ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝጠፍአ ሰብ ንምድላይ ሓራግጽ ናብ ዝመልኦ ሩባ ወሪዶም

ሓደ ሰብን ሓርገጽን ብገመድ ተንጠልጢሮም ብሄሊኮፕተር እናተሳሓቡ

ምንጪ ስእሊ, South Africa Police Service

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብውሕጅ ዝተወሰደ ነጋዳይ ሰብኣይ ንምድላይ ኣብ ዝገበሩዎ ተፍትሽ፡ ሓደ ፖሊስ ናብቲ ብሓራግጽ ዝተመልአ ቦታ ካብ ሄሊኮፕተር ብገመድ ተንጠልጢሉ ብምውራድ ተረፍ ሬሳ ሰብ ክረክብ ከም ዝኸኣለ ገሊጾም።

እቲ ነቲ ዝጠፍአ ሰብ በሊዑዎ ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ሓርገጽ ድሮ ተቐቲሉ እኳ እንተ ነበረ፡ካፕተን ዮሃን "ፖቲ" ፖትጊተር ግን እቲ ኵነታት ገና ዘሰንብድ ምንባሩ ገሊጹ።

ንሱ ንማዕከን ዜና ኒውስ24 ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ናብቲ ኣስናኑ ዘፍርሕ ሓርገጽ ምቕራብ ዝበለጸ ምርጫ ኣይነበረን፡" ኢሉ።

ፖትጊተር ነቲ ሓርገጽ ብገመድ ምስ ኣሰሮ፡ ክልተኦም ካብቲ ኣብ ሰሜናዊ-ምብራቕ እታ ሃገር ዝርከብ ሩባ ኮማቲ ተጐቲቶም ወጺኦም።

እቲ ዝተረኽበ ክፋል ኣካል ሬሳ ናይቲ ዝጠፈአ ሰብ ምዃኑ ንምርግጋጽ ሕጂ ናይ ዲኤንኤ መርመራ ክካየድ እዩ።

መኪና ናይቲ ዝጠፍአ ሰብ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ማይ ዝመልአ ሩባ ብትሕቲ ድልድል ኣቢላ ክትሰግር ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን ተዓጊታ ነይራ።

ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ክበጽሑ እንከለዉ፡ እታ መኪና ጥርሓ ስለ ዝጸንሓቶም፡ እቲ ሰብ ብውሕጅ ተወሲዱ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሎም ከም ዝጠራጠሩ፡ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ክፍለ-ሃገር ምፑማላንጋ ኮሎኔል ማቨላ ማሶንዶ ገሊጹ።

ሓላፊ ክፍሊ ንቝታ-ባሕሪ ዝዀነ ፖሊስ ፖትጊተር ከም ዝጸብጸቦ፡ ሰበስልጣን ኣብቲ ናይ ምድላይ ንጥፈታት ድሮናትን ሄሊኮፕተራትን ተጠቒሞም እዮም።

ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ንእሽቶ ደሴት ድማ ሓያሎ ሓራግጽ ጸሓይ ክጽለዉ ተዓዚቦም።

ካብ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተመኵሮኦም ተበጊሶም ድማ ሓደ ካብቶም ሓርገጽ ኣብ ቀረባ እዋን ገለ ነገር ከም ዝበልዐ ክፈልጡ ክኢሎም።