ነባር ሰንደቕ ዕላማ ክልል ሶማሌ ዳግም ኣገልግሎት ክህብ'ዩ

Published

ነባር ሰንደቕ ዓላማ ክልል ሶማሌ ኣብ ጥቕሚ ክዉዕል እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ቀረባ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኾይኑ ዝተሾመ ኣይተ ሙስጦፋ ዑመር ኣብ ፌስ ቡክ ናይቲ ክልል ሰንደቕ ዓላማ ከምዝተቐየረ ኣፍሊጡ።

ኣይተ ሙስጦፋ "ኣብ ሞንጎ ሶማሊያዉያንን ኢትዮጵያዉያንን ምዃንና ተቓርኖ የለን" ኢሉ።

እቲ ነባር ሰንደቕ ዓላማ ኣገልግሎት ምሃብ ምጅማሩ ዝምልከት ድማ፡ "ናይ ክልል ሶማሌ ህዝቢ ኢና፤ ነባር ሰንደቕ ዓላማ ተመሊሱ ኣሎ" ኢሎም።

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ነበር ኣይተ ዓብዲ መሓመድ ዑመር ካብ ስልጣኑ ምስተልዓለ ዝተተክኣ ኣይተ ሙስጦፋ፡ "ሶማሊያዊያዉን ምዃንና ዝገልጸና ብኹርዓት እንትንሕሉ ብሄራዊ ግቡእና ከይዘንጋዕና'ዩ" ኢሉ።

ኣይተ ዓብዲ መሓመድ ዑመር፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ሕጊ ኸይኑ፡ ኽሱ ይከታተል ኣሎ።