ኢትዮጵያ፡ 'ዕጡቓት ዓፋር' መጥቃዕቲ ፈጺሞም

Published

ኣብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሓደ ሰብ ከም ዝተቐትለ ሰብመዚ እቲ ክልል ሓቢሮም።

ኣብቲ ኣብ ከባቢ ገዋኔ ዝተባህለ ቦታ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብባጃጅ ኣብ ልዕሊ ዝጉዓዙ ዝነበሩ ሰባት ተኹሲ ተኸፊቱ ሓደ ሰብ ከም ዝሞተ ሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ሰላምን እቲ ክልል ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ ገሊጾም።

ንሶም ከም ዝበሉዎ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ መምሃራን ኮሌጅ ሕርሻ'ዩ ተፈጺሙ። ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓደ ሰብ ምቑሳሉ'ውን ተገሊጹ።

"እቶም ዕጡቓት ኣብ መንጎ ዓፋርን ኢሳን ግጭት ኣልዒሎም'ዮም ዝተብሃሉ ብመንግስቲ ዚእለሹ ዘለው'ዮም" ኢሎም እቶም ሓላፊ።

ኣቶም በዓል መዚ፡ ቅድም ክብል'ውን እቶም ዕጡቓት ኣብ ከተማ ገዋኔ ኣትዮም ሓደ ሰብ ቀቲሎም፡ ካልእ ሓደ'ውን ኣቑሲሎም ከም ዝነበሩ ጠቒሶም።

ወዲ ሸሞንተ ወርሒ ህጻን ድማ ከም ዝጨወይዎ ኣቶ ኣሕመድ ሓቢሮም።

ቅድሚ ቁሩብ ሰሙናት፡ ምኽንያት ሞት ሓደ ሰብ ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ ፖሊስ ትግራይ ዝተፈጸመ ጥቕዓት'ውን ምስዚ ዕጡቕ ጉጅለ ዝተትሓሓዘ ምኻኑ ኣመልኪቶም።

ኣብቲ ከባባኢ ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ይፍጸም ብምህላዉ፡ ሰራዊት ምክልኻል ሓለዋ ክገብር ከም ዝተዋፈረ ዝጠቐሱ ኣቶ ኣሕመድ፡ ህዝቢ ዓርሱ ክሕሉ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብዝፍጸሙ ዘለዉ መጥቃዕትታት ሂወት ብዙሓት ሰባት የጥፍእን፡ ከቢድ ዕንወት የኸትልን ኣሎ።

መብዛሕትኦም እቶም ግጭታት፡ ብሄር መሰረት ዝገበሩ ምዃኖም ይንገር።