እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ፡ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊታ
Published
ኤርትራዊት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ሎሚ ኣብ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ደጉ 2022፡ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዋቲታ።
ጓል 32 ዓመት ናዝሬት፡ ንውድድራ ብ2 ሰዓት፡ 21 ደቒቕን 25 ካልኢትን ቀዳመይቲ ብምዃን ውድድራ ዛዚማ።
በዚ ሎሚ ዘመዝገበቶ ግዜ ድማ 3 ክብረ ወሰናት ከም ዘመሓየሸት ተገሊጹ።
ናዝሬት ወልዱ በዚ ትማሊ ዘመዝገበቶ ሰዓት ኣቐዲማ ሒዛቶ ዝነበረት ናይ ውልቃ ግዜ: ናይ ኤርትራ ብደቂ ኣንስትዮ ተመዝጊቡ ዝጸንሐ ሰዓት ከምኡ'ውን ቅድሚ ሕጂ ብኬንያዊት ማርጋሬት ኣጋይ ተመዝቡ ዝነበረን ሰዓት ብምምሕያሽ'ያ ክብረ ወሰን ሒዛ።
ኣብቲ ውድድር ኬንያውያን ፓሜላ ሮቺን ጁዲየዝ ጀሪበትን 2ይን 3ይን ተርታ ሒዘን ውድድረን ዛዚመን።