ኤርትራ፡ ንባጤራ ናቕፋ ዝምልከት ሓድሽ መምርሒ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ባንክ ኤርትራ፡ ኣብ ኢድ ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ብዘይ ዓቐን ተታሒዙ ኣሎ ንዝበሎ ባጤራ ናቕፋ ብዝምልከት፡ ሰሉስ 30 ሰነ 2026 ጽኑዕ ሕጋዊ መተሓሳሰቢ ኣውጺኡ።

እቲ ባንክ፡ ዝዀነ ይዅን ካብ ባንክ ወጻኢ ኣብ ኢድ ህዝቢ ዝርከብ ገንዘብ፡ ክሳዕ መወዳእታ ሓምለ ናብ ሕሳብ ባንክ ክኣቱ ግዜ ሂቡ ኣሎ።

ባንክ ኤርትራ ኣብ መግለጺኡ፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ይዅን ትካል፡ ሃገራዊ ባጤራ ናቕፋ ናይ ምጥቃም መሰል ጥራይ ከም ዘለዎ፣ ምስዚ መሰል እዚ ድማ ግቡኣት ምፍጻም ግዴታ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።

ብተወሳኺ፡ ሃገራዊ ባጤራ ካብ ባንክታት ወጻኢ ኣብ ኢድ ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ብዘይ ዓቐን ንዘይተወሰነ ግዜ ክተሓዝ ሕጋዊ ከም ዘይኰነ ኣጠንቂቑ።

በዚ መሰረት፡ ካብ ባንክታት ወጻኢ ተታሒዙ ዘሎ ባጤራ ናቕፋ፡ ክሳዕ 31 ሓምለ 2026 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ባንክታት ኣብ ዝርከብ ሕሳባቶም ከእትውዎ፣ ሕሳብ ባንክ ዘይብሎም ዜጋታት ወይ ትካላት ድማ ሓድሽ ሕሳብ ከፊቶም ኣታዊ ክገብሩዎ መምርሒ ሂቡ።

ነዚ መምርሒ እዚ ኣብ ዘይትግብሩን ኣብ ዝተዋህበ ገደብ ግዜ ገንዘቦም ኣታዊ ኣብ ዘይገብሩን ወገናት ግን፡ ጽኑዕ ሕጋዊ ስጕምቲ ክውሰድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ክውሰድ ዝተባህለ ሕጋዊ ስጕምቲ እንታይ ምዃኑ ግን ኣብዚ ሓድሽ ምልክታ ኣይነጸረን።

እዚ ድሕሪ ልዕሊ 10 ዓመት ንሃገራዊ ባጤራ ዝምልከት ሓድሽ መምርሒ ባንክ ኤርትራ ዝወጽእ ዘሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ከቢድ ቍጽጽር ሸርፍን ምንቅስቓስን ገንዘብን ተጠቃምነትን ኣብ ዝጸንሓሉ እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕዳር 2015 ንባጤራ ናቕፋ ብሓድሽ ዲዛይን ምቕያሩን፡ ኵሉ ኣብ ኢድ ህዝቢ ዝነበረ ገንዘብ ናብ ባንክታት ከም ዝኣቱ ምግባሩን ይዝከር።

እቲ ኣብቲ እዋን ዝተወስደ ስጕምቲ፡ "ንዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ንምቍጽጻርን ንቝጠባዊ ምርግጋእን፡" ተባሂሉ ዝተገብረ ምዃኑ ይንገር።

ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ ድማ ዝዀነ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕሳብ ባንክ ኣብ ወርሒ 5,000 ናቕፋ (ኣስታት 330 ዶላር) ጥራይ ንኸውጽእ ዝፈቅድ ጽኑዕ ቀይዲ ተነቢሩ ጸኒሑ እዩ።

እዚ ጽኑዕ ቀይዲ ኣወጻጽኣ ገንዘብ፡ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ ምንቅስቓሳትን መዓልታዊ ናብራ ህዝብን ከቢድ ጽልዋ ክፈጥር ከም ዝጸንሐን ቍጠባዊ ንጥፈታት ከም ዘዛሕተለን ቍጠባውያን ተንተንቲ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

እቲ ገደብ ምውጻእ ገንዘብ ንብዙሕ መዳያት መዓልታዊ ህይወት ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ዓበይቲ ዕድጊታት ክገብሩ ዝደልዩ ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ እቲ ናይ ጽኑዕ ቀይዲ ኣወጻጽኣ ገንዘብ፡ ንሓያሎ ኣዋርሕ ገንዘብ ከውጽኡ ይግደዱ ነይሮም።

ንገለ ወጻኢታት፡ ከም መርዓ፡ ሰባት ባንክታት ልዕሊ እቲ ወርሓዊ ገደብ ገንዘብ ከውጽኡ፡ ካብ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ፍቓድ ክረኽቡ ኣለዎም።

እዚ ሕጂ ውጺኡ ዘሎ ምልክታ ድማ ኣብ ኢድ ውልቀሰባትን ትካላትን ካብቲ ሕጋዊ ዕዳጋ ወጻኢ ይንቀሳቐስ ኣሎ ዝበሃል ዓቐን ዘይብሉ ባጤራ ናቕፋ፡ ዳግማይ ናብቲ ወግዓዊ ፋይናንስያዊ መሓውር ንምምላስን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ቍጠባን ዑደት ገንዘብን ዘለዎ ቍጽጽር ብዝያዳ ንምሕያል ዝዓለመ ምዃኑ ይግመት።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብጽኑዕ ዝቈጻጸራ ስርዓታት ባንክታት ኣፍሪቃ ዘለዋ ሃገር እያ። ኣገልግሎት ኤለክትሮንያዊ ባንክታት ብዘይህላው፡ ጥረ ገንዘብ ንመብዛሕትኡ መዓልታዊ ንግዳዊ ንጥፈታት እቲ ሰብ ዓብሊልዎ ይርከብ።