እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕቡራት ሃገራት፡ መዝነት ፍሉይ ተኸታታሊ ኵነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ክሕደስ ተወሲኑ
ሕቡራት ሃገራት፡ መዝነት ፍሉይ ተኸታታሊ ኵነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ክሕደስ ወሲኑ።
ኣብቲ ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ዝተኻየደ መጋባእያ፡ ነቲ እማመ ብሪጣንያን ኢትዮጵያን ዝርከብአን 23 ሃገራት ክድግፍኦ እንከለዋ፡ ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝርከብአን17 ሃገራት ድምጺ ካብ ምሃብ ተዓቂበን፡ ግብጺን ቻይናን ዝርከበን 6 ድማ ተቓዊመን።
መንግስቲ ኤርትራ እቲ መዝነት ከይቅጽል ኣብ ኣስመራን ጀነቫን ሓያል ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ'ኳ ከካይድ እንተጸንሐ ኣይሰመረሉን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ወጻኢ ብምዕዳም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ መዝነት ናይቶም ፍሉያት ወኪላት ንምስሊ እታ ሃገር ይድውን ከምዘሎን፡ ምስ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ዝህሉ ዝምድና ዕንቅፋት ምዃኑን ብምብራህ፡ ደው ክብል ጸዊዑ ነይሩ።
ኣብቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባታት ቤትምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ክሳተፍ ዝጸንሐ ብኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት (ኒውዮርክ) ሶፍያ ተስፋማርያም ዝምራሕ ልኡኽ ብወገኑ እቲ ንኤርትራ ንምክትታል ዝግበር መስርሕ ገንዘብ ካብ ምብኻን ዝሓልፍ ቁውምነገር ከምዘይብሉ'ዩ ክምጕት ቀንዩ።
ብሰመረት እቲ ዝሓለፈ ወሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ፡ ነቲ ዕድመ መዝነቱ ዘብቅዐ ሱዳናዊ ዶ/ር መሓመድ ዓብዲሰላም ባቢከር ዝትክእ ፍሉይ ወኪል ክምዘዝ'ዩ።
ፍሉያት ወኪላት (ስፐሻል ራፖርተር) ሰባዊ መሰላት ንሓደ ዓመት ከገልግሉ ብቤትምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጀነቫ ዝምዘዙ ኮይኖም ንዝተመደብሉ ሃገር ወይ ፍሉይ ጉዳይ ዝምልከት ዓመታዊ ጸብጻባት ዘቕርቡ እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ መወዳእታ ጸብጻቡ ዘቕረበ ዶ/ር ባቢከር፡ ኣብ ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐ ከቢድ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ምምሕያሽ ከምዘየርኣየን ይገድድ ከምዘሎን'ዩ ገሊጹ ነይሩ።
ኤርትራ ግን እቲ ጸብጻባት እሙን መርትዖ ዘይተረኽቦን ንመንግስቲ ኤርትራ ንምጽላም ዝዓለመ ምዃኑ ብምምጓት ነቲ ጸብጻብ ነጺጋቶ ነይራ።
ኣብ 2012 ተሓለቕቲ መሰላት ብዘካየድዎ ጐስጓስን ብመሪሕነት ጅቡቲ፡ ሶማልያን ናይጀርያን ንሰባዊ መሰላት ኤርትራ ዝከታተል መዝነት ፍልይቲ ወኪል ንፈለማ እዋን ከምዝተፈጥረ ይዝከር። ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን'ውን ነቲ በተን ኣፍሪቃውያን ሃገራት ዝቐረበ እማመ ምሉእ ደገፍ ሂበንኦ ነይረን እየን።
ዝደገፋ፡ ዝተዓቀባን ዝተቓወማን ሃገራት
እቲ ኤርትራ ክትቃወሞ ዝጸንሐት እማመ ደገፍ ሓያሎ ኣባላት ናይቲ ቤትምኽሪ ዝኾና ሃገራት ኣውሮጳ ክረክብ እንከሎ፡ ብዘይካ ኢትዮጵያ ኵለን ሃገራት ኣፍሪቃ ድምጸን ካብ ምሃብ ተዓቂበን።
እታ ምስ ኣስመራ ኣብ ወጥሪን ምትፍናንን እትርከብ ኣዲስ ኣበባ ነቲ ውሳነ ብምድጋፍ'ያ ድምጻ ሂባ።
ኢጣልያ፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ስጳኛ፡ ስዊዘርላንድን ነዘርላንድስን (ሆላንድ) ዝርከብአን 14 ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ፍሉይ ምክትታል ሰባዊ መሰላት ክትቅጽል ዘለወን ደገፍ ገሊጸን።
ብራዚልን ሜክሲኮን ዝርከብአን 7 ሃገራት ደቡብ ኣመሪካን ካሪቢያንን ድማ ኣሰር ሃገራት ኣውሮጳ ብምስዓብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዓለምለኻዊ ምክትታል ሰባዊ መሰላት ክጸንሕ ወሲንን ኣለዋ።
ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጋና፡ ኣንጐላ፡ ማላዊ፡ በኒን፡ ጋምቢያ፡ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣይቮሪኮስትን ሞሪሺየስ ድማ ድምጸን ዝዓቀባ ሃገራት ኣፍሪቃ እየን። ተመሳሳሊ መርገጺ ብምውሳድ ድምጸን ዘይሃባ ሃገራት ወሽመጥ ድማ ቐጠር፡ ኩዌትን ዒራቕን ምዃነን ተፈሊጡ'ሎ።
ነቲ እማመ ብምቅዋም ንኤርትራ ደገፈን ዝገለጻ መብዛሕትአን ንባዕለን ብምግሃስ ሰባዊ መሰላት ዝውቀሳ፡ ግብጺ፡ ብሩንዲ፡ ቻይና፡ ህንዲ፡ ኲባን ፓኪስታንን እየን።
ንርሑቕ ምብራቕን ደቡባዊ-ምብራቕ ኤስያን ካብ ዝውክላ ድማ ጃፓንን ማርሻል ኣይላንድን ነቲ ውሳነ ክድግፋ እንከለዋ፡ ደቡብ ኮርያ፡ ቬትናም፡ ታይላንድን ኢንዶነዢያን ድምጺ ካብ ምሃብ ተሓዪበን።
ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፈት ኣምባሳደር ሶፍያ፡ "እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ እማመ ክነጽጐን እቲ መዝነት ከብቅዕ ክውስን ንጽውዕ" ክትብል ምሕጽንታ ኣቕሪባ። ኤርትራ ኣብቲ 'ፐሪዮዲክ ረቪው' ዝተባህለ ካልእ መስርሕ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ክትሳተፍ ቅርብቲ ምዃና'ውን እታ ዲፕሎማሰኛ ደጊማ ኣረጋጊጻ።
መዝነት ፍሉይ ወኪል መዓስን ብኸመይን ጀሚሩ
ኣብ 2012 ተሓለቕቲ መሰላት ብዘካየድዎ ጐስጓስን ብመሪሕነት ጅቡቲ፡ ሶማልያን ናይጀርያን ንሰባዊ መሰላት ኤርትራ ዝከታተል ቦታ ፍልይቲ ወኪል ንፈለማ እዋን ተፈጢሩ።
ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን'ውን ነቲ በተን ኣፍሪቃውያን ሃገራት ዝቐረበ እማመ ምሉእ ደገፍ ሂበንኦ ነይረን እየን።
በዚ መሰረት ማውሪሽያዊት ሸይላ ቢ ኪታሩት ፈላሚት ፍልይቲ ወኪል ብምዃን ንኵነታት ኤርትራ ክትከታተል በቲ ቤትምኽሪ መዝነት ተዋሂቡዋ።
ኣብ ግንቦት 2013 ኣብ ዘቕረበቶ ፈላሚ ጸብጻባ፡ ኣብ ኤርትራ ዘይሕጋዊ ምርሻንን ምስቓይን ዝርከቦ ሰፊሕ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ይካየድ ከም ዝነበረ ኣቃሊዓ።
ሰብመዚ ኤርትራ ናብታ ሃገር ኣትያ ከይተጻሪ ፍቓድ ስለዘይሃቡዋ ጸብጻባ ብቐንዱ ኣብ ምስክርነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተመርኮሰ'ዩ ነይሩ።
ኣብ 2014 ኣብ ዘቕረበቶ ካልእ ጸብጻብ እቲ ኵነታት ፍሉይ ኮምሽን ዘድልዮ ምዃኑ ብዝኣመመቶ መሰረት ድማ ፍሉይ ኣጻራዪ ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት (UN Commission of Inquiry) ተመስሪቱ።
ኪታሩት ኣባል ናይቲ ብሰለስተ ኮምሽነራት ዝቘመ ኮምሽን ብምዃን ክሳብ 2016 ኣገልጊላ ነይራ።
እቶም ካልኦት ኣባላቱ፡ ኣቦመንበር ናይቲ ኮምሽን ዝነበረ ኣውስትራልያዊ ማይክ ስሚዝን ጋናዊ ቪክተር ዳንክዋን እዮም ነይሮም።
እቲ ኮምሽን ኣብ ሰነ 2015 ኣብ ዘቕረቦ ፈላሚ ጸብጻቡ፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተፈጸመ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት "ምስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝዳረግ" ምንባሩ ኣስፊሩ'ሎ።
ኣብ 2018 ንኪታሩት ብምትካእ ፍልይቲ ወኪል ጉዳያት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ኰይና ዝተመዘዘት ዳንኤላ ክራቨዝ ዝተባህለ ዜጋ ደቡብ ኣመሪካዊት ሃገረ ቺለ እያ ነይራ።
ንሳ'ውን ብወገና ኣብ ዘቕረበቶም ክልተ ጸብጻባት ኵነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ እናገደደ ምኻዱ'ያ ሰኒዳ።
ንዓኣ ተኪኡ ኣብ መስከረም 2020 ዝተመዘዘን ክሳብ ሎሚ ከገልግል ዝጸንሐ ድማ ሱዳናዊ ዶ/ር መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ዘቕረቦም ጸብጻባት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ፡ ዘይሕጋዊ ምርሻን፡ ስቅያት፡ ግዱድ ምስዋር፡ ምግሃስ መሰላት ሃይማኖታዊ እምነትን ናጽነት ፕረስን፡ ከምኡ'ውን ግዱድ ዕስክርና ይፍጽም ከምዘሎ'ዩ ከቃልዕ ጸኒሑ።
ኤርትራ ዓመታዊ፡ መዝነት እቲ ፍሉይ ወኪል ከይሕደስ ሓያል ጐስጓሳትን ምጕታትን ከተቕርብ'ኳ እንተጸንሐት ኣይሰለጣን።
ጸብጻባት እቶም ፍሉያት ወኪላት ኣብ ሓተትቲ ዑቕባ ዝተመስረተ ተኣማንነት ዘይብሉን ነታ ሃገር ንምድሃልን ንምስይጣንን ብምዕራባውያን ሃገራት ዝተወጠነ'ዩ ብምባል'ዮም ሰብመዚ እታ ሃገር ዝምጕቱ።
እንተኾነ፡ ብዙሓት ላዕለዎት ምኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከብዎም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፡ከምኡ'ውን ብዙሓት ጋዜጠኛታት ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ስዉር ኣብያተ-ማእሰርቲ ተታሒዞም ከምዘለዉ'ዩ ዝፍለጥ።
ብዘይካ'ዚ ሓያሎ መራሕቲ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን፡ ኣቕሽሽቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስያን ከምኡ'ውን መምህራን እስላማዊ ትካላት'ውን ኣብ ስዉርን ሓውሲ-ስዉርን ኣብያተ-ማእሰርቲ ተታሒዞም ኣለዉ።
ዳርጋ ኵሉ እቲ በቶም ፍሉያት ወኪላት ክቐርቡ ዝጸንሑ ጸብጻባት፡ ኣብታ ሃገር ግዝኣተ-ሕጊ ከምዘየሎ'ዮም ዝገልጹ።
ነታ ሃገር ብዘይ ቅዋምን ሃገራዊ ምርጫን ንልዕሊ 35 ዓመታት ዝመርሓ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ነቲ ኣብ 1993 ዝቘመ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ካብ 2002 ኣትሒዙ ብምፍራስ ዝኾነ ተሓታትነት ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት መስሪቱ ምህላዉ ይፍለጥ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ኤርትራ፡ መዝነት ናይቲ ፍሉይ ወኪል ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ከይሕደስ ኣብ ጀነቫን ኣስመራን ሓያል ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት ኣካይዳ ምንባራ ይፍለጥ።