ትግራይ፡ ህወሓት ንመግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ ዝሃቦ ምላሽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ነቲ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ኣሎ ዝበሎ ወጥሪ ብዝምልከት ዘውጽኦ መግለጺ ብምንጻግ፡ እቲ ሕብረት "ኣብ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ" ተመርኲሱ ከም ዘሎ ወቒሱ።
እቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሪሱ፡ ክልላዊ መንግስትነት ትግራይ ብሓይሉ ጨቢዩ ዘሎ ውድብ፡ ሰኑይ 29 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እዩ ነዚ ተቓውሞ ኣስሚዑ ዘሎ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ እቲ ውድብ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ስምምዕ ሰላም ይጥሕስን ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ጸገም ይሸምም ኣሎን ክብል ከሲሱ።
ሕብረት ኤውሮጳ ብ27 ሰነ 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ህወሓት ነባር ክልላዊ ቤት ምኽሪ ዳግማይ ኣቚሙን ግዱድ ወተሃደራዊ ግፋ የካይድ ኣሎን ብምባል፡ እዚ ስጕምትታት "ንውዕል ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝጥሕስ እዩ" ክብል ስክፍታኡ ምግላጹ ይዝከር።
እዚ ስክፍታ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ክትግበር ድሕሪ ምጽዋዑን፡ መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ስምምዕ ይዓናቕፉ እዮም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም "ኣኽረርቲ" መራሕቲ'ቲ ውድብ፡ እገዳ ቪዛ ምግባሩ ድሕሪ ምግላጹን እዩ ዝመጽእ ዘሎ።
ይዅን እምበር፡ ህወሓት ነዚ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝቐረበ ክስታት ምሉእ ብምሉእ ነጺጉዎ ኣሎ።
ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ህወሓት "ተመዓዳዊ (ፓራለል) ክልላዊ ቤት ምኽሪ" መስሪቱ ዝብል ክሲ መሰረት ዘይብሉ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ትግራይ ሓደ ሕጋዊን ዝተመርጸን ክልላዊ ቤት ምኽሪ ጥራይ ከም ዘሎ ኣስሚሩሉ።
እዚ ቤት ምኽሪ ድሕሪ ኣብ መላእ እቲ ክልል ዝተኻየደ ሰፊሕ ህዝባዊ ዘተ ስርሑ ከም ዝጀመረ እውን ኣረዲኡ።
ብተወሳኺ፡ "በይናዊ ወተሃደራዊ ዕስክርና" የካይድ ኣሎ ንዝብል ክሲ "ብጭብጢ ዘይተደገፈ" ክብል ነጺጉዎ።
እንተዀነ፡ ኣብ ዙርያ ትግራይ "ዓቢ ወተሃደራዊ ምልዕዓላትን መጥቃዕቲ ድሮንን" ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ሰበስልጣን ነቲ ህዝቢ ካብዚ ናይ ህላወ ስግኣት ናይ ምክልኻል ሞራላውን ሕጋውን ሓላፍነት ከም ዘለዎም እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ጽኡቕ ወተሃደራዊ ግፋታት ይካየድ ከምዘሎን፡ ቢቢሲ ኣብ ዝሓለፈ ሕታማቱ ኣቃሊሑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ነቲ ዝግበረ ዘሎ ስጕምቲ ግዱድ ዕስክርና፡ ሕጋዊ ንምግባር ዝወጸ ኣዋጅ ክትግበር ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ከም ዘሎን፡ ሰፊሕ ተቓውሞ ይገጥሞ ከምዘሎን ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ እዩ፡ እዚ ናይ ሕጂ ምልውዋጥ መግለጺታት ዝመጽእ ዘሎ።
ንኽልተ ዓመታት ዝቐጸለን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዝቐዘፈን፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዘፈናቐለን ደማዊ ኲናት ዘብቅዐ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ፡ ንሓደጋ ኣብ ዝተቓለዐሉ ተኣፋፊ እዋን እዩ።
ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ሕዳር 2022 እኳ እንተ ተኸተመ፡ ምሉእ ትግባረኡ ግን ዛጊት ኣብ ዓቢ ሕቶ እዩ ዝርከብ። ኣብ ፍሽለት ኣፈጻጽማኡ ድማ ክልቲኦም ፈረምቲ ወገናት ንሓድሕዶም ክወቓቐሱ ጸኒሖም እዮም።
ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ተመዛበልቲ፡ ዛጊድ ናብ መረበቶም ክምለሱ ብዘይምኽኣሎም፡ ኣብዚ እዋን ሓድሽ ክረምቲ ይኣቱ ኣብ ዘለወሉ፡ ኣብ መዕቈቢ ደምበታት ብኸቢድ ይሳቐዩ ከምዘለዉ ፀብፃባት ይሕብሩ።
እቲ ብፈደራል መንግስቲ ተነቢሩ ኣሎ ዘይእዉጅ እገዳታት- ነዳድን መሃያ መንግስቲ ሰራሕተኛታትን ድማ፡ ነቲ ዝቕባበ ዋጋታት ብዝያዳ ኣጋዲዱዎ፣ ንቍጠባዊ ንጥፈታት እቲ ክልል ኣልሚሱዎ ከም ዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ህወሓት ኣብ መግለጺኡ፡ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንጐድኑኢ ብምባል፡ "መሳርሒ ፈደራላዊ መንግስቲ" ኰይኑ ይሰርሕ ምንባሩ ይኸስስ።
ብተወሳኺ ህወሓት፡ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ጥሕሰታት ስምምዕ ሰላም ስቕ ኢሉ ብምርኣዩ ቅሬታኡ ገሊጹ።
ሰላም "ስትራተጂያዊ ምርጫኡ" ምዃኑ ደጊሙ ብምግላጽ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት ኣህጉራውያን መሻርኽትን ንፈደራላዊ መንግስቲ ናብ ሓቀኛ ዘተ ንኽመጽእ ጸቕጢ ክገብሩ ጸዊዑ።
ይዅን እምበር፡ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ እቲ እናገደደ ዝመጽእ ዘሎ ወተሃደራዊ ስግኣት መሰል ርእሰ-ምክልኻሉ ከም ዘኽብር እቲ መግለጺ ኣጠንቂቑ ኣሎ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
