ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
- እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
- ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
- ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
- ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
- ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ርክብ ትራምፕን ሺን፡ ብኸመይ ንመጻኢ ዝምድና ልዕለ ሓያላን ሃገራት መሰረት የንጽፍ?
ጋና ዜጋታታ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተውጽእ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
መግለጺ ስእሊ, ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ንኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዒላማ ዝገበረ ተቓውሞታት ክካየድ ጸኒሑ'ሎ ጋና፡ ኣስታት 300 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ዜጋታታ ከተውጽእ ምዃና ኣፍሊጣ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሳሙኤል ኦኩድዜቶ ኣብላክዋ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ስደተኛታት "ብቕልጡፍ ክወጹ፡ፕረዚደንት ጋና ፍቓድ ከምዝሃበ ጠቒሱ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ንኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕትታትን ተቓውሞታትን ድሕሪ ምፍጻሙ'ያ እታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ነቲ ስጉምቲ ወሲዳ ዘላ።
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ስሪል ራማፖዛ ነቲ ኩነታት ኣመልኪቱ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኣንጻር ስደተኛታት ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ፖሊሲ መንግስቲ ከምዘይኮነ ብምንጻር፡ "ሳሕቲ ዝተፈጸመ ተግባራት ገበን እዩ" ብምባል ክምጉት ተሰሚዑ።
ኣብ ወደባዊት ከተማ ደርባን ዝነብሩ ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ሎሚ ረቡዕ ክካየድ'ዩ ዝተባህለ ተቓውሞታት ንግዳዊ ትካላቶም ክዓጽዉ ከምዝተገደዱ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ናይጀርያ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዜጋታታ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምውጻእ ውጥን ከምዘውጽአት ገሊጻ ምንባራ ይዝከር።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ቻይና ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ኣመሪካ ምስ ቻይናዊ መዘናኡ ንምዝርራብ ናብ ቻይና ኣትዩ።
ሎሚ ኣብ ርእሰከተማ በይዢንግ ዝዓለበ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ሺ ዢንፒንግ ብምርኻብ፡ ብዛዕባ ንግዳዊ ምስሕሓብ ክልቲአን ሃገራት፡ ከምኡ'ውን እቲ ዓለማዊ ቅልውላው ነዳዲ ኣስዒቡ ዝርከብ ኲናት ኢራን ክዘራረቡ ትጽቢት ይግበረሎም።
ቻይና ዕዳጋታታ ንፍርያት ኣመሪካ ክትከፍት ከም ዝጉስጉስ ዘፍለጠ ትራምፕ፡ ነቲ መሻርኽቱን ነቓፊኡን ኮይኑ ዝጸንሐ ቢልዮነር ወናኒ ተስላን ስፔስ-ኤክስን ኢሎን ማስክ፡ ሓላፊ ናይቲ ቅልጡፍ ዕብየት ዘርኢ ዘሎ ትካል ተክኖሎጂ ንቪዲያ ጀንሰን ሃውንግ፡ ዋና ኣካያዲ ኣፕል ቲም ኩክን ዝርከቦም ሰብጸጋ ምስኡ ተማሊእዎም ኣሎ።
"ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ መራሒ፡ ፕረዚደንት ሺ፡ ነዞም በላሕቲ ሰባት ተኣምር ክሰርሑ ኣፍደገ ቻይና 'ክኸፍተሎም' ክሓቶ እየ" ክብል ትራም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽሒፉ ነይሩ።
ኣብ ዓውዲ ተክኖሎጂ ኪነታዊ-ብልሒ (ኤ-ኣይ) ካብ ቻይና ድሒራ ዝጸንሐት ኣመሪካ ነቲ ጋግ ከምዘጽበበቶ እቲ ኣመሪካዊ ፕረዚደንት ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ድሕሪ ምዝዛም ዝሑል ኲናትን ምፍራስ ሕብረት ሶቬት ነበርን፡ ምናልባት'ውን ኣብ ታሪኻ ከም ቻይና ገይራ ንኣመሪካ ዝተዳረገት ሃገር የላን።
ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 20 ዓመታት፡ ዋሽንግተን ንበይዢን ከም ቀንዲ ስትራተጂካዊት መቐናቕንታ ከምእትርእያ ክትገልጽ ምጽንሓ ይፍለጥ።
ሓያላት መራሕቲ ናይ ምድናቕ ዝንባለ ዘለዎ ትራምፕ፡ ምስቲ እብረ-ስልጣኑ ብምንዋሕ ኣብታ ዴሳዊት ሃገር ሰዊዱ ዝርከብ ሺ ዢንፒንግ ዘካይዶ ዝርርብ ኣቓልቦ ዓለም ስሒቡ ኣሎ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ዝጠቅዖ ካርታ 'መበል 51 ግዝኣት' ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Trump / Truth Social
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ “መበል 51 ግዝኣት” ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ብባንዴራ ኣመሪካ ዝተሸፈነት ቬነዙወላ ጠቂዑ።
እቲ ፕረዚደንት ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ንቬነዙወላ ክጥቕልላ ይሓስብ ከም ዘሎ ተዛሪቡ ነይሩ።
ትራምፕ፡ እታ ሃገር ንምሕዋስ ይሓስብ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጹን ግዝያዊ ፕረዚደንት ቬነዙወላ ዴልሲ ሮድሪገዝ ነቲ ሓሳብ ድሕሪ ምንጻጋን ድሕሪ ሓደ መዓልቲ’ዩ ነዚ ካርታ ጠቒዑ ዘሎ።
እታ ፕረዚደት፡ “ደቀንስትዮን ህይወቶም ዝሃቡሉ ሓድነት፡ ልኡላውነት፡ ናጽነትን ክቡር ታሪኽናን ክንከላኸል ኢና፡” ኢላ።
ፕረዚደንት ነበር ኒኮላስ ማዱሮ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ካራካስ ካብ ዝርከብ ገዝኡ ተታሒዙ ኣብ ኣመሪካ ካብ ዝእሰር ንደሓር፡ ትራምፕ ምስ ሃገር ምርድዳእ ይገብር ከምዘሎ ክንገር ጸኒሑ'ዩ።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ናብ ኢትዮጵያ ገይሹ

ምንጪ ስእሊ, PM Abiy Facebook
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ይገብር ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ፕረደዚንት ከም ዝተቐበሎ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።
"ፕረደዚንት ሪፐብሊክ ፈረንሳ ዝዀንካ ሓወይ ኢማኑኤል ማክሮን ወትሩ ፍሉይ ፍራንን ሓጐስን እየ ናብ ኢትዮጵያ እንቋዕ ድሓን መጻእኻ ዝብል፡" ኢሉ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ወሲኹ፡ "ኣብ ወሳንን ውጽኢታውን ዝርርባት ትኹረት ኣብ እንገብረሉ እዋን፡ ሓደ ነገር ርግጸኛታት ኢና። ንሱ ድማ ዝምድና ኢትዮጵያን ፈረንሳን ዘሎ ተሰጣጢሙ ዝዘለልቕ ምዃኑ'ዩ፡" ክብል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ሓቢሩ።
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ብምትእትታው ክትኽሰስ ዝጸሐት ፈረንሳ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ካብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ወጻኣ ምስ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝምድናታት ከተሐይል ክትጽዕር ጀሚራ ኣላ።
ኣብዚ ሰሙን ድማ ምስ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኬንያ ብምትሕብባር ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣአንጊዳ እያ።
ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ብሰሉስ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ጸጥታ፡ ቁጠባዊ ጽግዕተኛነትን ጂኦፖለቲካዊ ንሕንሕን ሓዊሱ ናይ ሓባር ብድሆታት ምህላዎም ጠቒሱ።
ብዛዕባ "ሓባራዊ ወፍሪ"ን "ማዕረ ሽርክነትን" ድማ ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ።
ማክሮን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ከም ምስግጋር ጸዓት፡ ዲጂታልን ኤኣይን፡ ቁጠባ ባሕርን ሕርሻን ዝኣመሰሉ መዳያት ናይ 27 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወፍሪ ከም ዝግበር ወግዓዊ ገይሩ።
"ኣፍሪቃ ትዕወት'ያ ዘላ። ኣብ ዓለም እታ ብዕድመ ዝንኣሰት ኣህጉር እያ... ዝያዳ ርእሰ ምርኰሳ ንኽህልዋ ድማ ወፍሪ የድልያ፡" ክብል ብሰኑይ ተዛሪቡ።
እዚ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ፈረንሳ ኣስታት 250 ሽሕ ስራሕ ከም ዝፈጥር ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣብ እዋን ልምምድ እንከላ ዝሞተት ኢትዮጵያዊት ኣትሌት
ኤርትራ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ክቕጽልን ተሓታትነት ክሰፍንን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ጸዊዐን
ኤርትራን ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃን፡ ስትራተጅያዊ ስምምዓቶም ዳግማይ ኣሐዲሶም
ዩወሪ ሙሴቬኒ፡ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ንሻውዓይ ግዜኡ ቃለማሕላ ፈጺሙ
ኣብ ኢድ ፖሊስ ዝጸንሐ ሓላፊ ፕረስ ፕረዚደንት ትግራይ ተፈቲሑ
ናይሮቢ፡ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ፈረንሳን ይካየድ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Aden Duale
ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተሳተፍሉ ዋዕላ ኣፍሪቃን ኣፈረንሳን ኣብ ኬንያ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ ብሰኑይ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ዝተኸፍተ "ዋዕላ ኣፍሪቃ ንቕድሚት" ተባሂሉ ዝተሰየመ ኣኼባ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን ተረኺቡ ኣሎ።
ፈረንሳ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣስታት 27 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወፍሪ ክትገብር ምዃና ማክሮን ኣፍሊጡ።
እታ ኣህጉር ፍታሕ እተናዲ ዘይኮነት፡ ንዓለም ዝኸውን መፍትሒ ዘለዋ ምዃና እቲ ፈረንሳዊ መራሒ ተዛሪቡ።
ፓሪስ፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝነበራ ጽልዋ እናተዳኸመ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን'ያ፡ ኣንፈታ ናብተን ግዝኣት ብሪጣንያ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምግባር ነቲ ዋዕላ ኣብ ኬንያ ከተካይዶ ወሲና።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋመን መራሒ ግብጺ ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲን ዝርከብዎም መራሕቲ እታ ኣህጉር፡ ከምኡ'ውን መራሕቲ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ዋዕላ ይሳተፉ ኣለዉ።
ካምፓላ፡ ዮወሪ ሙሰቨኒ ንሻውዓይ ግዜ ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ

ምንጪ ስእሊ, Government of Uganda/X
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ኣካታዒ ምርጫ ዝተዓወተ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ሎሚ ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ።
ሻውዓይ እብረ-ስልጣን ዝጅምር ዘሎ ዮወሪ ሙሰቨኒ ኣብ 1986 ብዕጥቃዊ ቃልሲ ናብ ስልጣን ምስደየበ ወሪዱ ኣይፈልጥን'ዩ።
እቲ ወዲ 81 ዓመት ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ንዝነውሐ እዋን ኣብ ስልጣን ካብ ዝጸንሑ ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት እዩ።
ንልዕሊ 40 ዓመታት ዝገዝኡ መራሕቲ፡ ፕረዚደንት ኮንጎ ብራዛቪል ደኒስ ሳሶ ንጔሶ፡ ፕረዚደንት ኢኳቶሪያል ጒኒ ቲዮዶሮ ኦቢያንግ፡ ከምኡ'ውን መራሒ ካሜሩን ወዲ 93 ዓመት ፖል ቢያ እዮም።
መራሕቲ ኤርትራ፡ ርዋንዳን ጂቡቲን ዝርከብዎም ሓያሎ ካልኦት መራሕቲ እታ ኣህጉር'ውን ገለ ካብቶም ኣብ ፈለማን መወዳእታን 90ታት ናብ ስልጣን ምስደየቡ ዘይወረዱ እዮም።
ን27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ወዲ 78 ዓመት ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ንመበል 6ይ እብረ ስልጣን ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ ነይሩ።
መንገዲ ኣየር ኣስትራል ካብ-ናብ ናይሮቢ-ኣስመራ ናይ ጽዕነት ኣገልግሎት ጀሚሩ

ምንጪ ስእሊ, Astral Aviation
መንገዲ ኣየር ኣስትራል፡ ኣብ መንጎ ናይሮቢን ኣስመራን ሰሙናዊ ናይ ጽዕነት በረራታት ብወግዒ ብምጅማር፡ ንኤርትራ ምስ ዞባውን ዓለምለኻውን መርበብ መጓዓዝያ ዘራኽብ ሓድሽ መስመር ከም ዝኸፈተ ተፈሊጡ።
እዚ ብናይሮቢ ኣቢሉ ዝሓልፍ መስመር፡ ንፍርያት ኤርትራ ናብ ዕዳጋታት ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ እስያን ኤውሮጳን ንምብጻሕ ዓቢ ተራ ክጻወት ትጽቢት ይግበረሉ።
እቲ ትካል ከም ዝገለጾ፡ እዚ ስጕምቲ እዚ ኣብቶም እናማዕበሉ ዝመጽኡ ዕዳጋታት ንዝርአ ዋሕዚ ንግድን ስሉጥ ሎጂስቲክስን ንምድጋፍ ዝዓለመ እዩ።
እዚ ሓድሽ ናይ ጽዕነት መስመር፡ ኤርትራ ብሰንኪ ድሩት ኣህጉራዊ በረራታት ኣብ ትጽገመሉ ዘላ ወሳኒ እዋን ምምጽኡ ንብዙሓት መስተርሆት ዝህብ ክኸውን እዩ።
ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ዝዀነ ግዜ ንላዕሊ ናይ መጓዓዝያ ኣማራጺታት ኣብ ዘድልየሉ ኵነታት ከም እትርከብ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ መስከረም 2024 መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራታቱ ካብ ኣስመራ ብምቍራጹ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ገያሾን ንግዳዊ ምንቅስቓስን ዓቢ ጸቕጢ ፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ብተወሳኺ፡ቀጥታዊ በረራታት ብዘይምህላዉ፡ ገያሾ ብዱባይን ካይሮን ኣቢሎም ካብ 13 ክሳብ 17 ሰዓታት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ክጽበዩ ክግደዱ ጸኒሖም እዮም።
እቲ ሃገራዊ መንገዲ ኣየር ብሰንኪ “ስሉጥ ምሕደራ ዘይምህላዉን ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ተገይሩ ብምውሳዱን”፡ ንዜጋታት ዘተኣማምን ኣገልግሎት ክህብ ኣይከኣለን።
ምሁር ቍጠባ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ቅድሚ ሕጂ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ኤርትራ ኣብ መንጎ ምብራቕ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዘላቶ ጸጋ ክትጥቀመሉ እንተዀይና፡ ዞባዊ ውህደትን ስሉጥ ትካላዊ ኣሰራርሓን ክህሉዋ ከም ዝግባእ ሓቢሩ ነይሩ።
እዚናይኣስትራል ኣቪየሽን ምጅማር፡ ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን መንገዲ ኣየር ኢትሓድ ካብ 7 ሕዳር 2026 ጀሚሩ ካብ ኣቡዳቢ ናብ ኣስመራ ቀጥታዊ በረራ ክጅምር ምዃኑ ዘውጽኦ ወግዓዊ ምልክታ ተደሚሩ፡ ንኤርትራ ስትራተጅያዊ ጥቕምታት ክህባ ይኽእል እዩ።
እዚ ኣብ ናይሮቢ - ኬንያ ዝመደበሩ ናይ ጽዕነት መንገዲ ኣየር፡ ናብ ልዕሊ 50 መዓርፎ ነፈርታትበረራታት ከም ዘካይድ ይፍለጥ።
እቲ ኩባንያ ንዝተፈላለዩ ዓይነታት ጽዕነታት ከም ኣቑሑት ንግዲ፡ ሰብኣዊ ሓገዛት፡ መድሓኒታትን ካልኦት ንብረታትን የማላልስ።
በዚ ሓድሽ ዝጀመሮ ናይ ናይሮቢ–ኣስመራ መስመር ድማ ንኤርትራ ምስ ዞባዊ መርበብ ንግዲ ከተኣሳስራ ትጽቢት ይግበር።
ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ሰፋሮ ዘጽደቖ እገዳ
ኢትዮጵያን ኣመሪካን ክልተኣዊ 'ናይ ምክልኻል' ስምምዓት ተፈራሪመን
ፔንታጎን፡ ብዛዕባ 'ዩፎ' ከቃልዖም ዝጀመረ ምስጢራት እንታይ'ዮም?
ካቢነ ስታርመር ተገሚዑ፤ ምኒስተራት ዘልዕልዎ ዘለዉ ወሳኒ ሕቶ
ትራምፕ፡ ብዛዕባ ምቍራጽ ተዅሲ ብዝሃቦ መልሲ ዋጋ ነዳዲ ወሰኽ ኣርእዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ብኣመሪካ ንዝቐረበ ሓሳብ ዝሃበቶ መልሲ፡ "ፈጺሙ ተቐባልነት የብሉን፡" ድሕሪ ምባሉ፡ ዋጋ ነዳዲ ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ።
ዓለምለኻዊ መምዘኒ ነዳዲ ዝዀነ ብሬንት ብ4.1% ወሲኹ ሓደ ባረል 105.50 ዶላር ክበጽሕ ከሎ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝሽየጥ ዘይተጻረየ ነዳዲ ድማ ብ4.4% ብምውሳኽ 99.80 ዶላር በጺሑ።
እቲ ኣገዳሲ መስመር ማይ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ካብ 28 ለካቲት ጀሚሩ ብተግባር ተዓጽዩ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ቀረብ ነዳድን ጋዝን ዓቢ ዕንቅፋት ፈጢሩ ይርከብ።
ትራምፕ ነቲ ቴህራን ዘቕረበቶ ቅድመ-ኵነት ብዝመልከት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከምዚ ክብል ጽሒፉ፤ "ካብ 'ተወከልቲ' ኢራን ዝተባህሉ ዝተዋህበ መልሲ ኣንቢበዮ ኣለኹ። ኣይፈተኹዎን - ፈጺሙ ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ።"
እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ዋጋታት ጸዓት ዓቢ ምንዋጽ ዘርኣየ ኰይኑ፡ ድሕሪ እቲ ብ8 ምያዝያ ዝተተግበረ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ዋጋ ብሬንት ደጊሙ ልዕሊ 100 ዶላር ደይቡ ኣሎ።
ተሸላሚት ኖቤል ኢራናዊት ናርግስ ብዋሕስ ተፈቲሓ ናብ ሆስፒታል ተሰጋጊራ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እታ ከም ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት እትፍለጥ ኢራናዊት ናርግስ መሓመዲ፡ ብሰንኪ እናበርትዓ ዝመጽእ ዘሎ ሕማም፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኣ ናብ ሆስፒታል ቴህራን ከም ዝተሰጋገረት ተገሊጹ።
ሰበስልጣን ኢራን ናርግስ “ብልዑል ዋሕስ ንግዜኡ” ክትወጽእ ከም ዝፈቐዱላ፡ ስድራቤታ ዘመሓድሩዎ ፋውንዴሽን ብሰንበት ኣፍሊጡ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ክልተ ግዜ ናይ ልቢ ሕማም ከም ዘጋጠማ ዝጠቐሱ ደገፍታን ስድራቤታን፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ክትመውት ከም እትኽእል ኣጠንቂቖም ነይሮም እዮም።
ጓል 54 ዓመት ዝዀነት ናርግስ መሓመዲ፡ ኣብ ኢራን ንዝካየድ ጭቆና ደቀንስትዮ ብምቅዋምን ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባር ብእተካይዶ ቃልስን፡ ናይ 2023 ተሸላሚት ኖቤል ሰላም ምዃና ዝፍለጥ እዩ።
ድሕሪ እቲ ስድራቤታ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክትወጽእ ዘቕረቡዎ ተደጋጋሚ ልመና፡ ሕጂ ብናታ ሓካይም ንኽትሕከም ኣብ ሆስፒታል ፓርስ ቴህራን ከም እትርከብ ፋውንዴሽን ናርግስ መሓመዲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣረጋጊጹ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሰሜን ኢራን ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዛንጃን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ንዓሰርተ መዓልታት ኣብ ሆስፒታል ጸኒሓ ነይራ እያ።
ኣብ ፓሪስ ዝነብር ብዓልቤታ፡ “ሓፈሻዊ ኵነታት ጥዕናኣ ጽቡቕ የሎን፡” ክብል ገሊጹ።
እዛ ተጣባቒት ኣብ ቤትማእሰርቲ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ኣስታት 20 ኪሎ-ግራም ዝኸውን ሚዛን ኣካላ ከም ዝጐደለ ይእመን።
ከምቲ ጠበቓኣ ቺሪን ኣርዳካኒ ዝገለጸቶ፡ ናርግስ ንምዝራብ ትጽገም ከም ዘላን መንነታ ንምፍላጥ ክሳብ ዘጸግም ከም ዝተጐሳቘለትን ተዛሪባ።
ኣብ 2021 “ኣንጻር መንግስቲ ፕሮፖጋንዳ ምዝርጋሕን ምስ ጸጥታ ሃገር ምርጻምን፡” ብዝብል ክስታት ናይ 13 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪድዋ ዝነበረ ክኸውን ከሎ፡ ንሳ ግና ነቲ ክስታት ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ ጸኒሓ እያ።
ብተወሳኺ፡ ዝሓለፈ ታሕሳስ 2024 ብሰንኪ ሕክምናዊ ምኽንያት ካብቲ ሕማቕ ስም ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ ኤቪን ንግዜኡ ክትወጽእ ተፈቒዱላ ነይሩ።
ይዅን እምበር፡ ሰበስልጣን ኢራን ኣብ ሓደ ናይ ተዝካር ስነ-ስርዓት “ቀስቃሲ ዘረባ” ብምስማዓ ዳግማይ ከም ዝኣሰሩዋ ይገልጹ።
ስድራቤታ ከም ዝሓበሩዎ ግና ኣብ እዋን ማእሰርታ ማህረምቲ ስለ ዝወረዳ እያ ናብ ሆስፒታል ክትውሰድ ተገዲዳ።
