ጎደናታት ናብ መምሃሪ ክፍልታት ዝቐየረ ህንዳዊ መምህር

Published

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ምሉእ ዓለም ብዘጋጠመ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ህንዲ ኩሎም ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዉ ኣዊጃ። ገሊኦም ደቂ ሃብታም ብኦንላይን ክመሃሩ’ኳ እንተጀመሩ እቶም ደቂ ትሑት ዝመነባብርኦም ግና ካብ ትምህርቶም ቦዂሮም።

ሓደ መምህር ግን ኣብ ጎደናታት ኣካላዊ ርሕቀቶም ሓልዮም ክምህር እየ ኢሉ ጎደናታት ናብ መምሃሪ ክፍልታት ቀይርዎም’ሎ።