ደውታ ውግእ ወሽመጥ፡ ድሌት መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ንውሳነ ትራምፕ ቀዪሩዎ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS/Evan Vucci/File Photo
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ "ቍውምነገር ዘለዎ ዘተ ይካየድ ስለ ዘሎ" ብምባል፡ ንድልየት ሃገራት ወሽመጥ መሰረት ገይሩ ንሰሉስ ተወጢኑ ንዝነበረ ወታደራዊ መጥቃዕቲ ከም ዘደናጐዮ ገሊጹ።
ኣብቲ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ መራሕቲ ቐጠር፡ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ነዚ ስጕምቲ ክወስድ ከም ዝሓተቱዎ ሓቢሩ።
ትራምፕ፡ ንኣመሪካ "ኣዝዩ ተቐባልነት ዘለዎ" ስምምዕ ክግበር ከም ዝተነግሮ ብምጥቃስ፡ "ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ኣይክህሉዋን እዩ!" ኢሉ።
ይዅን እምበር፡ ቅቡል ኣብ ዝዀነ ስምምዕ እንተ ዘይተበጺሑ፡ ኣመሪካ "ብቕጽበት መጠነ ሰፊሕን ከቢድን መጥቃዕቲ ክትጅምር፡" ድልውቲ ምዃና ኣጠንቂቑ።
በቲ ካልእ ወገን፡ ሓደ ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዚ ኢራን ንኣመሪካ "ዳግማይ ስትራተጅያዊ ስሕተታትን ግጉይ ገምጋማትን ከይትገብር፡" ብምባል ኣጠንቂቑ ኣሎ።
እዚ ናይ ትራምፕ ናይ መወዳእታ ኣዋጅ ዝመጽእ ዘሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ዘለዎ ተቐባልነት ህዝቢ እናጐደለ ኣብ ዝኸደሉን ድሌት ውግእ ኣመሪካውያን እናማህመነ ኣብ ዝመጽኣሉን እዋን እዩ።
ብመሰረት ሰኑይ ዝወጽአ ናይ ኒው ዮርክ ታይምስ ድምጺ ህዝቢ፡ 64% ዝዀኑ መረጽቲ ምስ ኢራን ናብ ውግእ ምእታው ጌጋ ውሳነ ምዃኑ ይኣምኑ። እቲ መጽናዕቲ ከም ዘርእዮ፡ 37% ጥራይ እዮም ኣብ ስጕምትታት ትራምፕ ዕጉባት ዘለዉ።
ሓይልታት እስራኤልን ኣመሪካን ካብ 28 ለካቲት ጀሚሮም ኣብ ልዕሊ ኢራን ብርቱዕ መጥቃዕቲ ኣየር ዝፈጸሙ ክዀኑ ከለዉ፡ ቴህራን ድማ ብወገና ድሮናትን ሚሳይላትን ናብ እስራኤልን ናብቶም ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዘለዉ ናይ ኣመሪካ ዒላማታትን ብምትኳስ ገጢማ።
ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ዓቢ ረቛሒ ዝዀነ፡ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ድሕሪ ዝዀነ ናይ ኣመሪካ መጥቃዕቲ፡ ኢራን ከመይ ኢላ ግብረመልሲ ክትህብ ከም እትኽእል ዘለዎም ስግኣት እዩ።
ኢራን ርኡይ ብዝሒ ዘለዎም ድሮናትን ሚሳይላትን ከም ዘለዋ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ነቶም ጐረባብቲ ሃገራት፡ መዓርፎ ነፈርቶም፡ ናይ ነዳዲ መጻረዪ ትካላትን ከምኡ'ውን ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ወቕቲ ኣገደስቲ ንዝበሃሉ ትካላት መጻረዪ ማይ ክትወቅዕ ትኽእል እያ።
ትራምፕ ጸኒሑ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እዚ ኣዝዩ እወታዊ ምዕባለ እዩ፣ ግናኸ ናብ ሓደ ደረጃ ክበጽሕ ድዩ ኣይበጽሕን ክንርእዮ ኢና፡" ኢሉ።
ኣስዒቡ እውን፡ "ምስ ኢራን ስምምዕ ናይ ምግባር ጽቡቕ ዕድል ዘሎ ይመስል" ድሕሪ ምባል፡ "ነዚ ብዘይደብዳብ ከነዓውቶ እንተ ክኢልና ኣዝየ ሕጕስ ምዀንኩ፡" ኢሉ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት፡ ኢራን ነቲ ዓለምለኻዊ 20% ነዳድን ጋዝን ዝሓልፈሉ ስትራተጅያዊ መስመር ማይ (መጻብቦ ሆርሙዝ) ብምቍጽጻር ዓጽያቶ ትርከብ።
እዚ ስጕምቲ ድማ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ዓለም ክንህር ገይርዎ ኣሎ።
ኣመሪካ ብወገና፡ ንዘቕረበቶ ጠለባት ኢራን ምእንቲ ክትቅበል ኣብ ልዕሊ ወደባት ኢራን እገዳ ትገብር ኣላ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


