መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብርኪ ክህልዎ'ዩ

Published

ወሃቢ ቃለ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ኣለም ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኢትዮጵያ ኣብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ናይ 20 ሚእታዊት ብጽሒት ከምዝህልዋ ሓቢሩ።

ምስ ኤርትራ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዓት ናብ ተግባራዊነት ዝሰግረሉ ሰዓት ከምዝበጸሐ'ውን ገሊጹ።

ናይ ኣየርን ናይ ወደብ ኣገልግሎት ንምጀማር ምድላዋት ይግበር ምህላዉ ኣፍሊጡ'ሎ።

ኣብ ኣስመራ ሓሙሽተ ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዓት፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ከምዝተፈረመ ዝዝከር ኮይኑ ናብ ተግባራውነት ንኽሰጋገር ከምዝተጻፈፈ እቲ ካብ ሚኒስተሪ ወጻኢ ጉዳያት ዝወጸ መግለጺ ይሕብር።

ኣብ ሳልሳይ ዓንቀጽ ካብ ዝሰፈረ ነጥቢ እቲ ሓደ፡ ምጅማር በራራን ናይ ንግዲ ርክባትን ኮይኑ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ ዕስራ ዓመታት ጽባሕ ረቡዕ 465 ሰባት ጽዒኑ ናብ ኣስመራ በረርኡ ክጅምር'ዩ።

ኣብ ኣስመራ ቤት ጽሕፈት መሸጣ ትኬት ምኽፋቱ ከኣ ወሲኹ የብርህ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ 20 ሚእታዊት ብጽሒት ክህልዎ'ዩ።

ወደብ ዓሰብ ንኢትዮጵያ ኣገልግሎቱ ክጅምር ክልቲኦም መራሕቲ ከምዝተረዳድኡ ዝሕብር እቲ መግለጺ፡ ብወገን ኤርትራን ኢትዮጵያን ምሉእ ምድላዋት ተጀሚሩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ናብ ዓሰብ ዝወስድ መንገዲ ናይ ምሕዳስ መስርሕ ይካየድ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፤ ብፍላይ ኣብ ዶብ ዝርከቡ ህዝብታት ዓፋርን ትግራይን ህዝቢ ንህዝቢ ዘተ ንኽጅምሩ ክልቲአን ሃገራት ይሰርሓ ምህላወን ኣረዲኡ።

ኣብ ዲፖሎማሲያዊ መዳይ ናብቲ ቀደም ዝነበሮ ንምምላስ ድሮ ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝተኸፈተ ኣዘኻኺሩ'ሎ።

ኢምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ንምኽፋት ከኣ ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ይሕብር እቲ መግለጺ ይሕበር።