መቕርቦም ብሞት ምስ ዝፍለዮም መፈጸሚ ስነስርዓት ቀብሪ ዘጨንቖም ዘሎ ናይጀርያውያን

Published

ሰባት ካብዚ ዓለም ብሞት እንትፍልይዎም መቕርቦም ስለዝተፈለይዎም ዘጸናንዖም ሰብ ይደልዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ናይጀርያ ሰባት መቕርቦም እንትሞትዎም ንገዛእ ርእሶም ኣብ ክንዲ ዘጸናንዑ መፈጸሚ ስነ ስርዓት ቀብሮም እዩ ዘሻቕሎም። ምኽንያቱ ድማ ቤተ ክርስትያን መቕበሪ ዋጋ ሰማይ ስለዝሰቐለቶ’ዩ።