ህጹጽ ጻውዒት፡ ስዑዲ ዓረብ ን65 ኢትዮጵያውያን ናይ ሞት ፍርዲ ሂባ

ሂዩማን ራይትስ ዎች ብ28 ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ምስ ሓሽሽ ብዝተተሓሓዘ ገበናት ብውሕዱ 65 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናይ ሞት ፍርዲ ተዋሂቡዎም ኣብ ኣዝዩ ዘሻቕል ኵነታት ከም ዝርከቡ ኣፍሊጡ።
ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ፡ ብ21 ሚያዝያ 2026 ሰለስተ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ድሮ ከም ዝቐተሉ'ውን እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
እቶም ሰለስተ ኢትዮጵያውያን፡ ካብቲ ካብ 2020 ክሳዕ 2022 ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ዝሃደሙ ስደተኛታት ምዃኖም ገሊጾም። ንህይወቶም ንምድሓንን ስራሕ ንምድላይን ድማ ብገማግም ባሕሪ ዓደን ኣቢሎም ንየመን ብምቝራጽ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከም ዝኣተዉ ይፍለጥ።
ብመሰረት ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ እታ ሃገር ንሰለስተ ሰባት ብሞት ድሕሪ ምቕጽዓ፡ ተወሳኺ ቅትለት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ደው ክብል ገይሮም ኣለዉ።
"ስዑዲ ዓረብ፡ መሰረታዊ ግቡእ መስርሕ ዘይተኸተሉ ከይድታት ፍርዲ ስዒቡ፡ ዘይጎነጻዊ ገበናት ዝፈጸሙ ስደተኛታት ንሞት ምፍራድ፡ ኣብ መሰላቶምን ህይወቶምን ዓሚቝ ሸለልትነት ዘንጸባርቕ'ዩ፡" ክትብል ኣብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ላዕለወይቲ ተመራማሪት መሰላት ስደተኛታት ዝዀነት ናድያ ሃርድማን ገሊጻ።
ቀጺላ፡ "መሻርኽቲ ስዑዲ ዓረብ ብእዋኑ ብህጹጽ ጣልቃ ክኣትዉ ይግባእ፡" ኢላ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች ብዛዕባ ጉዳይ ሰለስተ ኣብ ዞባ ኣሲር ኣብ መዳጎኒ ኻሚስ ሙሻይት ዝተኣስሩ ሰባት ኣመልኪቱ ምስ ሰለስተ ሓበሬታ ዘለዎም ምንጭታት ቃለመሕትት ኣካይዱ።
ብመሰረት ቃሎም፡ ብ21 ምያዝያ፡ ሓለውቲ ቤት ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ንሰለስተ እሱራት ጸዊዖም ክወስድዎም ናብ መስርሕ ፍርዲ ቤት ፍርዲ ከም ዝኸዱ እዮም ሓቢሮምዎም።
ድሒሮም ሓለውቲ ቤት ማእሰርቲ እቶም ሰለስተ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ንኣባላት ስድራቤቶም ክሕብሩ ከም ዘለዎምን ነጊሮሞም።
እቶም እሱራት፡ ካብ ዝተኣሰሩሉ እዋን ጀሚሩ ዝበጽሖም ኣካል ከም ዘየለን ምስ ሰበስልጣን ቆንስላ ኢትዮጵያ ዝኰነ ርክብ ከም ዘይነበሮምን ይንገር።
እቶም ቃለመሕትት ዝተገብረሎም ሰባት፡ እቲ መስርሕ ፍርዲ ሕጋዊ ውክልና ወይ ተርጐምቲ ኣብ ዘይብሉ፡ ኣዝዩ ሓጺር ናይ ጕጅለ ከይዲ ፍርዲ ከም ዝነበረ ገሊጾም።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐረበ ክሲ ከም ዘይተነገሮም፡ ኣብ ዘይተረድኦም ሰነዳት ክፍርሙ ከም ዝተገደዱን ብሓለፍቲ ጸጥታ ከም ዝተሃረሙን ይዛረቡ።
እቶም ሰባት ንልዕሊ ክልተ ዓመት ተኣሲሮም እኳ እንተ ጸንሑ፡ ይግባይ ናይ ምቕራብ ዕድል ግን ኣይረኸቡን።
ኣብቲ መዳጎኒ ዝርከቡ ኣስታት 65 ኢትዮጵያውያን ደቂ ተባዕትዮ፡ ምስ ሓሽሽ ብዝተኣሳሰሩ ገበናት ንሞት ዝተፈርዱ ኰይኖም፡ ምስቶም ብቕትለትን ካልእ ገበናትን ዝተፈርዱ ዜጋታት ስዑዲ ዓረብ እዮም ተኣሲሮም ዘለዉ።
ጸብጻብ ማዕከናት ዜና ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ ኻሚስ ሙሻይት ልዕሊ 200 ኢትዮጵያውያን ናይ ሞት ፍርዲ ይጽበዩ ኣለዉ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች ነዚ ቍጽሪ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።
ስዑዲ ዓረብ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ብ23 ጥሪ 2015 ንጉስ ስልጣን ካብ ዝኸውንን ንወዱ መሓመድ ቢን ሳልማን ድማ ብ21 ሰነ 2017 ልኡል ዘውዲ ኢሉ ካብ ዝሸሞን ንደሓር ልዕሊ 2,000 ሰባት ብሞት ቀጺዓ ኣላ።
ሰብመዚ ስዑዲ ዓረብ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ናይ ሞት ፍርዲ ብቕልጡፍ ክስርዙን ኵሎም ጉዳያት ምስ ዓለምለኻዊ ሕግታት ብዝሰማማዕ ኣገባብ ክፍጸሙን ክግምግሙን ጸዊዑ ኣሎ።
መነባብራኦም ከመሓይሹ ዝምነዩ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ እናሰርሑ ከም ዝነብሩ ይፍለጥ።
ጸብጻብ ህዩማን ራይትስ ዎች ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣረሜናዊ ዕጥቃዊ ግጭት ሓዊሱ፡ ብዙሓት ካብ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝሃደሙ እዮም።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ወከልቱን ብህጹጽ ምስ መዛኑ ስዑዲ ዓረብ ጣልቃ ብምእታው እንተ ወሓደ ዜጋታቶም ቅልጡፍ ቆንስላዊ ሓገዝ ከም ዝረኽቡ ከረጋግጹ ከም ዝግባእ እቲ ተጣባቒ መሰላት ተላብዩ።
ግዱሳት መንግስታት፡ ስዑዲ ዓረብ ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ ክትስርዞ ወይ እንተ ወሓደ ምስ ዕጸፋርስ ዝተኣሳሰሩ ገበናት ብሞት ከይትፈርድ ጸቕጢ ክገብሩ ከም ዘለዎም እውን እቲ ትካል ጸዊዑ።
"ስዑዲ ዓረብ፡ ሞት ፍርዲ ብሰፊሑ ምጥቃማ ምስ መሰረታውን ስርዓታውን ምግሃስ መሰል ተኸሰስቲ ዝጻረር'ዩ፡" ትብል ላዕለወይቲ ተመራማሪት መሰላት ስደተኛታት ናድያ ሃርድማን።
እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ክውገድ ከም ዘለዎ ድማ እያ ትምጕት።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


