ኤርትራ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዝግበር ምክትታል ሕማም ኢቦላ

ነፋሪት መገዲ ኣየር ኤርትራ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, Eritrean Airlines

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ነቲ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐን ዩጋንዳን ተራእዩ ዘሎ ለበዳ ኢቦላ ንምክልኻል ውጥን ከምዘውጽአ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ሓላፊ ምቊጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማት እታ ሃገር፡ "ብሃገር ደረጃ ሓይሊ ዕማም ቆይሙ ኣሎ" ከምዝበለ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ዶ/ር ኣርኣያ ብርሃነ ከምዝበሎ፡ "ኣብታ ሃገር ዘለዋ ኩለን ሆስፒታላት ብዛዕባ እቲ ሕማም ሓበሬታ ተዋሂቡወን ኣሎ"።

"ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ'ውን ንመቆጻጸሪ ረስኒ ዝኸውን ቦታ ተዳልዩ ኣሎ፣ ገያሾ ምስ ኣተዉ፡ ናብተን በቲ ሕማም ዝተጸልዋ ሃገራት ተጓዒዞም እንተነይሮም ክሕተቱ እዮም"።

ንመመርመሪ ዘገልግል ላቦራቶሪ ተዳሊ'ዩ ከምዘሎ'ውን ዶ/ር ኣርኣያ ሓቢሩ'ሎ።

ኣብተን ጎሮባብቲ ኮንጎ ዝኾና ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ጥንቃቕ ክገብሩን መምርሒታት ክከታተሉን'ውን እቲ ዳይረክተር ተማሕጺኑ።

ኣብ ዩጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቚጸሩ ኤርትራውያን ኣብ ርእሰከተማታት ካምፓላን ጁባን ከምዝነብሩ ይግለጽ።

ብሰንኪ'ዚ ካብን ናብን ኣስመራን እተን ከተማታትን ዝመላለሱ ገያሾ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ዶ/ር ኣርኣያ ብርሃነ

ምንጪ ስእሊ, MOI

ውድብ ጥዕና ዓለም ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፡ መጠን ሞትን መልከፍቲን ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተሓበረ ዝተሓተ ኮይኑ ምጽንሑ ተስፋ ሂቡ ኣሎ።

ብመሰረት ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብዚ ናይ ሕጂ ለብዒ፡ ክሳብ ሰኑይ 1 ሰነ ኣብ ዝነበረ እዋን ጥራይ 60 ሰባት በቲ ሕማም ከምዝሞቱ ክረጋገጽ እንከሎ፡ ብድምር 344 በቲ ቫይረስ ከምዝተለኽፉ ሰብመዚ ጥዕና ደ.ሪ.ኮ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ተለኺፎም ከይኮኑ ዝተጠርጠሩ 116 ካልኦት ድማ ምክትታል ይግበረሎም ኣሎ።

ብወገን ዩጋንዳ ድማ፡ ቊጽሪ ዝተለኽፉ ናብ 15 ክብ ክብል እንከሎ፡ መጠን ሞት ካብ ሓደ ሰብ ኣይሓለፈን ዘሎ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ ሕማም "ዓለምለኻዊ ህጹጽ ሓደጋ" (Public Health Emergency of International Concern,) ምዃኑ ድሕሪ ምእዋጁ ንምቊጽጻሩ ሓያል ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኢቦላ እንታይ'ዩ?

ኢቦላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንፈለማ እዋን ኣብ 1976 ኣብ 'ዛየር' (ናይ ሕጂ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ) ዝተቐልቀለ ኢቦላ፡ ካብ መንካዕ፡ ቅንፍዝን ካልኦት ዓሌታት ኣህባይን ብዝተበገሰ ቫይረስ ዝስዕብ ምዃኑ'ዩ ዝእመን።

ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝብሎ፡ በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት ክሞቱ ክሞቱ ዘለዎ ተኽእሎ 50% እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተራእየ ለበዳታት እቲ ሕማም መጠን ተኽሎ ሞት ካብ 25% ክሳብ 90% በጺሑ ነይሩ።

እቲ ቫይረስ ካብ ሰብ ወይ እቶም እንስሳታት ብዝወጽእ ከም ደምን ቀልቀልን ዝበሉ ፈሰስቲ ብምትንካፍ ከምዝመሓላለፍ ይፍለጥ።

ስለዚ፡ ጽሬት ኣካላት፡ መስተዪን መብልዕን ኣቚሑት፡ ሽቓቕ፡ ምንጻፋት ዓረታትን ወዘተ ወሳኒ ምዃኑ'ዮም ሰብሞያ ጥዕና ዝምዕዱ።

ቀዳማይ ለብዒ ናይቲ ሕማም ኣብ ገለ ዓድታት ማእከላይ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ነይሩ። እቲ ዝኸፍአ ግን፡ እቲ ልዕሊ 11,000 ሰባት ዝቐተለ ካብ 2014 ክሳብ 2016 ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተራእየ እዩ ነይሩ።

እዚ ሕጂ ኣብ ደ.ሪ.ኮ ከምኡ'ውን ዩጋንዳ ተቐልቂሉ ዘሎ ዓሌት ናይቲ ቫይረስ 'ቡንዲቡጊዮ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ ዛጊት ፈውሲ ይኹን ክታበት ኣይተረኽቦን።

ኣብዛ መበል 17 ደግሲ ናይቲ ሕማም ኣጋጢምዋ ዘሎ ሃገር፡ ካብ 2018 ክሳብ 2020 ዝነበረ እዋን ዝበዝሑ (2,300) ግዳያት ዝቐዘፈሉ እዩ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራይ ኣስታት 15,000 ሰባት በቲ ሕማም ሞይቶም ኣለዉ።

ቀንዲ ምልክታት ኢቦላ

ገለ ካብቶም ቀንዲ ምልክታት እቲ ሕማም እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፡

  • ቃንዛ ርእሲ
  • ክቱር ድኻም
  • ነድሪ ጐሮሮ
  • ረስኒ
  • ቃንዛ ጭዋዳታት
  • ውጽኣት
  • ተምላስ
  • ደም ዝሰረበ ኣዒንቲ
  • በቐጥ
Skip YouTube post
ንትሕዝቶ Google YouTube ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Google YouTube ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Google YouTube ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን። ትሕዝቶ YouTube መወዓውዒታት ክህልዎ ይኽእል'ዩ።

End of YouTube post