እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣስመራ፡ ምስልታት ካርኒቫል ቅንያት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ
ኤርትራ ኣብ ዝመጽእ ሰንበት መበል 35 ዝኽሪ መዓልቲ ሓርነታን ናጽነታን ንምኽባር ትዳሎ ኣላ።
ድሮ ርእሰከተማ ኣስመራ ነቲ ጽንብል ፈሊማቶ ከምዘላ ዘመልክት ምስልታት ክወጽእ ጀሚሩ'ሎ።
ንሎሚ ኣብ ጐደና ሰማእታት ንዝተገብረ 'ካርኒቫል' ዘመልክት ብኤምባሲ ጀርመን ዝወጸ ስእልታት ቀሪብናልኩም ኣለና።
"ርሑስ ሰሙን ናጽነት ኤርትራ! ሎሚ፡ ንኹሎም ብሄራት፡ ሃይማኖታት፡ ንኣሽቱን ዓበይቲን፡ ብእግሪ ይኹን ዓረቢያ፡ ዝሳተፈ ድሙቕ ናይ ጐደና ካርኒቫል ዝራኣየሉ ግዜ እዩ" ክብል'ዩ እቲ ኤምባሲ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ ዘሎ።
"ብሓቂ ኩሉ ሰብ ኣካል ናይዚ ሓጐስ ዝመልኦ ኣጋጣሚ እዩ" ይብል እቲ ኤምባሲ።
ብዘይካ'ዚ፡ ንጉዕዞ ስፖርት ኤርትራ ዘርኢ ምርኢት (ኤግዚብሽን) እውን ኣብታ ከተማ ትማሊ ተኸፊቱ ኣሎ።
"ኣብ'ቲ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ሚኒስተር ህንጻ ኣቶ ኣብርሃ ኣስፋሃ ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ዕድመ ዝተገብረሎም ኣጋይሽን ካብ ውሽጥን ደገን ዝመጽኡ ገዳይም ስፖርተኛታትን ዝርከብዎም ተሳቲፎም" ይብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጸ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ዜና ።