ኣስመራ፡ ምስልታት ካርኒቫል ቅንያት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ

ምስሊ ናይታ ሃገራዊ ኣርማ ኤርትራ ዝኾነት ገመል እትመርሖ ካርኒቨላ ኣስመራ ብጐደናታት እናሓለፈ። ባንዴራ ኤርትራ ዝተሸለመት ሚከናን ተሳተፍቲን ደድሕሪኣ እናሰዓቡ

ምንጪ ስእሊ, German Embassy

መግለጺ ስእሊ, ምስሊ ናይታ ሃገራዊ ኣርማ ኤርትራ ዝኾነት ገመል እትመርሖ ካርኒቨላ ኣስመራ ብጐደናታት እናሓለፈ
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኤርትራ ኣብ ዝመጽእ ሰንበት መበል 35 ዝኽሪ መዓልቲ ሓርነታን ናጽነታን ንምኽባር ትዳሎ ኣላ።

ድሮ ርእሰከተማ ኣስመራ ነቲ ጽንብል ፈሊማቶ ከምዘላ ዘመልክት ምስልታት ክወጽእ ጀሚሩ'ሎ።

ንሎሚ ኣብ ጐደና ሰማእታት ንዝተገብረ 'ካርኒቫል' ዘመልክት ብኤምባሲ ጀርመን ዝወጸ ስእልታት ቀሪብናልኩም ኣለና።

"ርሑስ ሰሙን ናጽነት ኤርትራ! ሎሚ፡ ንኹሎም ብሄራት፡ ሃይማኖታት፡ ንኣሽቱን ዓበይቲን፡ ብእግሪ ይኹን ዓረቢያ፡ ዝሳተፈ ድሙቕ ናይ ጐደና ካርኒቫል ዝራኣየሉ ግዜ እዩ" ክብል'ዩ እቲ ኤምባሲ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ ዘሎ።

"ብሓቂ ኩሉ ሰብ ኣካል ናይዚ ሓጐስ ዝመልኦ ኣጋጣሚ እዩ" ይብል እቲ ኤምባሲ።

ብዘይካ'ዚ፡ ንጉዕዞ ስፖርት ኤርትራ ዘርኢ ምርኢት (ኤግዚብሽን) እውን ኣብታ ከተማ ትማሊ ተኸፊቱ ኣሎ።

"ኣብ'ቲ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ሚኒስተር ህንጻ ኣቶ ኣብርሃ ኣስፋሃ ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ዕድመ ዝተገብረሎም ኣጋይሽን ካብ ውሽጥን ደገን ዝመጽኡ ገዳይም ስፖርተኛታትን ዝርከብዎም ተሳቲፎም" ይብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጸ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ዜና ።

ንሃገራዊ ሕብርታት (ቀይሕ፡ ሰማያዊ፡ ቀጠልያን ብጫን) ብዝውክል ኣልባሳት ዝወቀባ ደቂኣንስትዮ ኣብቲ ካርኒቫል ተሳቲፈን ነይረን

ምንጪ ስእሊ, German Embassy

መግለጺ ስእሊ, ንሃገራዊ ሕብርታት ብዝውክል ኣልባሳት ዝወቀባ ደቂኣንስትዮ ኣብቲ ካርኒቫል ተሳቲፈን ነይረን
ባህላዊ ልብሲ ዝተኸድኑ፡ ኲናትን ዋልታን ዝሓዙ ኣጓብዝ እናደበሉን እናሳዕስዑን

ምንጪ ስእሊ, German Embassy

መግለጺ ስእሊ, ባህላዊ ልብሲ ዝተኸድኑ፡ ኲናትን ዋልታን ዝሓዙ ኣጓብዝ እናደበሉን እናሳዕስዑን
ብዓረቢያ ዝንቀሳቐሱ

ምንጪ ስእሊ, German Embassy

መግለጺ ስእሊ, ብዓረቢያ ዝንቀሳቐሱ ስንኩላት'ውን ካብቲ ጽንብል ኣይበኾሩን
ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ ብወግዒ ዝኸፈቶ ምርኢት ጉዕዞ ስፖርት ኤርትራ'ውን ኣብ ከባቢ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ቀሪቡ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, MOI Eritrea

መግለጺ ስእሊ, ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ ብወግዒ ዝኸፈቶ ምርኢት ጉዕዞ ስፖርት ኤርትራ'ውን ኣብ ከባቢ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ቀሪቡ ኣሎ