ትጽቢት 22 ዓመታት፡ ኣርሴናላውያን ንዓወቶም ከመይ ጸንቢለሞ?

መግለጺ ቪድዮ, ተጻወተቲ ኣርሴናል ነቲ ዓወት ኣብ መሰልጠኒ ማእከል እታ ጋንታ ብምዃን'ዮም ጸንቢለሞ
Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

እዘን ዝሓለፋ 22 ዓመታት ንተጻወትተን ደገፍቲ ኣርሴናልን ቀለልቲ ዓመታት ኣይነበራን፤ ብዙሕ ግዜ ካልኣይቲ እናወጽአት 'ሰክራም ገዛኡ ኣይጠፍኦን'ዩ' እናተብሃሉ ካልኣይ'ምበር ቀዳማይ ምውጻእ ናቶም ከምዘይዀነት ተባጭይሎም'ዩ።

እዚ ግን ትማሊ መኸተምታ ተገይረሉ፡ ስለዚ'ዩ ትማሊ ሰሉስ ንተጻወተቲ ኣርሴናልን ንደገፍታን ፍልይቲ ምሸት ዝግበራ።

ስእሊ ንምሃብ፡ ኣርሴናል ሓንቲ ጸወታ ተሪፋታ ብ82 ነጥቢ ኣብ ቅድሚት፡ ማንቸስተር ሲቲ ከኣ ነታ ናይ ትማሊ ጸወታኣ ሓዊስካ ክልተ ጸወታ ተሪፍዋ ብ77 ነጥቢ ሒዛ'ያ ትማሊ ምሸት ናብ በርንማውዝ ገይሻ።

ማንቸስተር ምስ እትዕወት፡ ምስ ኣርሴናል ዝህልዋ ናይ ነጥቢ ፍልልይ ናብ ክልተ ስለዝወረድ ሰንበት ኣብ ዘካይደኦ ጸወታ ዋንጫ ኣርሴናል ምስ እትስዓር'ሞ ማንቸስተር ሲቲ ከኣ ምስ እትዕወት ዋንጫ ትወስድ።

ማንቸሰተር ሲቲ ምስ በርንማውዝ ኣብ እትገብሮ ጸወታ ምስ እትስዓር ወይ ማዕረ ምስ እትወጽእ ግን ኣርሴናል ብቐጥታ ሻምፕዮን ዝገብር ጸወታ'ዩ ነይሩ።

ተጻወትቲ ኣርሰናል ብሓባር ኮይኖም'ዮም ነዚ ጸወታ ተኸታቲለሞ፡ ደገፍቲ መድፍዐኛታት'ውን ብተመሳሳሊ ልዕሊ ደገፍቲ በርንማውዝ'ዮም ንበርንማውዝ ክድግፍዋ ኣምስዮም።

ከነሕጽሮ፡ በርንማውዝ ኣቐዲማ ሸቶ ኣመዝጊባ፤ ጸወታ ኣብ ምውድኡ ከኣ ሃላንድ ማዕረ እትገብሮም ሸቶ ኣመዝጊቡ ጸወታ በዚ ስለ ዝተዛዘመ ግን ኣርሰናል ድሕሪ 22 ዓመታት ሻምፕዮን ኰይና ተጻወትታን ደገፍታን ኣብ ጽንብል'ዮም ሓዲሮም።

ደገፍቲ ኣርሴናል በርንማውዝን ማንቸስተር ሲትን ኣብ ዝጻወታሉ ዝነበራ እዋን ኣብ ከባቢ ስታድዮም ኣርሴላን ኢማራትንስ ኣብ ዘለዋ ክለባት ተኣኪቦም'ዮም ነቲ ጸወታ ብኣንክሮ ተኸታቲለሞ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ደቡባዊ ገማግም ዓዲ እንግሊዝ ናይ መወጻእታ ፊስካ ምስ ተነፈሐት ከኣ ኣብ ሰሜን ለንደን ናይ ሓጎስ ፈንጠዝያ ተጀሚሩ።

መኸተምታ ትጽቢት 22 ዓመታት ዘግሃደ ጽንብል።

ተጻወትቲ ኣርሴናል'ውን ኣብ ማእከል መሰልጠኒ እታ ጋንታ ኰይኖም'ዮም ነቲ ጸወታ ብሓባር ተኸታቲለሞ።

እዚ ኣብ ኣርሰናል ቅድሚ ሕጂ ዘይጠዓም'ውን ዓወት'ዩ።

ብሓጎስ ከኣ "Campeones, Campeones, Ole Ole Ole!" ክጭድሩ ኣምስዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓለቓ ጋንታ ኣርሴናል ደክላን ራይስ፡ ብማንቸስተር ሲቲ ምስ ተሰዓሩ "ገና ኣይተወደአን [it's not done]" ኢሉ ንተጻወትቲ ፍናኖም ከበርኽ ዝፈተኖ፡ እንሆ ብሓቂ ከኣ እቲ ጸወታ ብዓወት ማንቸስተር ሲቲ ከም ዘይተወደአ ትማሊ ተራእዩ።

ደክላን ራይስ ትማሊ ጸወታ ምስ ተዛዘመን ኣርሴናል ዋንጫ ከም ዝወሰደታ ምስ ተረጋገጸን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ "ሕጂ ተወዲኡ [It's done]" ኢሉ 'ፖስት' ገይሩ።

ብሓቂ ከኣ ብዓወት ኣርሰናል ተወዲኡ'ዩ።

ኣሰልጣኒ ሚከል ኣርቴታ ኣብ ኣርሴናል ብዘይ ዋንጫ ንሸውዓተ ዓመት ድሕሪ ምስልጣን'ዩ ነዛ ዋንጫ ክወስዳ ክኢሉ፡ እዚ ከኣ ሓደ ኣሰልጣኒ እኹል ግዜ እንተተዋሂብዎ ዓወት ከምጽእ ከም ዝኽእል ዘርኢ'ዩ።

ኣብ ፕሪሜር ሊግ ሓላዊ ልዳት ኮይኑ ዝተጻወተ ፖል ሮቢንሶን ምስ ቢቢሲ ራድዮ 5 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ኣርቴታ ኣብዛ ጋንታ ነዊሕ'ዩ ጸኒሑ፡ ንሓደ ኣሰልጣኒ ክትህቦ እትኽእል ዝበለጸ ህያብ ከኣ ግዜ'ዩ" ኢሉ።

"ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ክትህቦም [ንኣሰልጠንቲ] ትኽእል ኢኻ እቲ ሰልዲ ግን ኣብ ጋንታ፡ ኣብ ጸወታ፡ ኣብ መቐየሪ ክዳን ናብ ዓወት ዘብጽሓ መንፍስ ኣብ ምዝራእ'ዩ ክውዕል ዘለዎ፡ ንኣሰልጣኒ እኹል ግዜ ምሃብ፡ እዚ ከኣ እኹል መርትዖ'ዩ" ኢሉ።

ሕጂ ሕልሚ ደገፍቲ መድፈዐኛታት ናብ ቻምፕዮንስ ሊግ'ዩ

መግለጺ ቪድዮ, ደገፍቲ ኣርሴናል ድሕሪ ዓወት ጋንታኦም ብሓጎስ እናጸንበሉ

ተጻወትቲ ኣርሴናል ኣብ 2003-2004 ከይተሰዓሩ ዋንጫ ምስ ዓተሩ፡ ካልአይቲ ጽዋእ ንምዕታር ኣስታት ርብዒ ዘመን ክወስደሎም'ዩ ዝብል ግምት ኣይነበረን።

ደጋፊ መድፈዐኛታት ማት ኣብ ቢቢሲ ስፖርት ላይቭ 5 ኣብ ዝስፈሮ ጽሑፍ "ተመርዕ፡ ወሊደ ወደይ'ውን ኮተቴ ኮይኑ ኣሎ፡ ተፋቲሐ፡ እዚ ኩሉ ኣርሴናል ኣብ 2004 ዋንጫ ድሕሪ ምውሳዳ ዝዀነ'ዩ" ኢሉ።

ካልእ ባሪ ዝተባህለ ደጋፊ መድፍዐኛታት'ውን "ኣርሰናል ከይተዓወተት ኣይሰትዮን'የ ኢለ ዝዓቐብክዎ ቢራ ነይሩ፡ መዓልቲ ካብ ዘሕልፍ ከኣ ሓሙሽተ ዓመታት ገይሩ ኣሎ፤ ክሰትዮ'የ ጽቡቕ ዕድል ተመነዩለይ፡" ኢሉ።

ደገፍቲ ኣርሴናል ከምቲ መኮርመዩ ዝረኸበስ መሳፍሒ ነይስእን ዝብሃል፡ ጽንብል ፕሪሜርሊግ ከይዛዘሙ ናብቲ ጋንታኦም ኣብ 30 ግንቦት ኣንጻር ፒኤስጂ ተካይዶ መዛዘሚ ጸወታ ቻምፕዮንስ ሊግ ከማዕድዉ ጀሚሮም ኣለዉ።

ደጋፊ ኣርሴናል ችሎአ ምስ ቢቢሲ ራድዮ 5 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ርግጸኛ'የ ክንዕወት ኢና፡ ፒኤስጂ ከበድቲ መጋጥምቲ'ዮም ግን እቲ ጽምኢ ናይ ዋንጫ ምሳና ስለዘሎ ግዜና'ዩ መዓልትና ክትከውን" ኢሉ።

ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መልእኽትታት

ኣርሰናል ነዛ ዋንጫ ምስ ተዓወተትላ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓያለ ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መልእኽትታት'ዩ ዝውሕዞም ዘሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ሰር ኬር ስታርመር ሓደ ካብቶም ደገፍቲ ኣርሴናል ኮይኑ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ "22 ዓመታት ትጽቢት ንኣርሴናል፡ ኣብ መወዳእታ ግን ናብቲ ዝግብኣና ተመሊስና ኣለና፡ ሻምፕዮን ኢና" ኢሉ።

ከንቲባ ከተማ ለንደን ሳዲቕ ከሃን'ውን "ኣርሴናል እንቋዕ ሓጎሰና፡ ኣርሴናል ን22 ዓመታት ተሰሪሓ ኣብ ኣስታት ዓሰርተ ዓመታት እታ ቀዳማይቲ ካብ ለንደን ነዚ ዋንጫ ክትዕወተሉ ዝኸኣለት ጋንታ ኮይና ኣላ" ኢሉ።

ሸውዓት ግዜ ኣብ ውድድር ፎርሙላ ዋን ሻምፕዮን ክኸውን ዝኸኣለ ለዊስ ሃሚልቶን ኣብ ኢንስታግራም፡ መድፈዐኛታት ንዓወቶም እናጸንበሉ ዘርኢ ስእሊ ኣሰንዮ "Come On You Gunners." ብምባል እንቋዕ ሓጎሰና ኢሉ።

ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ሲቲ ፔፕ ጓርድዮላ ጋንታኡ ምስ በርንማውዝ ማዕረ ድሕሪ ምፍልላያ፡ ኣርሰናል ከም ዝተዓወተት ስለዝተረጋገጸ ንኣርቴታ እንቋዕ ሓጎሰካ ኢልዎ።

"ቀሪብና ኢና ኔርና፡ ብሽም ማንቸስተር ሲሪቲንኣርቴታ፡ ንስታፋቱ፡ ንተጻወትትን ንደገፍትን ዋንጫ ብምዕዋቶም እንቋዕ ሓጎሰኩም እብሎም፡ ይግብኦም'ዩ" ኢሉ።

መግለጺ ቪድዮ, ደገፍቲ ኣርሴናል ንዓወት ጋንታኦም እናጸንበሉ