እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ርክብ ትራምፕን ሺን፡ ብኸመይ ንመጻኢ ዝምድና ልዕለ ሓያላን ሃገራት መሰረት የንጽፍ?
ኣብ በይጂን ከባቢ ታሪኻዊ ኣደባባይ ቲያናንመን፡ ጸጥታ ካብ ዝብርትዕ መዓልትታት ኣቝጺሩ'ሎ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ፍሉይ ሰልፊ ወይ ገለ ዓቢን ብኬሪዮግራፊ ዝተዳለወን ፍጻመ ዝብል ወረታት ይዘውር ኣሎ።
ምድላዋት ናይዚ ዓቢ ፍጻመ ብሕሹኽታ'ኳ እንተጀመረ፡ ቻይና ንፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብዓቢይ ምርኢት ክትቅበሎ ድልውቲ ኰይና ትርአ።
ምብጻሕ እቲ ፕረዚደንት፡ ዝርርባት፡ ድግስን ናብቲ ሃጸያት ጽቡቕ ቀውዒ ንኽህሉ ዝጽልዩሉ ሃጸያዊ መቕደሳት ዝሓዘ "Temple of Heaven" ዝግበር ዑደትን ዘጠቓልል እዩ።
ከምኡ'ውን ክልቲኦም ትራምፕን ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንን እቲ ዑደት ፍረ ንኽህልዎ ተስፋ ክገብሩ እዮም። እዚ ኣብ መንጐ ክልተ ሓያላን መራሕቲ ዓለም ዝካየድ ዋዕላ፡ ሓደ ካብቶም ንመጻኢ ዓመታት ጽልዋ ዘለዎም ርክባት ክኸውን እዩ።
ንኣዋርሕ ዝምድና ኣመሪካን ቻይናን ንትራምፕ ዝተሓተ ቀዳምነት ዝሃቦ ስራሕ ኰይኑ'ዩ ጸኒሑ። ትዅረቱ ኣብቲ ምስ ኢራን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት፡ ወተሃደራዊ ስርሒታት ምዕራባዊ ንፍቀ ክቢን ዘቤታዊ ስክፍታታትን እዩ ነይሩ።
እዚ ዅሉ ግን ኣብዚ ሰሙን ክቕየር እዩ። መጻኢ ዓለማዊ ንግዲ፡ ኣብ ታይዋን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ምዕቡል ቴክኖሎጂታት ዝግበር ውድድር ኵሉ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ።
ብቝጠባዊ መዳይ፡ እቲ ምስ ኣመሪካ ዝካየድ ዘሎ ንግዳዊ ኲናትን ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ግጭትን ንሺ ሕማቕ ዜና ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ብስነ-ሓሳብን ፖለቲካን ግን ህያብ ስለ ዝዀኑ፡ ሓያል ኢድ ከም ዘለዎ ክስምዖ እዩ።
እዚ ዑደት'ዚ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ንመጻኢ ምትሕብባር - ወይ ግጭት - መሰረት ክኸውን ይኽእል'ዩ።
እታ ናይ ኢራን ሕሹኽሹኽ?
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ምስ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ሕጂ ሳልሳይ ወርሑ ረጊጹ ኣሎ።
ቻይና፡ ዓው ዓው ከይበለት ሰላም ከተውርድ ትፍትን እያ ዘላ። በይጂን ኣብቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣንጻር ኢራን ዘካይዳኦ ዘለዋ ኲናት፤ ከም ሸምጋሊት ኰይና ንፓኪስታን ተጸንቢራታ።
ሰበስልጣን በይጂን ኢስላምባድን ኣብ መጋቢት ስምምዕ ተዅሲ ደዉ ምባል ንኽብጻሕን መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ንምኽፋትን ዝዓለመ ሓሙሽተ ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ኣቕሪቦም ነይሮም።
ከምኡ'ውን ብድሕሪ መጋረጃ፡ ሰበስልጣን ቻይና ንኢራናውያን መዛኑኦም ቀስ ኢሎም ናብ መኣዲ ዘተ ክስሕቡዎም ጸኒሖም እዮም።
ቻይና፡ ዋላ'ኳ ድልዱል ጥንካረ እንተርኣየት፡ እዚ ኲናት ከብቅዕ ሃንቀውታ ከም ዘለዋ ዘጠራጥር ኣይኰነን።
ቍጠባ እታ ሃገር ድሮ ዝተሓተ ዕብየትን ዝለዓለ ሽቕለት ኣልቦነትን ይብድሆ ኣሎ።
ዋጋ ነዳዲ እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ካብ ዓለባ ክሳብ ፕላስቲክ ብፔትሮከሚካል ዝተሰርሑ ኣቝሑ ዋጋኦም ክውስኽ ገይሩ እዩ፤ ወጻኢታት ገለ ኣፍረይቲ ቻይና ብ20% ወሲኹ።
ቻይና ዘቕንእ ዕቑር ነዳዲ ኣለዋ፤ ኣብ ተሓዳሲ ጸዓትን ናይ ኤሌክትሪክ መካይንን ዘርኣየቶ መሪሕነት ድማ ካብቲ ዝኸፍአ ሳዕቤናት ቅልውላው ነዳዲ ኣውሒሱዋ ኣሎ።
እንተዀነ፡ እቲ ኲናት ነቲ ኣብ ሰደድ ዝተመርኰሰ ድዅም ቍጠባ ቻይና ዝያዳ ብድሆ ይፈጥረሉ ኣሎ።
ቻይና ኣብ መንጐ ኣትያ ንኣመሪካ ክትሕግዝ እንተዀይና ድማ፡ ካብ ኣመሪካ ገለ ነገር ክትደሊ እያ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ በይጂን ዝገበሮ ዑደት፡ ቻይና ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘለዋ ቦታን ጽልዋን ንምርኣይ ዝተዳለወ ይመስል።
ነዚ ኣመሪካ ብቐረባ ትከታተሎ ነይራ።
ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ "ቻይናውያን [ንዓባስ] ክሰምዖ ዝግባእ ነገር ክነግሩዎ'ዮም ኢለ ተስፋ እገብር፡" ኢሉ ነይሩ።
"እዚ ድማ፡ እቲ ኣብ መጻብቦ [ሆርሙዝ] እትገብሮ ዘለኻ ደረጃ ብደረጃ ክትነጽል ይገብረካ ኣሎ።"
ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ብሆርሙዝ ክሓልፋ ዝፈተና መራኽብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ዝዅንን ሓድሽ ውሳነ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከይትዓግት ከተእምና ፈቲና እያ፤ ሩስያ ድማ ነቲ ኣቐዲሙ ዝቐረበ እማመ ነጺጋቶ።
ኣብ ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ምርምርን ጐስጓስን ርክብ ኣመሪካን ቻይናን ዓሊ ዋይን፡ "ንኢራን ብዘላቒ መንገዲ ናብ ልዝብ ክንመልሳ እንተዄንና፡ ቻይና ገለ ተራ ክትጻወት ምዃና ኣመሪካ እትግንዘብ ይመስለኒ፡" ይብል።
ትራምፕ ብወገኑ ቻይና ምስ ቴህራን ዘለዋ ጥቡቕ ርክብ ዘይረበሾ ይመስል።
ኣመሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቻይና ኣብ ልዕሊ ዝመደበሩ መጻረዪ ነዳዲ ኢራን ከየጕዓዕዝ እገዳ ክትገብር እንከላ፡ እቲ ፕረዚደንት ዝሓለፈ ሰሙን ግን ኣብ እዋን ግጭት ቻይና ንኢራን ዝሃበቶ ዝዀነ ይዅን ብዘየገድስ ዕሽሽ ኢሉ ሓሊፉዎ።
ንሱ ንሓደ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ዝዀነ ኰይኑ'ዩ ሓቀይ? ንሕና'ውን ኣንጻሮም ገለ ነገራት ንገብር ኢና፡" ክብል ተዛሪቡ።
መጻኢ ታይዋን
ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣብ ጕዳይ ታይዋን ዝተሓዋወሰ ምልክታት እዩ ክሰድድ ጸኒሑ።
ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣመሪካ ምስ ታይዋን ናይ 11 ቢልዮን ዶላር ስምምዕ ኣጽዋር ከም ዝኣተወት ብምግላጽ፡ እቲ መስርሕ ንመንግስቲ ቻይና ኣቘጢዕዎ።
ትራምፕ ግን ነታ ቻይና ናይ ገዛእ ርእሰይ ግዝኣት እያ እትብላ ታይዋን ንምክልኻል ኣመሪካ ዘለዋ ድልውነት ኣቃሊሉዎ ኣሎ።
ትራምፕ፡ ዢ ታይዋን "ኣካል ቻይና ገይሩ እዩ ዝቘጽራ፤ ብዛዕባ እዚ እንታይ እዩ ክገብር ዝብል ንዕኡ'ዩ ዝምልከት፡" ኢሉ።
ብተወሳኺ ታይዋን ኣመሪካ ንዝሃበቶ ውሕስነት ጸጥታ እትመልሰሉ እኹል ገንዘብ ከም ዘይብላ ብምግላጽ "ዋላ ሓንቲ ኣይትህበናን፡" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ታይዋን ካብ ኣመሪካ ናይ ማኑፋክቸሪን ሰሚኮንዳክተር ሰሪቓ እያ ብምባል ኣብ ልዕሊኣ 15% ቀረጽ ኣንቢሩ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሩቢዮ፡ ታይዋን ኣብ እዋን ምብጻሕ ትራምፕ ካብ መንጐ ዝርርብ ዝግበረሎም ኣርእስታት ምዃና ገሊጹ ነይሩ፤ እቲ ዕላማ ድማ እቲ ጉዳይ ኣብ መንጎ ክልቲአን ልዕለ ሓያላን ሃገራት ምንጪ ሓድሽ ወጥሪ ከይከውን ምርግጋጽ ምዃኑ ሓቢሩ።
"ንታይዋን ይዅን ኣብ ዝዀነ ቦታ ኢንዶ-ፓሲፊክ ብዝምልከት ዝዀነ ምርግጋእ ዝዘርግ ፍጻመታት ከጋጥም ኣየድልየናን፤ እዚ ድማ ንኣመሪካን ቻይናውያንን ዝጠቅም ይመስለኒ።"
ቻይና ብወገና ታይዋን፡ ጕዳይ ታይዋን ኣብዚ ዝርርብ ቀዳምነት ዝወሃቦ ምዃኑ ኣአንፊታ ኣላ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዋንግ ዪ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ሩቢዮ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፡ ኣመሪካ "ቅኑዕ ምርጫታት" ክትገብር ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ።
በይጂን ዳርጋ መዓልታዊ ኣብ ዙርያ ታይዋን ነፈርቲ ውግእን መራኽብ ሓይሊ ባሕርን ብምልኣኽ ወተሃደራዊ ጸቕጢ ከተዕቢ ጸኒሓ እያ።
ገለ ተንተንቲ፡ ሰበስልጣን ቻይና ነቲ ብዛዕባ ታይዋን ኣብ 1982 ብጥንቃቐ ዝተነድፈ ቃላት ክቕየር ክደፍኡ ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት ኣለዎም።
ዋሽንግተን ኣብ ቀረባ እዋን ዝኣወጀቶ ፖሊሲ ኣብዚ እዋን'ዚ ንናጽነት ታይዋን ከም ዘይትድግፍ እዩ ዘመልክት።
በይጂን "ኣመሪካ ንናጽነት ታይዋን ትቃወም" ዝብል ዝኣመሰሉ ዝሓየሉ ቃላት ክትጥቀም ጸቕጢ ክትገብር ትኽእል ድያ?
"ፕረዚደንት ሺ ክሳብ ክንድኡ ዝኸይድ ኣይመስለንን፡" ይብል ጆን ደሉሪ ዝተባህለ ላዕለዋይ ክኢላ ማእከል ዝምድናታት ኣመሪካን ቻይናን ኤሽያን ሶሳይቲ።
"ዋላ'ውን ትራምፕ ገለ ንታይዋን ኢድካ ምሃብ ዝመስል ዘረባ እንተ ተዛረበ፣ ኣብ ኣጠቓቕማ ቋንቋኡ ጥንቁቕ ስለ ዘይኰነ'ዩ፤ ቻይናውያን ካብኡ ዝሓሸ ይፈልጡ'ዮም፣ ምኽንያቱ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ብናይ ሶሻል ትሩዝ ፖስት ኵሉ ነገር ክቕይሮ ስለ ዝኽእል።"
ኣገዳሲ ዝርርብ ንግዲ
ኣብ መብዛሕትኡ 2025፡ ኣመሪካን ቻይናን ኣብ ኣፍደገ ሓድሽ ንግዳዊ ኲናት ዝነበራ ይመስላ ነይረን፤ እዚ ድማ ንመሰረታት ዓለማዊ ቍጠባ ከናውጽ ዝኽእል እዩ።
ትራምፕ ኣብ ልዕሊ እታ ዝዓበየት ንግዳዊ መሻርኽቲ ኣመሪካ ብተደጋጋሚ ቀረጽ ወሲኹን ኣጕዲሉን፤ ኣብ ገለ እዋናት ልዕሊ 100% በጺሑ።
ቻይና መልሲ ሂባትሉ'ያ፤ ናብ ኣመሪካ ሰደድ ዝግበር ብርቂ ማዕድናትን ሰደድ ሕርሻ ኣመሪካን ብምንካይ፡ ንትራምፕ ኣብ ዘድመጻ ወሰንቲ ግዝኣታት ንዝርከቡ ሓረስቶት ክጽለዉ ገይራ።
ትራምፕን ሺን ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ፊት ንፊት ካብ ዝራኸቡ ንደሓር እቲ ዝነበረ ረስኒ እናጎደለ መጺኡ።
እቲ ኣብ ለካቲት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ በይናዊ ስጕምቲ ቀረጽ ፕረዚደንት ደው ክብል ዝሃቦ ውሳነ እውን ድሌታት ትራምፕ ንምጉዳል ሓጊዙ እዩ።
ትራምፕን ሺን ኣብ እዋን ዋዕላ በይጂን ግን ገና ብዙሕ ክዛረቡሉ ዝኽእሉ ነገራት ክህልዎም እዩ።
መራሒ ኣመሪካ፡ ቻይና ዕድጊ ፍርያት ሕርሻ ኣመሪካ ክውስኽ ከተፍቅድ ክደፍእ እዩ።
ቻይና ኣብ ቀረባ እዋን ንኣመሪካ፡ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኣቑሑት ቻይና ዝለዓለ ቀረጽ ዳግማይ ናይ ምግባር ዓቕሚ ክህቦ ዝኽእል ዘይፍትሓዊ ንግዳዊ ኣሰራርሓ ዝምልከት ንግዳዊ መርመራ ከተቋርጽ ጸቕጢ ከም እትገብር ርግጸኛ እያ።
እዚ ንኣመሪካ ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ።
"ዘይፍትሓዊ ንግዳዊ ኣሰራርሓታት ቻይና ክሳብ ክንደይ ሰፊሕን ዝተሓላለኸን ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣመሪካ ሕድገት ክትገብር ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል፡" ይብል ማይክል ኦሃንላን።
ንሱ፡ ኣብቲ ዋሽንግተን ዲሲ ዝመደበሩ ትካል ብሩኪንግስ ኣቦ መንበር ምክልኻልን ስትራተጅን ፊል ናይት እዩ።
ምምሕዳር ትራምፕ ኣብዚ ዑደት'ዚ ካብ ኤንቪድያ፡ ኣፕል፡ ኤክሶን፡ ቦይንግን ካልኦት ዓበይቲ ኩባንያታትን ዝኣመሰሉ ዋና ኣካየድቲ ስራሕ እውን ይዕድም ከም ዘሎ ሮይተርስ ሓቢሩ።
ቻይና፡ ሕጂ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ እብረ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝነበረቶ ንንግዲ ኣብ ኣመሪካ እትምርኰስ ኣይኰነትን ዘላ።
ኣብ ዓለማዊ ቍጠባ ምርግጋእ ስለ ዘድልያ ግን እዚ ምብጻሕ ብጽቡቕ ክኸይድ ክትደሊ እያ።
ሕጂ መሪሕ ንግዳዊ መሻርኽቲ ልዕሊ 120 ሃገራት ኰይና ኣላ፤ ሺ ግን ኣብ እዋን ዑደት ትራምፕ ኣዝዩ ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎ ክመስል ከም ዘይክእል ይፈልጥ እዩ።
"እቲ ዑደት ብዘይ ገለ ጸገም ክሳብ ዝቕጽልን ትራምፕ ብኣኽብሮት ከም ዝተታሕዘ ክሳብ ዝስምዖን፡ እቲ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድና ዘሎ ዘይምቹእ ህድኣት ኣብ ቦታኡ ክጸንሕ እዩ። ብኣንጻሩ ትራምፕ ክብሩ ዝተተንከፈ ወይ ዝንኣሰ ኰይኑ እንተ ተሰሚዑዎ፡ ሽዑ ልቡ ክቕየር ይኽእል'ዩ፡" ይብል ኣብ ኢንስቲትዩት ብሩኪንግስ ዳይረክተር ማእከል ቻይና ጆን ኤል ቶርንተን ዝዀነ ራያን ሃስ።
መጻኢ ኤኣይ
ቻይና፡ መጻኢ ዝተቘጻጸረት ሃገር ክትከውን ኣብ ንሕንሕ እያ ትርከብ።
ኣብ ኪነታዊ ብልሕንን ሰብ ዝመስሉ ሮቦታትን ድማ ብዙሕ ወፍሪ ትገብር ኣላ።
እዚኦም ኣካል ናይቲ ሺ "ሓደስቲ ኣፍረይቲ ሓይልታት" ኢሉ ዝገልጾም ኰይኑ፡ ንቝጠባ ቻይና ንቕድሚት ከሰጕሙ ተስፋ ይግበረሎም።
ብዙሓት ሓንጸጽቲ ፖሊሲ ኣመሪካ ግን፡ ወግዓዊ ፖሊሲ ቻይና፡ ንውሽጣዊ ኢንዱስትሪታቶም ንምስጓም ቴክኖሎጂ ኣመሪካ ምብላጽ ወይ ብቐጥታ ምስራቕ ምዃኑ ይኣምኑ።
ንኣብነት፡ ካብ ኣመሪካውያን ኣፍረይቲ ተቓውሞታት እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ሰደድ ናይቶም ሓደስቲ ማይክሮፕሮሰሰራት ገደብ ክግበር ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።
ጉዳይ ዋንነትን ኣሰራርሓን ናይቲ ህቡብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቲክቶክ፡ ነቲ ብተደጋጋሚ ብክስን ጥርጣረታትን ዝተሸፈነ ምትእስሳር ኣመሪካን ቻይናን ኣብ ቴክኖሎጂ ሳሕቲ ዝረአ ዘሐጕስ ክስተት እዩ ነይሩ።
እዚ፡ ምናልባት እቲ ወሳኒ ሓድሽ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ዘመናዊ ግዜ ክኸውን ዝኽእል፤ ስርዓታት ኤኣይ ንምምዕባል ኣብ ዝግበር ውድድር ድማ ናይ ባዕሉ እጃም ይጻወት ኣሎ።
እቲ ጉዳይ ዝተሓላለኸ ኰይኑ፡ ከም በዓል ዲፕሲክ ዝኣመሰሉ ቻይናውያን ኩባንያታት ናይ ኣመሪካ ኤኣይ ይሰርቁ ኣለዉ ብዝብል ክሲ ኣመሪካ ምህላዉ'ዩ።
"መኽፈቲ ምዕራፍ ዝሑል ኲናት ኤኣይ ይቕልቀል ኣሎ" ይብል ዪንግይ ማ፡ ኣብ ብሩኪንግስ ኢንስቲትዩት ዝሰርሕ ጆን ኤል ቶርንተን ።
"ዋይት ሃውስ ንቻይና ብ'ኢንዱስትሪያዊ ደረጃ' ስርቂ ሞዴላት ኤኣይ ኣመሪካ ክኸስስ እንከሎ፡ በይጂን ድማ ሜታ፡ ኣብ ሲንጋፖር ዝመደበሩ ብቻይና ዝተመስረተ ናይ ኤኣይ ጀማሪ ትካል ማኑስ ከይገዝእ ከም ዝተንቀሳቐሰት ይንገር። እቲ ዝዓሞቐ ውድድር መን ናይ መን ሞዴል ይቐድሕ ዝብል ዘኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ቀጻሊ ወለዶ ኤኣይ ክሃንጽ ዝኽእል መን'ዩ ዝብል እዩ።"
ሮቦታት ቻይና ኣብ በይጂን ኣብ ዝካየድ ማራቶን ምርኢት ከቕርቡ፡ ምንቅስቓስ ሳዕስዒት ኩንግ ፉ ክገብሩን ካብ ደቂ ሰባት ንላዕሊ ቅልጡፍ ውድድር ክገብሩን ዓቕሚ ኣለዎም።
ኩባንያታት ቻይና ግን ኣካላት ናይዞም ሮቦታት ኣብ ምህናጽ ንፉዓት'ኳ እንተዀኑ፡ ብዙሓት ግን ገና ሓንጎል ናይቶም ሓደስቲ ምህዞታት ፕሮግራም ኣብ ምግባር ይሰርሑ ኣለዉ።
እቲ ዝበለጸ ኤኣይ ንምህናጽ፡ ቻይናውያን ኩባንያታት ላዕለዋይ ደረጃ ዘለዎም ናይ ኮምፒተር ቺፕስ የድልዮም፣ እዚኦም ድማ ካብ ኣመሪካ ዝመጽኡ እዮም።
ኣብዚ እዩ ቤጂንግ ኣብ ልዕሊ ፍሉያት ማዕድናት ምድሪ ዘለዋ ሓይሊ ክትጥቀመሉ እትኽእል፣ እዚ ድማ ትራምፕ ብንጹር ክቈጻጸሮ ዝደሊ ነገር። ቻይና ኣስታት 90% ናይቲ ኣብ ዓለምና ንዘመናዊ ቴክኖሎጂ ከም- ስማርትፎናት፡ ተርባይናት ንፋስን ሞተር ጀትን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ነገራት ንምስራሕ ዝውዕል ማዕድን ትምስርሕ።
ስለዚ፡ ክግበር ዘለዎ ውዕል ክህሉ ይኽእል እዩ። ኣመሪካ፡ ላዕለዋይ ደረጃ ቺፕስ ሂባ ማዕድናት ቻይና ክህልዋ ይኽእል እዩ።
እዚ ናይ ቻይና ናይ ገዛእ ርእሳ መጻብቦ ሆርሙዝ እዩ - ኣብ ዝዀነ እዋን ነቲ ቀረብ ደው ከተብሎ ትኽእል እያ።
ንዅሉ እቲ ክልቲኦም ወገናት ክሽፍንዎ ዘለዎም ፖሊሲ መሬት፡ ዑደት ትራምፕ፡ ኣኼባታትን ፍጻመታትን ድማ ንሓሙስን ዓርብን ተዳልዩ ኣሎ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ተጨባጢ ስምምዓት ንኽበጽሑ ብዙሕ ግዜ ዘይክህልዎ ይኽእል'ዩ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጺር ርክብ'ውን እንተዀነ፡ ንዝመጽእ ዓመታት ኣብ መንጐ ክልቲአን ልዕለ ሓያላን ሃገራት ንዝካየድ ዘተ፡ ከምኡ'ውን ዝምድናታት መሰረት ዘንጽፍ ክኸውን ይኽእል'ዩ።