ኢራን ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ንኽትሳተፍ ተረርቲ ጠለባት ኣቕሪባ

Fifa World Cup 2026 ዝብል ጽሑደፍ ኣብ ስታድዮም ይረአ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኢራን ኣብዚ ኣብ ሰነ ዝካየድ ውድድር ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ከም እትሳተፍ ገሊጻ፣ እንተዀነ ምስዚ ኢራን ምስ ኣመሪካን እስራኤልን ተካይዶ ዘላ ኵናት ተታሓሒዙ ብዛዕባ እታ ሃገራዊት ጋንታ ብዙሕ ይበሃል ስለ ዘሎ፡ ኣቐዲሙ ካብ ፊፋን ካብ ኣአንገድቲ እቲ ውድድርን ምሉእ ውሕስነት ክወሃባ ጠሊባ ኣላ።

ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢራን፡ "ካብ ባህልናን እምነትናን ብዘይዝዀነ ይዅን ምድሕርሓር" ኣብቲ ውድድር ክትሳተፍ ምዃና ብምግላጽ፡ እንተዀነ ኣአንገድቲ ናይቲ ውድድር ዝዀና ሃገራት "ስክፍታታትና ኣብ ግምት ከእትዋ ኣለወን" ኢሉ።

እቲ ጠለብ፡ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኢራን መሀዲ ታጅ ኣብቲ ኣብ ካናዳ ዝተኻየደ ዋዕላ ፊፋ ንኸይሳተፍ ብመንግስቲ ካናዳ ቪዛ ድሕሪ ምኽልካሉ'ዩ ዝቐርብ ዘሎ።

ብድሕሪ እዚ'ዩ ታጅ፡ ኢራን ኣብቲ ብ11 ሰነ ኣብ ኣመሪካ፡ ሜክሲኮን ካናዳን ዝጅምር ዋንጫ ዓለም ንኽትሳተፍ ንፊፋ 10 ቅድመ ኩነት ከምዘቕረበት ኣፍሊጡ።

ሓደ ካብቲ ዝቐረበ ጠለብ ኩሎም ተጻወትቲ፡ ኣሰልጠንቲን ምስታ ሃገራዊት ጋንታ ዝገሹ ሰብመዝን ዋላ እቶም ምስ እስላማዊ ሰውራ ሓለዋ ኢራን ወተሃደራዊ ስልጠና ዝወሰዱ ቪዛ ክወሃቦም ዝሓትት'ዩ።

እዚ ዘቕረበትሉ፡ ኣባላት እስላማዊ ሰውራ ሓለዋ ኢራን ኣብ ካናዳን ኣመሪካን ከም ግብረሽበራውያን ስለ ዝግለጹ'ዩ፡ ታጅ ናብ ካናዳ ከይኣቱ ዝተኸልከለሉ ምኽንያት'ውን እዚ ምዃኑ ተሓቢርዎ'ዩ።

ብዘይካ'ዚ ኢራን ንኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኢራን፡ ንባንዴራ ኢራንን ንሃገራዊ መዝሙር ኢራንን ልክዕ ከም ኩለን ሃገራውያን ጋንታታትን ሃገራዊ መዝሙረንን ባንዴራአንን ብኽብሪ ክርኣዩ'ያ ትጠልብ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ሆቴላተን ኣብ ስታድዮማትን ንኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ግቡእ እኹል ሓለዋ ክግበረሎም'ውን ኢራን ጠሊባ ኣላ።

ፊፋ ንሎጂስቲካዊ ጠለባት ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ ምምላእ፡ ኣብ እዋን ጸወታ ዝህሉ ፕሮቶኮል ኣብ ምምራሕ ሓላፍነት ክወስደሉ ይኽእል'ዩ፣ ንኸም ቪዛ፡ ሓለዋን ዝኣመሰለ ግን ሓላፍነት አአንገድቲ ሃገራት ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ።

ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ኣብ ዋንጫ ዓለም ክሳተፉ ኣመሪካ መርሓባ ኢላ ከም እትቕበሎም ገሊጹ እዩ።

እንተዀነ፡ እቶም ምስ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ምትእስሳር ዘለዎም ውልቀሰባት ግን ቪዛ ከም ዘይወሃቡ ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ።

እዚ ድማ ንፊፋ ኣብ መንጎ ምርግጋጽ ተሳትፎ ኩለን ዝሓለፋ ሃገራውያን ጋንታታትን ኣብ ዙርያ ዝምድናታት ቴህራንን ዋሽንግተንን ዘሎ ፖለቲካዊ ክውንነት ብረቂቕ ሚዛና ክሓልፍ ኣገዲድዎ ኣሎ።

እስራኤልን ኣመሪካን ብ28 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኢራን ሰፊሕ መጥቓዕቲ ምስ ጀመራ ኢራን ከኣ ከም ግብረ መልሲ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ኣለወን ዝበለትን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን መጥቃዕቲ ኣካይዳ።

እቲ ወጥሪ ከኣ ክሳብ ሕጂ ኣይሃደአን ዘሎ።

ገለ ካብቲ ካልእ ጠለባት ኢራን'ውን ንምትግባሩ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሰበስልጣን ኢራን ጋዜጠኛታት ኪኖ "ጉዳያት ኩዕሶ እግሪ" ካልእ ሕቶታት ካብ ምሕታት ክቑጠቡ'ውን ሓደ ካብ ጠለባቶም ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብ ጉዳይ ኢራን ግን ኣብ መንጎ ኩዕሶ እግርን ፖለቲካን ዘሎ ዶብ መብዛሕትኡ ግዜ ዝተሓዋወሰ'ዩ።

ኣብ ዙርያ ምምራጽ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኢራን'ውን ስፖርታውን ፖለቲካውን ሸነኻት ብሓንሳብ ዘጣመረ ምዃኑ'ዮም ምስታ ሃገራዊት ጋንታ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ዝገልጹ።

እዚ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ኣብ ኣውስትራልያ ዝተኣንገደ ውድድር ዋንጫ ኩዕሶ እግረ እስያ ደቂ ኣንስትዮ ኣተኣሳሲርና ምስ እንርእዮ፡ ሓያለ ካብ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ኣብ ኣውስትራልያ ፖሎቲካዊ ዕቝባ ምስ ሓተታ ኣብ ኢራን ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ኣኸቲሉ ነይሩ'ዩ።

ሸውዓት ካብ ኣባላት እታ ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ኣብ ኣውስራልያ ዕቝባ ተዋሂቡወን እኳ እንተ ነበረ፡ ሓሙሽተ ካብአን ሓሳበን ብምቕያር ናብ ሃገረን ተመሊሰን።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ ኢራን ኣሚር ጋላኖይ ንኢራን ዘሳትፍ ገለ ጸወታታት ብፖለቲካዊ ሃዋህው ክዕብለል ከም ዝኽእል ስክፍትኡ ገሊጹ ነይሩ'ዩ።

ዋላ'ኳ እቲ ወጥሪ እንተ ሃለወ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኢራን ካብቲ ውድድር ክትስሕብ ከም እትሓስብ ዝሕብር ምልክት የለን።

ኣብ ክንድኡ፡ እዞም ዳሕረዎት ምዕባለታት፡ ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ፊፋ፡ ኢራንን ኣመሪካን ብዛዕባ ተሳትፎ ኢራን ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ዋንጫ ዓለም ኣብ ዝምልከት ብድሕሪ መጋረጃ ዝተሓላለኹ ዘተታት ይካየዱ ምህላዎም ዘርኢ'ዩ።