ኢትዮጵያዊ መሃዚ ንዝሰርሓ ሄሊኮፕተሩ ኣብ ቀረባ እዋን ከብርራ እዩ!

Published

ኣብ ትግራይ ኣድያቦ ተወሊዱ ዝዓበየ ዕበ ለገሰ፡ ሄሊኮፕተር ሰሪሑ ንምብራር ኣብ ቅድመ ምድላው ከምዝርከብ ንቢቢሲ ገሊጹ። ሕልሚ ቁልዕነቱ ንምግሃድ ላዕልን ታሕትን ዝብል ዘሎ ዕበ ለገሰ ካብ ቴክኒካዊ ስራሕቲ ብተወሳኺ 6 ዓይነታት ሙዚቃ መሳርሒ ክጻወት ይኽእል።