ዕሸላት እንታይ ተረዲእዎም እዮም ዝስሕቑ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዕሸላት፡ ነገር ዋዛ ኣይርድኦምን። ግን ክስሕቑ ምርኣይ ዘገርም ኣይኰነን። ስለዚ መንቀሊ ስሓቖም እንታይ እዩ?
ብሓቂ ዕሸላት እንታይ እዩ ዘስሕቖም?
እዚ ንመዘናግዒ ኣብ ዝግበር ምርምር ክለዓል ዝኽእል ሕቶ ይመስል።
እንተኾነ ግን ካብ ዩኒቨርሲቲ ለንደን ካስፓር ኣዲማን መልሱ ክፈልጦ ዝደለየሉ ዕቱብ ሳይንሳዊ ምኽንያት ኣሎ።
ካስፓር ኣዲማን፡ ነዚ ሕቶ'ዚ ዘልዓለ ቀዳማይ ሰብ ኣይኰነን። ቻርለስ ዳርዊን ኣብ ዕሸል ወዱ መጽናዕቲ ሰሓቕ ኣካይዱ እዩ።
ሲግመንድ ፍሮይድ ድማ ናይ ምስሓቕ ዝንባለና ካብ ናይ ልዕልና ስምዒት ከም ዝብገስ ዝገልጽ ክልሰ-ሓሳብ ኣቐሪቡ። ስለዚ ከም ምውዳቕ ዝኣመሰለ ናይ ካልእ ሰብ ስቓይ ክንርእይ እንከለና ደስ ይብለና - ምኽንያቱ እቲ ስቓይ ኣባና ዝበጽሐ ስለዘይኰነ።
እቲ ፍሉጥ ስነ-ኣእምሮኣዊ ምሁር ምዕባለ ደቂ ሰባት ዝዀነ ዣን ፒያጀ፡ ሰሓቕ ዕሸላት ንኣእምሮኦም ንምርዳእ ኣበርክቶ ክገብር ከምዝኽእል ሓሰበ።
እንተስሒቕና፡ ብመጠኑ 'እቲ ዋዛ ተረዲኡና ኣሎ' ማለት እዩ። ጽቡቕ ዋዛ ኣብ መንጎ ፍጹም ዘይተጸበናዮን ዘደናግርን ከምኡ'ውን ዝግመትን ኣሰልቻውን ሚዛን ምሕላው እዩ።
ስለዚ ኣብ ሰሓቕ ዕሸላት ዝካየድ መጽናዕቲ፡ ንዓለም ብኸመይ ከምዝርድእዋ ንምፍላጥ ዓቢ መገዲ ክኸውን ከም ዝኽእል ምኽንያት ኣቕሪቡ።
ዣን ፒያጀ፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብ 1940ታት እዩ ኣቕሪቡ፡ እንተዀነ ግን ሕጂ እውን ገና ብግቡእ ፈተነ ክካየደሉ ዘድሊ ሓሳብ እዩ።
ገለ ኣዝዮም ፍሉጣት ተመራመርቲ ኣብዚ ጉዳይ መጽናዕቲ ኣካይዶም እኳ እንተዀኑ፡ ኣብ ዘመናዊ ስነ-ኣእምሮ ግን ሸለል ተባሂሉ እዩ ጸኒሑ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ዩኒቨርሲቲ ለንደን ካስፓር ኣዲማን፡ ነዚ ንምቕያር እዩ ተበጊሱ። ንሱ፡ ዕሸላት ንዓለም ብኸመይ ከም ዝርድእዋ ብልክዕ ንምፍላጥ፡ ሰሓቕ ኣበርክቶ ክገብር ከምዝኽእል ይኣምን።
ኣብ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ዋዕላ መጽናዕቲ ዕሸላት፡ ናይ መጀመርታ ውጽኢቱ ብምቕራብ፡ ዕሸላት እንታይ ከም ዘስሕቖም ዝገልጽ ኣብ ዓለም ዝዓበየን ሰፊሕን መጽናዕቲ ወዲኡ።
ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታኡ ካብ መላእ ዓለም ኣብ ዝመጹ ልዕሊ 1000 ወለዲ ዳህሳስ ብምግባር፡ ዕሸላቶም መዓስን ኣበይን ስለምንታይን ይስሕቑ ዝብሉ ሕቶታት ኣቕሪቡሎም።
እቲ ውጽኢት ልቢ ዘምውቕ ነይሩ። ዕሸላት ኣብ ኣስታት ሽዱሽተ ሰሙን ዕድሚኦም ናይ መጀመርታ ፍሽኽታ የርእዩ። ናይ መጀመርታ ሰሓቖም ድማ ኣብ ኣስታት ሰለስተ ወርሕን ፈረቓን ይርአ። ኣብ ገሊኦም ግን ክንድጉይ ተኽእሎ ስለዘሎ፡ ወለዲ ደቆም ብዘይ ምስሓቖም ክጭነቑ ኣይግባእን።
ዓይንና ብምሽፋን ብምግላጽን እንገብሮ ጸወታ ሓደ ካብቶም ዕሸላት ዝፈትውዎም እዩ። ቲኽቲኽ ምባል እውን እቲ እንኮ ዝበዝሐ ዝስሕቖም ከምዝዀነ ጸብጻብ የመልክቱ።
እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ ዕሸላት ምስ ካልኦት ሰባት፡ ከምኡ'ውን በቲ ሰባት ዝገብርዎም ነገራት ከምዝስሕቑ ነቲ መጽናዕቲ ዝተወሃቡ ምላሻት የርእዩ።
ቲኽቲኽ ምባል ጥራይ እኹል ዘይክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ነገር ክሕባእ ወይ ሃንደበት ክቕልቀል ምርኣይ እውን እኹል ኣይኰነን። ሓደ ዓቢ ሰብ ነዞም ነገራት'ዚኦም ኣብ ቅድሚ ዕሸላት ክገብሮም ከሎ'ዩ ዘስሕቕ።
እዚ ድማ ዕሸላት ቅድሚ ምጉዓዞም፡ ወይ ምዝራቦም፡ ማሕበራዊ ምዃኖም ዘርኢ እዩ።
ካብዚ ሓሊፉ ዕሸላት፡ ሰባት ብምውዳቖም ናይ ምስሓቕ ዝንባለ የብሎምን። የግዳስ ባዕሎም እንተወዲቖም ወይ ካልኦት ሰባት ክሕጎሱ እንተርእዮም፡ ክስሕቁ ኣዝዩ ዝለዓለ ዕድል ኣሎ።
ወለዲ፡ ኣወዳት ዕሸላት ካብ ኣዋልድ ቁሩብ ዝያዳ ከም ዝስሕቑ እኳ እንተገለጹ፡ ክልቲኦም ጾታታት ግን ኣቦታቶምን ኣደታቶምን ማዕረ ዘስሕቑ ኰይኖም ከምዝረኽብዎም ይግለጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣዲማን መረዳእታ ምእካብ ቀጺሉ፤ ውጽኢቱ እናነጸረ ምስ ዝኸይድ ድማ ሰሓቕ ንዕሸላት ብዛዕባ ዓለም ዘለዎም ርድኢት ንምትንታን ክሕግዝ ይትስፈ።
ሰሓቕ ህጻናት ከም ኣርእስቲ መጽናዕቲ ምውሳድ፡ "ብዘገርም መንገዲ ሸለል ተባሂሉ" ከምዘሎ ኣዲማን ይዛረብ።
ሓደ ናይዚ ምኽንያት ኣብ ቤተ-ፈተነ ዕሸላት ብዘተኣማምን መንገዲ ክስሕቑ ንምግባር ዘሎ ጸገም እዩ።
ኣዲማን፡ ኣብ ዝቕጽል ጻዕርታቱ ናይዚ ምኽንያት ንምፍላጥ መደብ ኣለዎ።
እቲ ኣርእስቲ ሸለል ተባሂሉ'ኳ እንተሃለወ፡ ንሱ ግን ነዚ ክቕይር ይትስፈ። ንኣዳሚን፡ መጽናዕቲ ሰሓቕ ብርግጽ ዋዛ ኣይኰነን።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
