ዓለም ዘሰንበደ ምንቅጥቃጥ መሬት ዘተኣናገደት ፉኩሺማ እንትትዝከር

Published

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዓለም ምሉእ ዘሰንበደ ምንቅጥቃጥ መሬት ዘተኣናገደት ጃፓናዊት ከተማ ፉኩሺማ ልዕሊ 15 ሽሕ ዜጋታታ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ስኢና። መንግስቲ እታ ሃገር እቲ ከባቢ ንምሕዋይ ኢሉ ምዕባሌታት’ኳ ይገብር እንተሎ ናብ መረበቶም ክምለሱ ዘይደልዩ ተመዛበልቲ ኣለዉ።