ኣመሪካ፡ ኣብ ሰለስተ መዓልታት ንኻልኣይ ግዜ ንዒላማታት ኢራን ኣጥቂዓ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣገዳሲት ወደባዊት ከተማ ባንዳር ዓባስ ንዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር፡ ሓድሽ መጥቃዕትታት ፈፂሙ።

ማእከላይ እዚ ኣመሪካ (Centcom)፡ ሓይልታቱ "ኣብ ከባቢ መፃብቦ ሆርሙዝ ስግኣት ዝፈጠራ" ኣርባዕተ ብኢራን ዝተሰርሓን ናብ ሓደ ዝኣንፈተ መጥቃዕቲ ዝፍፅማን ድሮናት ከም ዘውደቐ ገሊፁ።

እቲ ኣብ በንደር ዓባስ ዝርከብ መደበር፡ ሓምሻይ ድሮን ክውንጭፍ ኣብ ዝተዳለወሉ ግዜ ከም ዝተወቕዐ እቲ እዚ ወሲኹ ገሊፁ።

ማዕከናት ዜና ኢራን ብወገነን፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ከተማ ድምፂ ነትጒታት ከም ዝተሰምዐ ሓቢረን።

ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራን ዝተበፅሐ ተነቃፊ ግዝያዊ ምቍራፅ ተፃብኦ ኣብ ዝቐፀለሉ እዩ እዚ መጥቃዕትታት ዝፍፀመ ዘሎ።

እቲ ኣብ መፃብቦ ሆርሙዝ ንዝካየድ ምንቅስቓስ መራኽብ ዝዀለፈን ምውሳኽ ዓለማዊ ዕዳጋ ነዳዲን ፀዓትን ዝደረኸን ሰለስተ ኣዋርሕ ዘቝፀረ ኵናት ንምግታእ ይካየዱ ዘለዉ ነዋሕቲ ዘተታት፡ ገና ፍረ ኣየፍረዩን።

ኣመሪካ ርእሰ ምክልኻል ብዝብል፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ንኻልኣይ ግዜ እያ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ኢራን መጥቃዕትታት ፈፂማ ዘላ።

እዚ ሓደሽቲ መጥቃዕትታት ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተበፅሐ ምቍራፅ ተፃብኦ ከፍርሶ ይኽእል እዩ።

ማእከላይ እዚ ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ፡ "ብልክዕ ዝተወሰደን ተዅሲ ደው ምባል ንምቕፃል ዝዓለመን፡" ብምባል ገሊፅዎ።

ኣብ መፈለምታ ናይዚ ሰሙን፡ ኣመሪካ ኣብ ደቡባዊ ኢራን ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ፡ ነቝጣታት ሚሳይልን ኣብቲ ብኣሽሓት ዝቝፀራ ንግዳዊ መራኽብ ተኸርዲነናሉ ዝርካባ መፃብቦ ሆርሙዝ ነታጕ ንምፍንጃር ዝፈተና ጃላቡን ዒላማ ከም ዝዀኑ፡ እቲ ማእከላይ እዚ ገሊፁ ነይሩ።

ማእከላይ እዚ ኣመሪካ፡ እዞም መጥቃዕትታት "ወተሃደራትና ካብ ሓይልታት ኢራን ካብ ዝመፅኡ ሓደጋታት ንምሕላው'ዩ፡" ምባሉ ይዝከር።

ቴህራን፡ ነዞም መጥቃዕትታት "ከቢድ ጥሕሰት ምቍራፅ ተፃብኦ" ብምባል ኰኒና። መንግስቲ ኢራን "ንሕድሕድ መጥቃዕቲ ዓፀፋዊ ግብረመልሲ ከም ዝህብ፡" ድማ ተሓንያ።

እስላማዊ ሰውራ ሓለዋ ኢራን፡ ብሰሉስ ንድሮን ኣመሪካ ወቒዑ ከም ዘውደቐን ካልኦት ናብ ክሊ ኣየር ኢራን ኣብ ልዕሊ ዝኣተዋ ነፈርቲ ውግእን ድሮንን ከም ዝተኰሰን ገሊፁ። እዞም ስጕምትታት መዓስ ከም ዝተወሰዱ ግና ኣየነፀረን።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብረቡዕ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ካቢነ፡ "ዝተዳኸመት ኢራን ብዘይገለ ሓይሊ ሚዛን ትዛተ ኣላ፡" ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝወለዖ ኲናት በቲ ኣብ ሕዳር ዝካየድ ናይ መፋርቕ ግዜ ስልጣን መረፃታት ከም ዘይፅለዉ ድማ ገሊፁ።