕን ህዝቢ ዝነብረሉን መንበሪ ኣባይቲ ተሃስዩ፣ እስራኤል ድማ እዚ ልዑል ቁጽሪ ክሳራታት ከም ዝስዕብ ኣይትስሕቶን።

    ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ፡ 890 ሰባት ከም ዝቘሰሉ፡ ብውሕዱ 182 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ እዚ ቁጽሪ እዚ ልዕሊኡ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

    ሕጂ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ስትራተጂ እስራኤል እንታይ ምዃኑ ንምርኣይ ኣጸጋሚ እዩ።

    ወተሃደራዊ ሰበስልጣን እስራኤል ከይተረፉ ሕዝቦላህ ብሓይሊ ዕጥቁ ከም ዘይፈትሕ ይኣምኑ'ዮም።

    እቲ መጥቃዕቲ ንእስራኤል ገለ ወተሃደራዊ መኽሰብ ክትረክብ ክሕግዛ ይኽእል እዩ።

    እዚ ግን ድሩት ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ተቓወምትን ደገፍትን እቲ ጉጅለ፡ እዚ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ዘይቅቡልን ዘይምኽኑይን እዩ ብምባል፡ ንመጥቃዕቲ እስራኤል ይኹንኑ ኣለዉ።

  20. ኣመሪካ፡ ኲናት ወይ ምቁራጽ ተጻብኦ 'ትምረጽ'

    ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ኣመሪካ ኲናት ወይ ሰላም ክትደሊ እንተዀይና "ክትመርጽ ኣለዋ" ኢሉ።

    ንሱ ንቢቢሲ ኒውስ ደይ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ክልቲኦም ኣብ ሓደ እዋን ክህልዉ ኣይኽእሉን፤ ግልጺ'ዩ፡ ንሓድሕዶም ዝጻረሩ እዮም፡" ይብል።

    ሳዒድ ካቲብዛደ፡ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ፡ ​​"ከቢድ ምጥሓስ" ናይቲ ኣመሪካን ኢራንን ተኹሲ ደው ንምባል ዝበጽሕኦ ስምምዕ'ዩ ይብል።

    ኢራን፡ "ኩሉ ሰብ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ነዚ ስምምዕ ክኽተል...ኣመሪካውያን ድማ ምስ መሻርኽቶም ተመሳሳሊ ነገር ክገብሩ ንጽበ፡" ይብል።

    መጥቃዕቲ እስራኤል እንተቐጺሉ ኢራን ካብ ድርድር ክትወጽእ ድያ ዝብል ሕቶ ምስ ተሓተተ፡ "ትኹረትና መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዝሓሸ ክኸዉን እዩ፡" ኢሉ።

    ሳዒድ ካቲብዛደ፡ ኢራን ትማሊ ምሸት ናብ ቤት ጽሕፈት ኦቫል መልእኽቲ ከም ዝለኣኸት ብምግላጽ "ኬክ ሒዝካ ኣብ ሓደ እዋን ክትበልዖ ኣይትኽእልን ኢኻ፡" ይብል።

    ወሲኹ ድማ "ተኹሲ ደው ምባል ሓቲትካ ድሕሪኡ ውዕላትን ቅጥዕታትን ተቐቢልካ፡ ኩሉ እቲ ተኹሲ ደው ምባል ዝትግበረሉ ከባቢታት ተቐቢልካ፡ ሊባኖስ ተጸሪሓ እንከላ፡ ድሕሪኡ መሓዛኻ ቅትለት ትጅምር፡" ይብል።

    ካቲብዛደህ፡ እቲ ብእስራኤል ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲታት ምስ "ምጽናት ዓሌት" ዝዳረግ ከም ዝኾነ ይዛረብ።

    እስራኤል ነቲ ናብ እስራኤል ሮኬት ዝትኩስ ዘሎ ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህ ዒላማ ትገብር ከም ዘላ ትገልጽ።