ዩክረይን፡ ማእከል ክራይ ማህጸን ዘለዓዕሎ ዘሎ ሕቶታት

እዚ ዛንታ ንኽርድኣና 'ሶሮጋሲ' ማለት፡ ዘርኢ ሓደ ወዲ ተባዕታይን እንቋቝሖ መጻመድቱን ኣብ ማህጸን ካልእ ጓለንስተይቲ ከም ዝጥነስ ናይ ምግባር መስርሕ'ዩ፤ ሕጽር ብዝበለ ከኣ ክራይ ማህጸን ኢልና ክንገልጾ ኢና።
ካሪና ነፍሰ-ጾር ሽዱሽተ ወርሒ እያ፣ እታ ኣብ ማህጸና ዘላ ናጽላ ግን ናታ ኣይኰነትን።
እዛ ጓል 22 ዓመት ዩክሬናዊት፡ ንማህጸና ካብ ቻይናውያን መጻምድቲ ዝተወሰደ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን እንቋቝሖን'ያ ኣብ ማህጸና ጸይራ ዘላ።
ካሪና ጓል 17 ዓመት እንከላ፡ ኲናት ዩክረይን-ሩስያ ኣብ ምጅማርሩ፡ ገዛኦም - ኣብ ከተማ ካህሙት - ብደብዳብ ፈሪሱ።
መብዛሕትኡ ክፋል እታ ከተማ ናብ ፍርስራስን ሓሙኽሽትን ስለ ዝተቐየረ፡ ንሳን መጻምድታን ናብ ኪቭ ገዓዙ፣ እንተኾነ ስሩዕ ስራሕ ምርካብ ገድሊ ኰኖም።
ካሪና ሓደ መዓልቲ ኣብ ድኳን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ንጓል ሓደ ዓመትን መንፈቕን ጓሎም ባኒን ፓምፐርን መግዝኢ ዝኸውን ገንዘብ'ውን ከም ዘይነበሮም ኣብ ዝተረድኣትሉ፡ ማህጸና ናብ ዝኽፈሎ 'ሶሮጋሲ' - ከተካርዮ ወሰነት።
ንሳ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ስራሕ ክስእኑ፡ ዝቕባበ ዋጋታት ክውስኽን ውሽጣዊ ፍርያት ዩክረይን ብሓያል ምንቍልቋልን ዘስዓበ ኲናት እንተዘይህሉ ነይሩ፡ ንሳ'ውን ክሳብ ናብ ማህጸና ከተካሪ ትበጽሓሉ ደረጃ "ፈጺመ ኣይምወረድኩን" ትብል።
"ኣብ መጀመርታ 'ሶሮጌት' ምዃነይ ኣቘጢዑኒን ተስፋ ኣቝሪጹንን'ዩ ነይሩ፤ ሕጂ ግን በቃ ተቐቢለዮ ኣለኹ" ትብል ሕጂ ኣብ ወሰን ከተማ ኪቭ በቲ ነቲ መስርሕ ክራይ ማህጸን ዘካይድ ክሊኒክ ኣብ ዝተወሃባ ገዛ ትነብር ዘላ ካሪና።
እታ ኣብ ማህጸና ዘላ ናጽላ ጓለንስተይቲ ምዃና ተነጊሩዋ እዩ።
ካሪና እዚ ብምግባራ 12,500 ፓውንድ (17 ሽሕ ዶላር) ክትረክብ እያ፤ እዚ ድማ ዳርጋ ዕጽፊ ናይ ማእከላይ እቶት ዩክሬናውያን'ዩ።
ዝበዝሐ ክፋል እቲ ገንዘብ ከኣ ምስ ሓረሰት'ዩ ክውሃባ።
ካሪና 15,500 ፓውንድ (21 ሽሕ ዶላር) እያ ክትክፈል ዝግብኣ ናይሩ፣ እንተዀነ ሓንቲ ካብተን ዝጠነሰተን ማንታ ምስ ሞተት ግን ከምቲ ኣብ ውዕላ ዝተቐመጠ እቲ ትኽፈሎ ከም ዝጐድል ኰይኑ።
ካሪና ኣብ መጀመርታ ጥርጣረታት'ኳ እንተነበራ፡ ሕጂ ግን ገዛ ንምግዛእ ዘኽእላ ገንዘብ ክሳብ ተዋህልል ማህጸና ምክራይ ክትቅጽሎ መደብ ኣለዋ።
እቲ ውሳነ ግን ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ቍጽጽራ ወጻኢ ክኽውን ዓቢ ተኽእሎ'ዩ ዘሎ።

ምንጪ ስእሊ, BioTexCom
ቅድሚ ኲናት ሩስያ፡ ዩክረይን ማህጸን ብምክራይ ብደረጃ ዓለም ንኣመሪካ ተኸቲላ ኣብ ካልኣይ ደረጃ'ያ ትስራዕ ነይራ።
ኣብ ምጅማር እቲ ኲናት እቲ ቍጽሪ ጕድል ኢሉ'ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግን ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበሮ ከም ዝተመለሰ ክኢላታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ሕጂ ግን ሃገራዊ ባይቶ ዩክረይን ነቲ ኢንዱስትሪ ክራይ ማህጸን ኣብ ዝምልከት ዓቢ ምቍጽጻር ክግበር ድምጺ ክህብ'ዩ፣ እቲ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ከኣ ካብ ዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ ደገፍ ረኺቡ ኣሎ።
95% ካብቶም ኣብ ዩክረይን ማህጸን ዝካረዩ መጻመድቲ ወጻእተኛታት'ዮም።
እቲ እማመ፡ ነቲ ምክራይ ማህጸን ናብ ሸቐጥ ቀይሩ ድኻታትን ተቓላዕቲ ደቀንስትዮ ብምምዝማዝን ዝተኸሰሰ ኢንዱስትሪ፡ ብጽኑዕ ንምቍጽጻር ዝዓለመ እዩ።
ደገፍቲ ናይቲ እማመ ብተወሳኺ፡ ደቀንስትዮ ዩክረይን ኣብዚ ብሰንኪ ኲናት መጠነ-ወሊድ ኣዝዩ ዝወረደሉ እዋን ማህጸነን ኣካርየን ወጻእተኛታት ዕሸላት ክወልዳ ከም ዘይብለን ይምጕቱ፤ ዋላ'ኳ ቍጽሪ ናይቶም ብኽራይ ማህጸን ዝውለዱ ህጻናት ውሑድ ክፋል ናይቶም ብሓፈሻ ኣብ ዩክረይን ዝውለዱ እንተዀነ።
"ብሰንኪ እቲ ኲናት ተስፋ ዝቘረጻ ደቀንስትዮ እናበዝሓ ይመጻ ኣለዋ፤ ምዕራባውያን መጻምድቲ ዕሸላት ንምርካብ ክራይ ማህጸን ብሕሱር ዋጋ ክረኽቡ ስለዝደልዩ ድማ ክሊኒካት ነዚ ዕድል ይህባ" ትብል ንዅሉ ምክራይ ማህጸን ብስነ-ምግባራዊ ምኽንያት እትቃወምን፡ እቲ ዝቐረበ ሕጊ እኹል ከምዘይኰነን እትምጕትን ተጣባቒት መሰላት ደቀንስትዮ ማርያ ድሚትሪየቫ።
እቲ ተግባር ኣብ ዩክረይን ምሉእ ብምሉእ ክእገድ ኣለዎ ኢላ'ያ ትኣምን።
ንሳ፡ እተን ነዚ ከምዚ ዓይነት ስራሓት ዘካይዳ ክሊኒካት፡ ንድኻታት ደቀንስትዮ ብግልጺ ዒላማ ብምግባር፡ ናብ መወዓውዒ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምምልካት ትኸስስ።
ኣብ ጥሪ ናይዚ ዓመት ብኪነታዊ ብልሒ [ኤኣይ] ዝተፈጥረ ሓደ መወዓውዒ፡ ሓደስቲ ተካእቲ ንምቝጻር ብሓደ ክሊኒክ ዝተለጠፈ መወዓውዒ፣ ሓንቲ ዩክሬናዊት ጓለንስተይቲ "ንመስርሒ ጸብሒ ዝኸውን ዕንጸይቲዶ ክዕድግ ዋላስ ንደቀይ ዝኸውን ክዳውንቲ?" ኢላ ንምውሳን እናተጸገመት ድሕሪ ምርኣይ፡ ብዙሓት ዩክሬናውያን ኣብ እዋን ኲናት ንዘርኣይዎ ተጻዋርነት ይምጕስ።
ካልእ ኣብ 2021 ብሓደ ፍሉጥ ባዮቴክስኮም ዝተበሃለ ንኸምዚ ዓይነት ክራይ ማህጸን ዘሳልጥ ክሊኒክ ዝተለጠፈ መወዓውዒ ከኣ ዓርቢ-ዓርቢ ብኸምዚ ንዝተወለዱ ህጻናት ብዝሓሰረ ዋጋ ከምዝሸይጥ ይሕብር።
እዞም መወዓውዒታት ንሰብኣውነት ዝጥሕሱን ከም ኣጸያፊ ክረኣዩ ይኽእሉ ድዮም ዝብል ብቢቢሲ ብድሆ ዝቐረበሉ ባዮቴክስኮም፡ እቲ መወዓውዒ ሰብ ብዛዕባ 'ሶሮጋሲ' ኣፍልጦኡ ንኽዓቢ ዓሊሙ ዝተሰርሐ ምዃኑ ብምግላጽ ተኸላኺሉ።
እቲ ክሊኒክ ብኣገባብ ኣሰራርሓኡ እውን ነቐፌታ ይበጽሖ ኣሎ።
ኣብ 2018 ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ፡ ኣብ ልዕሊ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ናይቲ ክሊኒክ ኣልበርት ቶቺሎቭስኪን ካልኦት ክልተ ኣባላት ሰራሕተኛታት ነበርን፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዝብል ዝርከቦ ገበናት ተጠርጢሮም ኣብ ልዕሊኦም መርመራ ተገይሩ ነይሩ።
እቲ መስርሕ ቅድመ-ፍርዲ፡ ካብ ወጻኢ ሃገራት ሓበሬታ ንምእካብ ብዝብል ንግዚኡ ተወንዚፉ'ዩ ዘሎ።
ባዮቴክስኮምን ዋና ፈጻሚ ስራሕ ናይቲ ክሊኒክ ኣልበርት ቶቺሎቭስኪን በቲ ሕጊ ዝፈቕዶ መስርሓት ተቐይዶም ይሰርሑ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ንዝቐርበሎም ነቐፌታታት ይነጽግዎ።
ዓቃቢ ሕጊ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ክሊኒክን ኣካያዲኡን ዝቀረበ ክሲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን። እንተኾነ ባዮቴክስኮም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ መንጎ ሓደ ህጻንን እቶም ወሃብቲ ዘርኢን ዘጋጠመ ዘይምቅዳው መርመራ ድኤንኤ ኣብ ዝምልከት ኣብ ምጕት ከምዘሎ ገሊጹ።
እቲ ክሊኒክ፡ ሰራሕተኛታቱ ኣብዚ ጉዳይ ዝዀነ ዝስከምዎ ሓላፍነት ከምዘይብሎም፡ "እቲ ጉዳይ ኣብ ካልእ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ምእካብ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዘጋጠመ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል።
እቲ ኩባንያ፡ ሰባት ወለዲ ናይ ምዃን ሕልሞም ንኽፍጽሙ፡ ደቀንስትዮ ብሕጋዊ መንገዲ ገንዘብ ንኽረኽባ ዕድል ዝህብን ሕክምናዊ ክንክን፡ መንበሪን መግብን ከም ዝህብን ይገልጽ።
ካሪና ኣብ መጀመርታ ማህጸና ከተካሪ ምስ ወሰነት ናብ ባዮቴክስኮም'ያ ከይዳ፡ ምስኦም ኣብ ዝገበርዎ ናይ መጀመርታ ቈጸራታት ዘርኣይዋ ኣቀባብላ ስለዘይማእማኣ ግን ምስኦም ክትቅጽል ኣይመረጸትን።
እቶም ብወለዶም ዘይተወሰዱ ህጻናት

ዕሸላት ድሕሪ ምውላዶም ናይ ስጋ ወለዶም ሓሳቦም ክቕይሩ ከለዉ ከይተወሰዱ ዝተርፉሉ ኵነታት እውን ኣሎ።
ኣብ ዩክረይን እቲ ክወልድ ዝደሊ ወላዲ ነቲ ህጻን ድሕሪ ምውላዱ ብሕጋዊ መንገዲ ተሓታቲ ስለዝዀነ ብዝኾነ ምኽንያት ነቲ ዝተወለደ ቈልዓ ዘይምውሳድ ንሕጊ ዝጻረር እዩ።
ብተግባር ግን ነቶም ካብ ዶብ ዩክረይን ወጻኢ ኰይኖም ኣብ ዩክረይን ማህጸን ዝካረዩ ሰባት ነዚ ከተግብሩ ከተገድዶም ሕጋዊ ባይታ የለን።
ሕጂ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ኰይኑ ዘሎ ወይ፡ ኣብ 2021 ብዘይግዚኡ ምስ ተወልደ ከቢድ ናይ ሓንጎል ጸገም ኣጋጢምዎ፤ እቲ መስርሕ ክራይ ማህጸን ብመንገዲ ባዮቴክስኮም እዩ ተኻይዱ።
ወይ ኣብዚ እዋን ኣብ ኪቭ ኣብ ዝርከብ ብመንግስቲ ዝመሓደር ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም ህጸናት ኣብ ዝእለይሉ ማእከል'ዩ ዝእለ ዘሎ።
ቢቢሲ ናብቲ ቦታ ምስ በጸሐ ወይ ምስ ካልኦት ከምኡ ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም ህጻናት ዝተለንቀጠ ባናና ክምግቡ ጸኒሖም።
ወይ ብዘይሓገዝ ደው ክብል፡ ርእሱ ከቕንዕን ክርእን ኣይክእልን'ዩ። ንመዋእሉ ከኣ እዚ ሓገዝ እዚ ከድልዮ'ዩ - ስንክልናኡ ነባሪ ስለዝዀነ።
ስንክልና ከምዘለዎ ምስ ፈለጡ፡ እቶም ዘርኦም ሂቦም ኣብ ዩክረይን ብኽራይ ከም ዝጥነስ ዝገበሩ ካብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ዝዀኑ ወለዱ ክወስድዎ ኣይደለዩን፣ ፈጺሞም ድሃይ ኣጥፊኦም።
ባዮቴክስኮም ንምርካቦም ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ'ውን ክሰልጦ ኣይከኣለን።
እታ ማህጸና ኣካርያ ዝወለደቶ ዩክሬናዊት'ውን ኣይደለየቶን፤ ብመሰረት ሕጊ ዩክረይን ከኣ ክትሕዞን ከተዕብዮን ኣይትግደድን'ያ።
ቫሌራ ሶሮቻም ካብ ምኒስትሪ ጥዕና ዩክረይን ሓንቲ ካብቶም ነቲ ዝወጽአ እማም ትድግፍ ምዃና ብምግላጽ፡ ካብቲኦም ብመንገዲ ክራይ ማህጸን ዝተወለዱ 'ሓያለ' ብወለዶም ዘይተወሰዱ ህጻናት ምህላዎም ትገልጽ። እንተዀነ ሓቀኛ ቍጽሪ ናይቶም ብመበቆላውያን ወለዶም ዘይተወሰዱ ህጻናት መንግስቲ ከምዘይፈልጦ ሓቢራ።
ቫሌራ ሶሮቻም ብመትከል ንክራይ ማህጸን ኣይትቃወሞን'ያ፤ እንተዀነ እዅል ምቍጽጻር ከምዘየለን፡ እቲ ወጻእተኛታት ኣብ ዩክረይን ማህጸን ዝካረይዎ ግን ደው ክብል'ያ ትጠልብ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ባዮቴክስኮም፡ ነቲ ዘጋጠመ "ትራጀዲ" ክብል ገሊጽዎ። ወለዲ ንሓደ ቈልዓ ክገድፍዎ ከለዉ "ብኸፊል ከም ሓላፍነትና ንቘጽሮ" ኢሉ።
ህጻናት በቶም ቀንዲ ወለዶም ከይተወሰዱ ክትረፉ እንከለዉ፡ ክሊኒካት ኣብቲ ብመንግስቲ ዝመሓደር ኣባይቲ ንምጽናሕ ዝወጽእ ወጻኢታት ኣበርክቶ ክገብራ ሕጋዊ ግዴታ የብለንን።
እቲ ነቶም ህጻናት ንምእላይ ዝግበር ወጻኢታት ካብ መንግስትን ውልቀ ሰባትን ብዝርከብ ገንዘብ'ዩ ዝካየድ።
ባዮቴክስኮም ንኣብነት ንወይ ዝውዕል ዝዀነ ፋይናንስያዊ ኣበርክቶ ኣይገበረን።
ከም ናይ ወይ ዝኣመሰለ ከቢድ ስንክልና ዘለዎም ህጻናት ሳሕቲ እዮም ዘዕብዩ ስድራቤት ዝረኽቡ። 15 ስድራቤታት ንፋይል ወይ ርእዮም'ኳ እንተዀኑ፡ ንዕኡ ንምርዓም ድሌተን ዝገለጻ ስድራቤታት ግን ኣይተረኸባን።
'ስድራ ንኽንከውን ሓጊዞሙና'ዮም'

እዚ ዅሉ እናኰነ ግን ምክራይ ማህጸን ንዅሉ ወገን ክጠቅም ይኽእል እዩ ዝብሉ ኣለዉ።
ንሓሙሽተ ዓመታት ሂማትራጅን ራጅቪር ባጅዋን ካብ ለንደን፡ ቅድሚ ብክራይ ማህጸን ክወልዱ ምውሳኖም፡ ክልተ ዙርያታት IVF ሓዊሱ ሓያለ ግዜ ብሓገዝ ሕክምና ንምውላድ ዘይዕዉት ፈተነታት ኣካይዶም'ዮም።
ጓል 38 ዓመት ራጅቪር፡ ከቢድ ሕማም ኢንዶሜትሪዮሲስ [ኣብ እዋን ጥንስን ወርሓዊ ጽግያትን ከቢድ ቃንዛ ዝፈጥር ሕማም] ስለዘለዋ፡ ንኽትጠንስ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ነበረ።
እዞም መጻምድቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከምዚ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ክራይ ማህጸን ስለዘይፍቀድ'ዮም ናብ ካልእ ከቋምቱ ተገዲዶም።
ኣብ ዓባይ ብሪጣያ ንገንዘባዊ መዓላ ተባሂሉ ማህጸን ምክራይ ኣይፍቀድን'ዩ፤ ገንዘብ ዘይክፈሎ ብመንገዲ ኣዕሩኽ፡ ስድራቤት፡ ወይ ንመኽሰብ ዘይሰርሑ ትካላት ግን ይግበር'ዩ። እዞም መጻምድቲ ግን እዚ'ውን ክረኽብዎ ኣይክኣሉን።
ብመሰረት ሕጊ ዓባይ ብሪጣንያ፡ እታ ማህጸና እተካሪ ጓለንስተይቲ ሕጋዊ ሓላፍነት ናይቲ ዝተወልደ ህጻን ትወስድ። እዚ ድማ ክሳብ ኣቦነትን ኣደነትን ናይቶም ዘርኦም ዝሃቡ መጻምድቲ ብቤት ፍርዲ ዝረጋገጽ እቲ ህጻን ሓላፍታ ኰይኑ ይጸንሕ።
ብቤት ፍርዲ ምስ ተረጋገጸ ኸኣ ናብቶም ዘርኦም ዝሃቡ መጻምድቲ ብመስርሕ ቤት ፍርዲ ይሰጋገር።
ሂማትራጅን ራጅቪርን ኣብ ልዕሊ እቲ ህጻን ቅጽበታዊ ሕጋዊ መሰል ዘይክህልዎም ምዃኑ ስክፍታ ነይርዎም። ኣብ ዩክረይን ግን ክሳብ ክንድኡ ዝተሓላለኸ ኰይኑ ኣይጸንሖምን።
እዚ ሓደ ረቛሒ ኰይኑ፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ብምንጽጻር፡ ኣብ ዩክረይን ክራይ ማህጸን ንምርካብ ዝሕተት ገንዘብ ኣዝዩ ውሑድ ብምዃኑ'ውን ንብዙሓት ዘሕስቦም ዘሎ ረቛሒ'ዩ።
እዞም መጻምድቲ ባዮቴክስኮም'ዮም ተጠቒሞም፤ ብድምር ከኣ ኣስታት 65 ሽሕ ፓውንድ (87,770 ዶላር) ከፊሎም ።
ምስቲ ኣብ ኣመሪካ ንተመሳሳሊ መስርሕ ዝኽፈል ኣስታት 150 ሽሕ ዶላር ክወዳደር እንከሎ ከኣ ኣዝዩ ሕሱር'ዩ ክብሃል ይከኣል።
እዞም መጻምድቲ ድማ ናይ ባዮቴክስኮም ጽቡቕ ተመኵሮ ከም ዝዀኖም ይሕብሩ።
IVF ተጠቒሞም ኣብ ለንደን ድቂ ፈጢሮም፣ እዚ ድቂ ድማ ናብ ኪቭ [ዩክረይን] ተላኢኹ ኣብቲ ናይቲ ክሊኒክ 'ክራይዮጀኒክ' መኽዘን ተዓቂቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሰነ ንልደት ውላዶም [ብኽራይ ማህጸን ኣብ ካልእ ዝተጠነሰ] ንኽዕዘቡ ኪቭ ኣትዮም።
ሰበስልጣን ዓባይ ብሪጣንያ ዘድሊ ወረቐት ንኽዛዝሙን ንወዶም ፓስፖርት ንኽህቡን ዝወሰደሎም ግዜ ስለዝነወሐ ግን፡ ሩስያ ነታ ከተማ ቦምባታት ኣብ እትድርብየሉ ዝነበረት እዋን፡ ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ኪቭ ከሕልፍዎ ተገዲዶም።
ካብ ደብዳብ ሩስያ ንምክልኻል ኣብ ዝተሃደመ ቦታታት እናተሓብኡ ዘሕለፍዎ ኣዋርሕ ከኣ ከቢድ'ዩ ነይሩ።
"ዘፍርሕን ልዕሊ ክውንነትን እዩ ነይሩ" ይብል ራጅቪር።
ኣብ መወዳእታ ነሓሰ ከኣ ወዶም ሒዞም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተመሊሶም።
ኣብዛ ትመጽእ ሰነ ከኣ ቀዳማይ ዓመት ውላዶም ብክብ ዝብለ ድምቀት ከብዕልዎ'ዮም።
እዞም መጻምድቲ እቲ ዩክረይን ኣውጺኣቶ ዘላ እማም ይቃወምዎ'ለዉ።
ንሶም ብመንገዲ ክራይ ማህጸን 'ሶረጋሲ' ውላድ ብምርካቦም ኣብ ቤቶም 'ክቱር ሓጐስ' ከም ዝነገሰ'ዮም ዝገልጹ።
"ይክኣል'ዩ ኢልና ዘይሓሰብናዮ ነገር ሂቦምና - ስድራቤት ገይሮምና ኣለዉ" ይብል ወዲ 37 ዓመት ሂማትራጅ።
ንሱን በዓልቲ ቤቱን ሓደ ግዜ ምስታ ማህጸና ዘካረየቶም ክራኸቡ ሓቲቶም ቸኮሌትን ዕምባባታትን ከም ህያብ ሂቦማ።
ተመዝሚዛ ከም ዝነበረት ከም ዘይኣምኑ'ውን ገሊጾም።
"ምርጫአን ምንባሩ ርዱእ'ዩ፣ ንዓአን'ውን ከም ምንጪ ኣታዊ'ዩ ዝዀነን። እዚ ዝረኽበኦ ገንዘብ ኣብ ህይወተን ዝሕግዘን እንተዀይኑ፡ ኵሉ ሰብ በቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ሕጕስ ምዃኑ ርግጸኛ'የ።"

"ዘገደደና ኣካል የለን"
ካሪና ማህጸና ምክራያ ግዳይ መዝመዝቲ ኰይና ንዝብል ዘረባ ትነጽጎ'ያ።
"ዝገድደና የለን። እዚ ኣካላተይ እዩ፣ ውሳነይ'ዩ... ሓጎስ ስለ ዝሃብክዎም ዓስበይ ገንዘብ ይረክብ ኣለኹ።"
ንሳ እቲ ኣብ ሕጊታት ዝተገብረ ለውጢ ትቃወሞ፣ ብሰንኪ'ዚ ድማ ነቲ ገዛ ክትገዝእ ዝነበራ መደብ "ምሉእ ብምሉእ ክፈርስ'ዩ" ትብል።
ናብቲ ሽዱሽተ ወርሒ ገይሩ ዝነበረ ከብዳ እናጠመተት ከኣ፡ "እዚኣ ውላደይ ከምዘይኮነት እፈልጥ እየ፣ ግን ከኣ ኣዝየ እየ ዘፍቅራ፣ እዛረባ እየ፣ ፈንጠርጠር ክትብል እንከላ፡ ወለዳ ይጽበይዋ ምህላዎም እነግራ።"
"ጽቡቕ ህይወት ክህልዋ ጥራይ እየ ተስፋ ዝገብር፡ "ትብል ካሪና።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


