ልዕሊ 100 ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ባሕሪ ድሒኖም

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ሓለዋ ባሕሪ ፈረንሳ፡ ንመትረብ እንግሊዝ ብሓንቲ ንእሽቶ ጃልባ ክሰግሩ ዝፈተኑ 106 ስደተኛታት፡ ጃልባኦም ተበላሽያ ኣብ ማእከል ባሕሪ ደው ምስ በለት ከድሕኑዎም ከም ዝኸኣሉ ገሊጾም።
እዞም ብቐዳም ኣብ ጸገም ዝወደቑ ስደተኛታት፡ ኣብ ግዜ ሓደጋ ረድኤት ናብ እትህብ መርከብ ድሕሪ ምስግጋሮም፡ ናብ ሰንበት ኣብ ዘውግሕ ናብ ወደብ ካሌ ከም ዝኣተዉ ሰበስልጣን ሓቢሮም።
ኣብቲ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት፡ ፈለማ ኣብ ከባቢ ዊመሬ ናብታ ጃልባ ክድይቡ ከለዉ ኣብ ሓደጋ ንዝወደቁ ሸውዓተ ሰባት ሓገዝ ተገይሩሎም ነይሩ።
ምስኦም ዝነበረት ውኖኣ ዘጥፍአት ጓለስንተይቲ፡ ህጹጽ ሓገዝ ንምርካብ ብሄሊኮፕተር ናብ ሕክምና ተወሲዳ ኣላ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ፍጻመ ምስ ዝተረኽቡ ሽዱሽተ ሰባት ደሚርካ፡ ብጠቕላላ ብዝሒ ዝደሓኑ ስደተኛታት 119 በጺሑ ኣሎ።
ብመሰረት ሓበሬታ ወሃቢ-ቓል ሓለዋ ባሕሪ ፈረንሳ፡ ሓደ ካብቶም ጽዑቕ ምንቅስቓሳት ዝካየደሎም መስመር ማያትን ጽንኩር ኵነታት ኣየር ስለ ዘለዎ ንህይወት ስደተኛታት ኣዝዩ ሓደገኛን ምዃኑ ገሊጹ።
ብፍላይ ኣብ እዋን ቍሪ፡ ሙቐት ናይቲ ማይ ኣዝዩ ዝተሓተ ስለ ዝኸውን፡ ሰብ ኣብ ውሽጡ ንሒደት ደቓይቕ ጥራይ ብህይወት ክጸንሕ ከም ዝኸእል ኣጠንቂቑ።
እዚ ስርሒት ድሕነት ዝተኻየደ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ነቲ ሓደገኛ ጕዕዞ ንምግታእ ናይ 662 ሚልዮን ፓውንድ ሓድሽ ስምምዕ ድሕሪ ምፍርራመን ኣብ ውሽጢ ሰሙን እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ሻባና ማሕሙድ ምስ ፈረንሳ ናይ ሰለስተ ዓመት ስምምዕ ተፈራሪማ ኣላ።
እዚ ስምምዕ'ዚ፡ ስልጠና ዝረኸቡ ፖሊስ ኣብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ብምውፋር፡ ስደተኛታት ብንኣሽቱ ጃልባታት ከይሰግሩ ንምክልኻል ዝዓለመ እዩ።
ቤትጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ከም ዝገለጾ፡ እዚ ውዕል'ዚ ንኣማኢት ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ብምእላይ ናብ ዓዶም ወይ ናብ ዝተሰጋገሩለን ሃገራት ኤውሮጳ ንምጥራዝ ዝሕግዝ እዩ።
ነዚ ንምስላጥ ከኣ 501 ሚልዮን ፓውንድ ንተግባራዊ ስርሒታት ክውዕል እዩ።
ካብ 1 ጥሪ ክሳዕ 22 ምያዝያ 2026፡ ብጠቕላላ 6,077 ሰባት ብንኣሽቱ ጃልባታት ካብ ፈረንሳ ተበጊሶም መትረብ እንግሊዝ ሰጊሮም ኣለዉ።
እዚ ቍጽሪ'ዚ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ዝተመዝገበ ክነጻጸር ከሎ ብ37% ዝተሓተ እዩ።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


