ረኽስን ቍስልን ናይ ምፍዋስ ሓይሊ ዘለዎም ኣታኽልቲ- ሓድሽ ርኽበት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ድሕሪ 20 ዓመታት ዝወሰደ ትዕዝብቲ፡ ረኽስን ቍስልን ናይ ምፍዋስ ባህርያት ዘለዎም ኣገደስቲ ኣትክልቲ ኣለልዮም ኣለዉ።
ኦራንጉታን [ዓይነት ጐሪላ] ናብ ኦም ተጸጊዖም ወይ ተንጠልጢሎም፡ ዝዀነ ቈጽሊ ክበልዑ ክንርኢ ከለና፡ ምናልባት ኣብ ቅድሚኦም ዝረኸብዎ ተኽሊ ጥራይ ዝምገቡ ይመስለና ይኸውን። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኰነን።
እቲ ሓድሽ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኦራንጉታን ቍስሊ ናይ ምፍዋስ ባህርያት ዘለዎም ኣትክልቲ ኣልሾም እዮም ዝምገቡ።
እዚ መጽናዕቲ እዚ፡ ኣብ ቦርንዮ፡ ኢንዶነዥያ፡ ኣብ በረኻ ን20 ዓመታት ዝተገብረ ትዕዝብቲ መሰረት ብምግባር ዝተረኽበ ውጽኢት ዝሓዘ እዩ።
ብመሰረት እቲ ሓድሽ ርኽበት፡ ኦራንጉታን ዝበልዕዎም ኣትክልቲ ብምውህሃድ "ንነብሶም ክሕክሙ" ከም ዝኽእሉ ይሕብሩ።
እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ ማእከላይ ካሊማንታን ኣብ ዝርከብ ጫካ ንነዊሕ እዋን ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ኣብ ኣነባብራን ኣመጋግባን ኦራንጉታን መሰረት ገይሩ ዝተበጽሐ ውጽኢት እዩ። እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ መንጎ እቶም እንስሳታት ብዘይስሩዕ መንገዲ ዝግበር ውህደት ኣመጋግባ እውን ዳህሲሱ ኣሎ።
እቶም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ እቶም ኦራንጉታን ነቶም ናይ ምፍዋስን ምሕዋይን ረብሓ ዘለዎም ኣእዋም፡ ኣብ ክንደይ ግዜን መዓስን ከም ዝበልዑዎም ገምጊሞም ኣለዉ።
ገለ ኣትክልቲ ድማ ልዕሊ እቲ ዝተገመተ፡ ኣብ ኣመጋግባ ኦራንጉታን ብኸመይ ከም ዝጥቀሙሎም ዘስተውዓሉ ኰይኖም፡ ብፍላይ ጸረ-ረኽሲ፡ ጸረ-ነድሪ ወይ ፈውሲ ቍስሊ ዝዀኑ ውጽኢታውያን ባእታታት ከም ዝሓዙ ረኺቦም ኣለዉ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኤክስተር፡ ብደረጃ ማስተርስ ዲግሪ 'ዕቃበን ብዙሕነት ህይወትን' ነቲ መጽናዕቲ ዘካየደት ጆርጅያ ኣለን፡ "ኣብዚ ደረጃ እዚ፡ ኦራንጉታን ከምቲ ደቂ-ሰብ ዝገብርዎ ብተመሳሳሊ መንገዲ ንነብሶም 'ይምርምሩ' ኣለዉ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና፡" ትብል።
ንሳ ከምኡ ዝበለት፡ ነቲ ኣብ መጽሔት 'ሳይንሳዊ ሪፖርትስ' ዝተሓትመ ርኽበታት ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ እዩ።
"እንተዀነ፡ ርኽበታትና ከም ዝሕብሮ፡ ካብ ንመግቢ ብዝሰገረ ወይ ድማ ልዕሊ ንኸብዶም ምምላእ ብዝዛይድ መንገዲ፡ ንገለ መድሓኒታዊ ባህርያት ዘለዎም ኣትክልቲ ሓርዮምን ኣሊሾምን እዮም ዝበልዑዎም፡" ኢላ።
ብዙሓት ካብቶም ናይ ምፍዋስ ባህሪ ዘለዎም ኣትክልቲ፡ ብሓፈሻ ስሩዕ መግቢ ኦራንጉታን ኣይኰኑን። እዚ ማለት ድማ፡ ዝበልዑዎም ከም መዓልታዊ መግቢ ዘይኰነስ፡ ንፍሉይ ረብሓታት ጥራይ ዝምገቡዎም ክኸውን ከም ዝኽእል እቲ ርኽበት ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም ኦራንጉታን ነዚ ባህሪ እዚ ብገምሪ ዝገብርዎ ድዩ፡ ወይስ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ተሰጋጊሩ ዝመጸ ልምዲ እዩ ዝብል ዛጊት ንጹር ኣይኰነን።
ቺምፓንዚታት ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ ንውሽጣዊ ረኽሲ ሓሳኹ ዝከላኸሉ ኣትክልቲ ብምብላዕ ይፍለጡ እዮም። ከምኡ'ውን፡ ከም ቦኖቦስ፡ ጊቦንን ጐሪላን ዝኣመሰሉ እንስሳታት ዘገዳም ተመሳሳሊ ባህርያት ከም ዘለዎም ይንገር።
እቲ ብዶክተር ኪምበርሊ ሆኪንግስ ዝተመርሐን ብዶክተር ኤሎዲ ፍራይማን ዝተደገፈን መጽናዕቲ፡ እቶም ኣገደስቲ ኢሎም ዘለለዩዎም ኣትክልቲ ብገለ ካብቶም ነበርቲ'ውን ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዕሉ ኣስተውዒሉ ኣሎ።
እዚ ማለት፡ ገለ ካብቶም ፍሉያት ኣትክልቲ ብደቀባት እቲ ከባቢ ንባህላዊ ሕክምናዊ ዕላማታት ከም ዝውዕሉ እቲ መጽናዕቲ ኣጕሊሑ ኣሎ። ስለዚ፡ እቲ ጕጅለ መጽናዕቲ፡ ከምዚ ዓይነት ፍልጠት ደቀባት ምዕቃብ፡ ንሓለዋ ብዙሕነት ህይወት ተፈጥሮ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።
ኦራንጉታን ኣዝዩ ንሓደጋ ዝተቓልዐ ዓይነት እንስሳ ኰይኑ፡ ኣብ ኢንዶነዥያን ማሌዥያን ጥራይ ይርከብ። ልዕሊ 96 ሚእታዊት ዲኤንኤኦም ምስ ደቂ-ሰብ ከም ዝመሳሰል ድማ መረዳእታታት ይሕብሩ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
